ድለ

2025.01.12 Angelus 2025.01.12 Angelus  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር. ሊ. ጳ. ኣብ ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ሓደስቲ ተሰየምቲ መዚዞም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንክቡር የኔታ ካርሎ ማሪያ ፖልቫኒ፣ ዋና ጸሓፊ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ባህልን ትምህርትን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ንኽኾኑ መዘዝዎም፣ ከምኡ ውን ንምክትል ዋና ጸሓፊ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ምብራቓውያን ኣብያተ ክርስቲያን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ክቡር የኔታ ፊሊፕ ቺምፓሊ ድማ ስዩም ጳጳስ ናይ ኣኳ ዲ ማውሪታንያ ክኾኑ ሾምዎም። ከምኡ ውን ካልኦት ሓደስቲ ኣባላት ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ሥርዓተ ኣምልኾን ምስጢራን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ንክልተ ምእመናን ደቂ ኣንስትዮ መዘዝወን።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅድስቲ መንበር ዝሓለፈ ሰንበት ክልተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ቅድስቲ መንበር ናብ መዓርገ ጵጵስና ክድይቡ ከም እተሰይሙ ኣፍለጠት - እቶም ምክትል ዋና ጽሓፊ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ባህልን ትምህርትን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ኮይኖም ዘገልግሉ ዝነበሩ ክቡር የኔታ ካርሎ ማሪያ ፖልቫኒ ስዩም ሊቀ-ጳጳሳት ብምዃን ዋና ጸሓፊ ነቲ ከገልግልዎ ዝጸንሑ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ክኾኑ መዘዝዎም፣ ከምኡ ውን ነቶም ምክትል ጸሓፊ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ምስራቓውያን ኣብያተ ክርስቲያን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዝኾኑ ክቡር ይኔታ ፍሊፖ ቺምፓኔሊ ድማ ከም ስዩም ጳጳስ ናይ ኣኳ ዲ ማውሪታንያ ኮይኖም ቅብኣት ጵጵስና ክቕበሉ ተሰየሙ።

ክቡር የኔታ ካርሎ ማሪያ ፖልቫኒ
ክቡር የኔታ ካርሎ ማሪያ ፖልቫኒ

ክቡር የኔታ ካርሎ ማሪያ ፖልቫኒ

ክቡር የኔታ ካርሎ ማሪያ ፖልቫኒ ብዕለት 28 ሓምለ 1965 ኣብ ሚላኖ ተወልዱ ። ኣብ ተቕዋመ ሊዮን መበል ዓሰርተው ሰለስተ (ሚላኖ) ከምኡውን ኣብ ኮለጅ ስታኒስላስ (ሞንትሬያል) ተማህሩ፣ ኣብኡ ድማ ብሥነ ሕይወታውያን ናይ ሊቅነት መዓርግ ረኸቡ ።

ደረጃ ትምህርቶም ኣብ ቤት ትምህርቲ ስነ-መለኮት ዌስቶን ኢየሱሳውያን (ካምብሪጅ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ) ካልኣይ መዓርግ ኣብ ሥነ-መለኮት ዘጠቓልል ኢዩ። ኣብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ግረጎሪያን ድማ ብሕገ ቀኖና ሊቅነት ዘመስከሩ፣ ኣብ ስነ-ኣእምሮን ሥነ ፍርድን ስነ-ፍልጠትን ፍሉይ ክእለት ዘለዎም ኢይም።

ካብ 2013 ኣትሒዞም ናይ ቅዱስነቶም ናይ ክብሪ ህየንተ ኮይኖም ውን ከገልግሉ ጸንሑ።

ኣብ ወርሒ ሓምለ 1999 ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ኣገልግሎታት ቅድስቲ መንበር ኣተዉ፣ ናብ ቤትጽሕፈት ሓውርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ናብ መክሲኮ ድማ ተላእኩ ። ብ2015 ኣባል ሽማግሌ መራኸቢ ብዙሓን ሃገረ ቫቲካንን ከምኡውን ኣባል ስነ ትምህርታዊ ኮሚቴ ሓበሬታን ተክኖሎጅን ቅድስቲ መንበር ኰይኖም ኣገልገሉ ።

ክቡር የኔታ ፊሊፖ ቺምፓኔሊ
ክቡር የኔታ ፊሊፖ ቺምፓኔሊ

ክብር የኔታ ፊሊፖ ሲያምፓንሊ ብዕለት 30 ሓምለ 1978 ኣብ ኖቫራ ኢጣልያ ተወልዱ፣ ኣብ ጆርጅያ፡ ንኣርመንያ፡ ንኣዘርባጃንን ከምኡውን ቤላሩስን ኣብ ዝርከብ ኣባይቲ ጽሕፈት ሓውርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ድማ ኣገልገሉ።

ካብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ግረጎሪያን ድማ ናይ ስነ-መለኮት ሊቅነት ዘለዎም ኢዮም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ መብዛሕትኡ ግዜ መደረታቶም ንምንባብ እንክጽግሞም ኣብ የኔታ ቺምፓኔሊ ኢዮም ዝውከሉ ።

ምርጫ ናይቲ ብዛዕባ ሥርዓተ ኣምልኾን ምስጢራትን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር

ዝሓለፈ ቀዳም እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣባላት ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ሥርዓተ ኣምልኾን ምስጢራትን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ከም እተሸሙ ውን ኣፍሊጡ - ንሳቶም ድማ ብፀዕ ሊቀ-ጳጳሳት ዲየጎ ጆቫኒ መራሒ ጳጳሳዊ ሥርዓተ ኣምልኾን ከምኡውን ሓለቃ መዘምራን ጳጳሳዊ ቤት-ክርስትያን ሲስቲንን፣ ኣበምኔት ደመኒካውያን መነኮሳት ናይ ገዳም ደብረ መላእክት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንክብር ኣባ ዶም ጀረሚ ድሪስኮል፣ ክብርቲ ፕሮፌሰር ሜሪ ሂሊ ናይቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታ ኣመሪካ ደትሮይት ዝርከብ ዓቢይ ዘርኣ ክህነት ቅዱስ ልቢ መምህር፣ ከምኡውን ክብርቲ ዶና ለይን ኦርሱቶ ኣብቲ ልዑል ተቅዋመ ስነ - መለኮት ናይ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ግሪጎርያን መምህርን ከምኡውን ኣመሓዳሪት ማእከል ዓለማውያን ምእመንን ፎየር ኡኒታት ሮማ ኢጣልያን ኢያቶም።

16 January 2025, 14:47