2025.09.22 ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ምንቲ እታ ብኲናት ዝተሃስየት ሱዳን ጸሎትን ስጉምትን ይሓቱ 2025.09.22 ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ምንቲ እታ ብኲናት ዝተሃስየት ሱዳን ጸሎትን ስጉምትን ይሓቱ 

ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ምንቲ እታ ብኲናት ዝተሃስየት ሱዳን ጸሎትን ስጉምትን ይሓቱ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ቤተ - ክርስትያንን ምስቶም ብውግእ እተጐድኡ ህዝቢ ሱዳን ዘለዎም ጥብቂ ርክብ ማእከል ተልእኾ እቲ ምስ ማሕበረሰብ ካቶሊክ ንምርኻብን ምስ ፖለቲካውያን ሰበ - ስልጣን ንምዝታይን ሕመረት ናብታ ስቓይ ዝመልኣ ሃገር ዝተጓዕዙ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ምንባሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ደቡብ ሱዳን ናይ ቅድስቲ መንበ ርሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ሴሙስ ፓትሪክ ሆርጋን ኣብ ሱዳን ዘካየድዎ ናይ ዓሰርተ መዓልታት ዑደት ዛዚሞም፣ ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ፣ ካብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናይ ቅርበትን ምትሕግጋዝን መልእኽቲ ናብ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ እታ ሃገር ከም ዘብጽሑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ እቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2023 ኣብ መንጎ ዕጡቓት ሓይልታት ሱዳንን ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍን ብናይ ስልጣን ምፍሕፋሕ ዝተደረኸ ሓድ ሕዳዊ ውግእ ውጽኢቱ፣ ማዕበል ቅትለት፡ ጃምላዊ ምዝንባልን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዓለም ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ኢሉ ዝጠቐሶን ኩናታት ምዃኑ ኣመላኺቱ፣ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባት ተቐቲሎም፡ ዓድታትን መሬት ሕርሻን ዓንዩን፡ ኣስታት 12 ሚልዮን ሰባት ድማ ካብ መረበቶም ተሰጒይጎም - ልዕሊ ኣርባዕተ ሚልዮን ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ከም ኣተሰዱን ኣፍሊጡ።

ኣብ ደቡብ ሱዳን ናይ ቅድስቲ መንበ ርሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ሴሙስ ፓትሪክ ሆርጋን እቲ ቐንዲ ዕላማ ናይቲ ኣብ ሱዳን ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት "ካብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብዛ ኣብ ሱዳን ብፍላይ ከኣ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ዘስካሕክሕ ውግእ ሓድሕድ ኣብ ዝካየደላ ሃገር ዘላ ናይቲ ከባቢ ቤተ-ክርስትያን ዝተመሓላለፈ ናይ ቅርበትን ምትብባዕን ቃል ምብጻሕ" ምዃኑ ገሊጾም።

ጸሎት ሰላምን ቅርበትን ምስ ካቶሊካውያን

ማሕበረ - ሰብ ካቶሊክ “ካብ ኩሉ ወገን ኣዝዩ ከቢድ ጸቕጢ ከም ዝተገበረሉን ሓቢሮም፣ ዝተገበረሎም ምዉቕ ኣቀባብላን ካብ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዝተመሓላለፈ ናይ ቅርበትን ምትብባዕን መልእኽቲ ተቐባልነት ከም ዝረኸበን ገሊጾም፡ ኣብ እዋን ዑደቶም ኣብ ካርቱም፣ ኣትባራ፣ ኦምዱርማንን ፖርት ሱዳንን ዝርከቡ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዘዕረጉ ገሊጾም፣ "ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ ምእመናን ብብዝሕን ብሓጎስን ብውዕዉዕ ስምዒትን ከም እተሳተፉን እዚ መልእኽቲ ከመሓላልፈሎም ብምኽኣለይ ድማ ኣዝየ ሕጉስ እየ . . . ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምትእኽኻብ ንሰላም ዝግበር ጸሎት ማእከላይ ቦታ ነይርዎ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ካብዚ ኣጋጣሚታት እዚ ብርግጽ ኣብታ ሃገር ሰላም ክህሉ ጸሊና፡ ከምኡ'ውን ምእንቲ ኣብዛ ሃገር ዘለዉ ኣዝዮም ኣብ ጽንኩር ኩነታት ንዝርከቡ ካቶሊካውያን። ብሓቂ  ኩሉ ህዝቢ እታ ሃገር በቲ ዘስካሕክሕ ኲናት ምኽንያት ኣብ ዝተፈላለየ ጸገማት እዩ ዘሎ” ኢሎም።

