ድለ

በነዲክቶስ መበል 16 በነዲክቶስ መበል 16 

‘ክርስትያን ምዃን ማለት እንደገና ሰብ ንምዃን ምምሃር ማለት እዩ’

ሰለስተ ብጾት ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 - ካርዲናል ኩርት ኮኽ ፕሮፌሰር ራልፍ ዋይማንን ሊቀ - ጳጳሳት ጊዮርክ ጋንስዋይን ካልኣይ ዓመት ዝኽሪ ዕረፍቶም ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ብዛዕባ በነዲክቶስ መበል 16 ተክለ ሰብነት የስተንትኑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን

ካርዲናል ኩርት ኮኽ ኣብ ዝኽሪ ካልኣይ ዓመት ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ድሕሪ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ምስ ዜና ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ በነዲክቶስ መበል 16"ንኻልኦት ቀረባ ብምዃን ዝሰምዑን ኣዝዮም ትሑትን" እንክብሉ ገሊጾም፥ እቲ ንክርስትያናዊ ሓድነት ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ተወላዲ ስዊዘርላንድ ካርዲናል ኩር ኮኽ” “በነዲክቶስ መበል 16 ኣዝዮም ሕያዋይን "ናብ ኣዒንቱ እንተ ጠሚትካ ብዙሕ ውሽጣዊ ብርሃን ተስተብህል። ክርስትያን ምዃን ሰብ ኣብ ምዃን እተመስረተ ክኸውን ከም ዘለዎ ወትሩ ዘገድሶም ዝነበረ ኣምር እዩ። እቲ ኽልተ ነገራት ዘይፈላለ ተተሓሒዙ ዝኸይድ ምዃኑ ዝኣምኑን ክርስቲያን ምዃን ሰብ ንምዃን እንደገና ምስትውዓልን ምምሃርን ምዃኑን ገዛእ ርእሶም ናይዚ ሓሳብዚ እውን ኣብነት እዮም” እንክብሉ ይገልጽዎም።

ንኣምላኽ ምድላይ

ሓደ እዋን ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንነዊሕ ዓመታት ከም ዘይጸንሑን በዚ ምኽንያት ድማ ዓበይቲ ውጥናት ክጅምሩ ከም ዘይክእሉ ኣፍልጦ ከም ዝነበሮም ይሕብሩ ከም ዝነበሩን ማእከል ናይ ተልኾኦም ድማ እምነት ናብ ማእከል ቤተ - ክርስትያን ምምላስ ኣብ ዝብል መደብ ከተኩር ከም ዝገበሩን እቶም ኣብ 2010 ዓ.ም. ናይ ኣቢያተ ክርስትያን ሓድነት ናይ ዘንቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ንኽኾኑ ብር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝተሾሙ ስዊዘርላንዳዊ ካርዲናል ኩርት ኮኽ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ የብርሁ።

"እቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚለዓል ሕቶ ንዓኦም ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። ቀንዲ ክፋል ብዛዕባ እቲ ኣብ ሰማየ ሰማይ ዘሎ ኣምላኽ ጥራይ ዘይኰነስ እቲ ንህዝበ እስራኤል እተዛረበን ልዕሊ ዅሉ ድማ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ መንነቱ ዘርኣየን ዝራኸብን ዓባስ ዘይኰነ ኣምላኽ እዩ ነይሩ። እቲ ብዛዕባ እግዚኣብሔርን ማእከልነት ክርስቶስን ዘበገስዎ ሕቶ ኣገዳስን ቅዉምን ውሽጣዊ ሕመረት [ዕዮ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16] ኢዩ።"

ክርስትያናዊ ተስፋ

ካርዲናል ኮኽ ነቲ ኣብ ድሮ ልደት ዝጀመረ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ኣብ ግምት ብምእታው፡ በነዲክቶስ ንክርስትያናዊ ተስፋ ዝተወፈየ Spe salvi - ብተስፋ ኢና ዝደሓንና  ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ ይዝክሩ።

“ንርእሱ ኣዝዩ ኣርዚኑ ዘይጥምት ሰብ ጥራይ ተስፋ ክህልዎ ከም ዝኽእል ዘርእየና ድንቂ ጽሑፍ እዩ”፥ ሓደ እዋን [በነዲክቶስ] ባዕሎም፡ ‘ንገዛእ ርእስና ብዝያዳ ኣትሒትና እንተጠመትና ከም መላእኽትን ኣዕዋፍን ክንነፍር ንኽእል ኢና’ ዝበልዎ ድማ ዘኪሮም፡ ሓድሓደ ግዜ ግን ንርእስና ኣዚና ክብ ኣቢልና ስለ እንጥምታ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ምድሪ ተሓጺርና ንተርፍ። ተስፋ ክህልወና እንኽእል ሕይወትና ናብ እግዚኣብሔር ምስ እነቕንዕ ጥራይ እዩ። ስለዚ ድማ እዩ [በነዲክቶስ] ውሽጣዊ ትርጉም ቅዱስ ዓመት እንታይ ምዃኑ ዘርእዩና። እዚ ድማ እቲ ኣፍደገ፡ ባዕሉ ጭቡጥ ምልክት ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ የረጋግጸልና። ብእኡ ጥራይ ኢና ናብ ቅድስና ክንበጽሕ እንኽእል፡ እዚ ቅዱስ ዓመት እዚ ​​ድማ ሰባት ነቲ ኣብ ጥምቀቶም ቃል ዝኣተውዎ ቅድስና ክረኽብዎ ተስፋ ንኽግበሩ ይድርኾም።”