ምስ ፖለቲካዊ ሰበስልጣን ዘካየድዎ ርክባት

ኣብ ፖርት ሱዳን ምስ ኣባላት መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን እውን ከም እተራኸቡን። ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ መጻኢ ቅዋማዊ ስርዓት ብዝምልከት ዘለዋ መትከል ገሊጾም፡ ኣገዳስነት “ናይ ሃይማኖትን ናይ ባህልን ናጽነት” ድማ ከም ዘስመሩሉ ኣመላኺቶም፣ ሰበ ስልጣን እውን በቲ ዝገበርክዎ ምብጻሕን ከምኡ እውን ር.ሊ.ጳ. ብዛዕባ ሱዳንን ሰላምን ዘለዎም ተገዳስነት ከም ዘሐጎሶም ኣመልኪቶም . . . ኲናት ንኹሉ ብማዕረ ከም ዝጸሉ ኣስሚሮም፡ "እዚ ኲናት ክርስትያንን ኣስላምን ንኹሉ ብማዕረ ዝጸልው እዩ፣ ኲናት ምስ ዝህሉ ኩሉ ሰብ ብሓባር እዩ ዝሳቐ፣ ነዚ ኲናትን ሳዕቤናቱን ንምብዳህን ሱዳን ዳግማይ ንምህናጽን ብሓባር ክንሰርሕ ኣሎና” ይብሉ።

ምስጋና ንመራሕቲ ቤተ ክርስቲያንን ልኡካን ወንጌልን

ሊቀ ጳጳሳት ሆርጋን ኣብ ምሉእ ጉዕዞኦም ብናይ ካራቱ ሊቀ ጳጳሳት ሚካኤል ዲዲ ከም ተሰነዩን ምስ ካህናትን ኣብ ፖርት ሱዳን ዘገልግሉ ኮምቦናውያንን ናይ ካልኦት ልኡካን ወንጌል ማሕበራት ኣባላት ከም እተራኸቡን እቶም ልኡካነ ወንጌል ኣብዚ ኣዚዩ ፈታኒ ኩነታት ስለ ተኣማንነቶም” ድማ ብስም ቅዱስ ኣቦናን መላእ ቤተ ክርስቲያንን ከም ዘመስገኑን፣ “እቲ ጉዕዞ ክሳብ ሕጂ ኣብ ከቢድ ዘይምርግጋእ ኣብ ዘላ ሃገር ክፍጸሙ ብምኽኣሎምን ብውሑስ መንገዲ ስለዝተጋህደን፡ ንኣምላኽ አመስግን፣ ሕጂ’ውን እንተኾነ፡ ብሰላም ስለዝተፈጸመን ነቲ ዝደለናዮ ክንበጽሖ ስለዝኸኣልና፡ ብፍላይ ድማ ምስ ማሕበረሰባት ክርስትያን ተራኺብና ቅርበት ቤተ ክርስቲያን ከነረጋግጸሎም ምኽኣልና ንኣምላኽ ነመስግን” ኢሎም።

ጸሎት ንሱዳን

ሊቀ ጳጳስ ሆርጋን መልእኽቶም ኣብ ምዝዛም ጸሎት መላእ ቤተ ክርስቲያን ተማሕጺኖም

“ስለዚ እየ ድማ ንዓኻትኩምን ንሰማዕትኹምን ነቶም ንማዕከናት ዜና ቫቲካን ዝከታተሉ ሰባትን ነዚ ተመክሮ እዚ ከካፍል ዕድል ምርካበይ’ውን ሕጉስ እየ . . . ምእንቲ ሱዳን ክጽልዩን ነዚ ኣብ ሱዳን ዘሎ ሕሱም ኲናት ሓድሕድ መዕለቢ ክረክብ ዘኽእል ዝኾነ ይኹን ሰናይ ተግባራቶም እሓትት” ኢሎም።

Photogallery

ሓዋርያዊ ልእኽ ቅድስቲ መንበር ምንቲ እታ ብኲናት ዝተሃስየት ሱዳን ጸሎትን ስጉምትን ይሓትቱ
24 Sep 2025, 15:28