ክርስትያንን ኣቦን

ኣባል ማሕበር ጉጅለ ተመሃሮ ራትዚንገር (በነዲክቶስ መበል 16) ፕሮፌሰር ራልፍ ዋይማን እውን ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ በነዲክቶስ መበል 16 ከም ሰብን ከም ካህንን ክሳብ ክንደይ ከም ዝጸለዎም ኣዘኻኺሮም፥ “ንዓይ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ክርስትያን እዮም ነይሮም። እዚ ምባል ኣዝዩ ቀሊል እዩ፡ ግን ኩሉ ግዜ ሓቂ ኣይኮነን። ክርስትያን ማለት ንኢየሱስ ክርስቶስ ዝለበሰ ሰብ ማለት እዩ። ንሱ ድማ እዩ እቲ ደሓር ከም ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16ን ቅድም ከም ጆሴፍ ራትዚንገር ደው ዝበሉሉ መትከል። ምስ ሓቅነቱ ንክርስቶስ ዝሰዓቡን ዝመስከሩን እዮም። እዚ ድማ ኣብ ልበይ ዓሚቕ ጦብላሕታ ገዲፉለይ ኣሎ፡ በዚ ድማ ኣዝየ እየ ዘመስግኖም። ንዓይ ከም ኣቦ እዮም ነይሩ፡ ልዕሊ ኩሉ ግን ክርስትያን እዩ። ምሳና ክርስትያን ክርስትያንን ኣቦናን” እንክብሉ ይዝክርዎም።

ሊቀ ጳጳሳት ጊዮርግ ጋንስዋይን፡ ኣብ ሮማ ብመንፈስ

ንነዊሕ እዋን ናይ በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ግሊ ጸሓፊ ዝነበሩ ሊቀ ጳጳሳት ጊዮርግ ጋንስዋይን ብኣጋጣሚ ኮይኑ ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብ ሮማ ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ዝኽሪ ካልኣይ ዓመት ዕረፍቲ በነዲክቶስ መበል 16  ክሳተፉ ኣይከኣሉን። ካብ ወቅቲ ሓጋይ ጀሚሮም ኣብ ቪልኒየስ ዝመደብሩ ኣብ ዞባ ሃገራት ባልቲክ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኮይኖም ተመዲቦም የገልግሉ እውን እንተለዉ ኣብዚ እዋን በዓለ ልደትን ሓድሽ ዓመትን ሓሳቦም ኣብ ሮማ ከም ዝመለሶም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፥ “ብዘይ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 በዓል ልደት ዘሕለፍኩሉ ካልኣይ ዓመት ይኸውን ኣሎ፥ “ብኣቀማምጣ መልክዓ ምድሪ መዳይ ካብ ቤተይን ካብ ሮማ ብዝረሓቕኩ መጠን፡ ውሽጣዊ ቅርበትይ ግን ኣዚዩ እናዓበየ እዩ ዝኸይድ። ብርግጽ ጓሂ ይስምዓኒ። ግን በቲ ኩሉ ምስኦምን ኣብ ጎኖምን ከሕልፎ ዝኸኣልኩ ግዜ ውሽጣዊ ተስፋን ምስጋናን እውን ይስምዓኒ። በዚ መዳይ እዚ ሎሚ ዓመት በዓል ልደት ካብ ካልኦት ዓመታት ኣዝዩ ዝተፈልየ እዩ ነይሩ። ግን ክሳብ ሕጂ በዓል ልደት ስለ ዝኾነ፡ ሓገዝ በነዲክቶስም መበል 16 ከም ዘይተፈለየኒ እዩ ዝኣምን” ቢሎም፥

ኣብዚ ቅዱስ ዓመት ኣዝዩ ፍሉይ ትርጉም ዘለዎ ናይ በነዲክቶስ መበል 16 ብዛዕባ ክርስትያናዊ ተስፋ ዝምልከት ዝለገስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ እውን ይዝክሩ፡ እቲ ብተስፋ ኢና ድሒንና ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ በነዲክቶስ መበል 16 ንተስፋ ደቂ ሰባት ብቐንዱ ናብ ኣምላኽ ዘቕንዕ እዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ነዚ ተስፋ ዝሰርዕ ባዕሉ እግዚኣብሔር እዩ። ኣብኡ እዩ መሰረትን ዕላማን ናይዚ ተስፋ። ንዓይ እቲ ዓዋዲ መልእኽቲ፡ ተስፋ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ህይወተይ መልህቕ ግን ከኣ ዕላማ ህይወተይ’ውን እዩ። ተስፋ ንጸገማትን ሽግርን ክሓልፍ፡ ንቕድሚት ናብቲ ዕላማ ህይወተይ፡ ናብቲ ኣብ ኣምላኽ ዝተመስረተ ተስፋ ክጥምት ይሕግዘኒ” እንክብሉ ዝሃብዎ መገልጺ ዛዚሞም።

03 January 2025, 15:06