ካርዲናል ፓሮሊን፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ህላወ ክርስቲያን ኣገዳሲ እዩ!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብዚ ሰሙን ናብ ዮርዳኖስ ዑደት ብምክያድ ዕለት 10 ጥሪ ድማ ኣብ ከባቢ ፈለግ ዮርዳኖስ ዝተሓንጸ ሓድሽ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ምጥማቕ ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ወኪሎም ስረዓተ ንግስ ከም ዝፈጸሙን ኣብቲ ስነ ስርዓት እውን ኣብ ኢዮሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቲሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክን ኣብ ቅድስቲ መሬት ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣባላት መደበይና ጉባኤ ጳጳሳት ከም ዝሓበሩን ልዕሊ ሽዱሽተ ሽሕ ምእመናን ከም እተሳተፉን በቲ ዝነበረ ብዝሒ ምእመናን እውን ብዙሓት ካብ ቅርዕት እቲ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ምጥማቕ ኣብቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም እተሳተፉ ክሕበር እንከሎ ካርዲናል ፓሮሊን ድሕሪ እቲ ጽምብል ምስ ናይ ዜና ቫቲካንን ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካን ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከምዚ ዝስዕብ ነቕርበልኩም፥
ኣብ ዮርዳኖስ፡ ኣብ ቅድስቲ መሬት፡ ኣብቲ ክሳብ ቅድሚ ሒደት ዓሰርተታት ዓመታት ሜዳ መቕበሪ ተፈንጃሪ ቦምብታት ዝነበረ ኢየሱስ ዝተጠመቐሉ ቦታ ካብዚ ክርይረሓቕና እውን ብመጥቃዕቲ ሓማስ ዝተበገሰ ኲናት ይቕጽል ኣሎ፡ ብቐንዱ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ብፍላይ ኣብ ቓዛ ሞትን ዕንወትን የስዕብ ኣሎ። እንታይ መልእኽቲ ከተመሓላልፉ ትደልዩ?
እቲ ጽምብል ስርዓተ ንግስ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ምጥማቕ ኣዝዩ ጽቡቕን ብዝግባእ ዝተወደበን እዩ ነይሩ፡ ልዕሊ ኩሉ ግን ዓቢ ተስፋ ዘለዎ በዓል እዩ ነይሩ። ምስ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ዝሰማማዕ፡ ብብዙሕ ወጥሪ ዝተበታተነ ዞባ፡ በቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ዘይምርግጋእ እቲ ብተፈንጃሪ ቦምብታት ዝተመልአ ዝነበረ ሕጂ ግን ናይ ሕርሻ መሬት ኮይኑ ኣሎ። ከምቲ ነብዪ ዝብሎ ብሓቂ ኣስያፍ ናብ ማሕረሻ ክቕየር ኣጽዋር ድማ መጋበርያ ሰላም ክኸውን እዩ ዝበሎ ዝከኣል ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ። እቲ ሰፊሕን ህያውን ተሳትፎ ህዝቢ ኣብቲ ስነ ስርስዓት እውን ምኽንያት ተስፋ እዩ። ክርስትና ድማ ብጸጋ ኣምላኽ፣ እዋናዊ ግርጭታት ንምፍታሕ መንገዲ ንምርካብ ክሕግዝ ከም ዝኽእል ዝምስክር ቦታ እዩ።
ዮርዳኖስ ውሑዳት ክርስትያን ዝተዋሃሃደላን ኣካል እታ ሃገር ዝኾነላን እያ። እቲ ዘሕዝን ግን ኣብ ካልእ ኵነታት ከምኡ ኣይኮነን። ሎሚ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ክርስትያን እንታይ ተራ ኣለዎም፧
ክርስትያን ካብ ቀደም ኣትሒዞም ኣብዘን ሃገራት ዝነበሩ ኮይኖም፡ ሕሉፋትን ናይ ቀረባን ፍጻመታት ንኽስደዱ ዝድርኽ እኳ እንተኾነ፡ ዘይነጻጸልን ግቡእን ኣካል ሃገራትን ሕብረተሰባትን ማእከላይ ምብራቕ ኮይኖም ይቕጽሉ ኣለዉ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ኣብዘን ሃገራት ዘሎ ማሕበረሰብ ክርስትያን ብቑጽሪ እናነከየ ይኸይድ ኣሎ። ነዚ ቅዋማዊ ሸነኽ ህላወ ክርስትና ደጊመ ከረጋግጾ እፈቱ፡ ኣብ ታሪኽ ሃገራት ዓረብ ክርስትያን ሱር ዝሰደደ ማሕበረሰብ ክርስትና ስለዘሎ። ነዚ መሰረታውን ቅዋማውን ሸነኽ ህላወ ክርስቲያን ከስምረሉ እደሊ። ክርስትያን ከም ቅዋማዊ ኣካል ኣብ ኩሉ ዓውድታት ኣበርክቶ ዘለዎም እዮም። ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ብተደጋጋሚ ዝበልዎ ብዘይ ክርስትያን ማእከላይ ምብራቕ ንመንነት እዚ ዞባ እዚ ምሉእ መግለጺ ስለ ዘይህብ ዝደኸየ ምዀነ ነይሩ።
ብዛዕባ ምዕባለ ኩነታት ሶርያ የሻቕለኩም?
ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅድስቲ መንበር ምስ ናይ ዝተፈላለይ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ተራኺቦም ዘስምዕዎ መደረ፥ ምስ ኣንፈት ተስፋ ዝሰማማዕ ምዃኑ ዝተዋህቦ እወንታዊ መግለጺታት ኣንቢበ እየ። ንሶርያ ሓድሽ ዘመን ክጅምር ተስፋ ንገብር፣ ኩሎም ዜጋታት ሓደ ዓይነት መሰላትን ሓለፍነታትን ክህልዎም ዝገብር። እዚ ቅድስቲ መንበር ንኹለን ሃገራት እውን እተቕርቦ ኣምር ዜግነት እዩ: ኩሎም ዜጋታት ማዕረ እዮም: ማዕረ መሰልን ማዕረ ግቡእን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ዝብል እዩ። እዚ መግለጺታት እዚ ስዒቡ ብተግባራት ክመጽእ፣ መሰል ውሑዳትን ክርስትያንን እውን ምሕላው ክረጋገጽ ብሓቂ ተስፋ ንገብር።
ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣብ መወዳእታ ሓድሽ ርእሰ ብሔር ኣብ ሊባኖስ ተመሪጹ ኣሎ። እዚ ክሳብ ክንደይ ትርጉም ዘለዎ ፍጻሜ እዩ?
እወንታዊ ምልክት እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት፡ እታ ሃገር ከምቲ ዝተሃንጸቶ ክትቕጽልን ንህላወኣን ወሳኒ እዩ። ማለት ነቲ ዘይርሳዕ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፡ "መልእኽቲ ዝኾነት ሃገር - ማሕበራዊ፡ ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ብዙሕነት ብሓባር ዝነብሩላ እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ፡ ውሑስ ክኸውን ድማ ርእሰ ብሔር ክምረጽ ኣድላዪ ነይሩ። ስለዚ እቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ናይ ተስፋ ምልክት እዩ። እዚ ምርጫ’ዚ ንሊባኖስ ሓድሽ ምዕራፍ ክኸውን እንከሎ፡ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ተኣኪቦም ንሰናይ እታ ሃገር ሓባራዊ መርገጺ ረኺቦም እዮም። ብፍላይ ድማ ነቲ እታ ሃገር ኣዝያ ብህጹጽ ዘድልያ ጽገናታት ንምኽዋን ዝሕግዝ ክኸውን ካብ ልቢ ተስፋ ንገብር።
ገለ ካብቲ ጽገናታት ክትጠቕሱልና ትኽእሉ ዶ?
ንኣብነት፡ ብፍንጀራ ወደብ ቤሩት ንዝተሃስዩ ግዳያትን ኣባይቲ ስድራ ፍትሒ ምሃብ፡ ከምኡ’ውን ኣብታ ሃገር ዝጠፍአን ሰፊሕ ድኽነትን ስቓይን ዘስዓበ ቁጠባዊ ምርግጋእ ምምላስ። ርእሰ ብሔር ክመርጹ ምኽኣሎም እወንታዊ እዩ።
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብ ሉክሰምበርግን ቤልጅየምን ኣብ ዝገበርዎ መገሻታት፡ ንኹነታት ኲናት ብምጥቃስ፡ "ቅንዕና ዘለዎ ዘተን ክቡር ምድምማጽን" ክግበር ጸዊዖም ነይሮም። ሎሚ ንምንታይ እዩ ኣብ ዘተን ምድምማጽን ንምብጻሕ ኣዝዩ ከቢድ ኮይኑ ዘሎ? ንምንታይ ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክብ ዘስቀጠ ዝመስል? ብፍላይ ኣብ ማእከል ክርስትያናዊት ኤውሮጳ ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክሬንን ዝካየድ ዘሎ ግጭት እየ ዝጠቅስ ዘለኹ።
ናይ ምዝታይን ምስምማዕን ዓቕሚ ዝሰኣንና ንመስል፡ ቅልጽም - ኣጽዋር ኣብ ልዕሊ ልዕልና ሕጊ ይስዕር ምህላዉ ብሓቂ ዘሕዝን እዩ። ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ቅድስቲ መንበር ንናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ሓያሎ ጠንቅታት ናይዚ ኩነታት ብምጥቃስ፡ ኣብ መንጎ መንግስታትን ማሕበረሰባትን ዝያዳ ምትፍናን ዝፈጥርን ኩሉ ናይ ሓባር ፍታሕ ንምድላይ ዝዓግትን ናይ ዘይምትእምማንን ሓድሕዳዊ ፍርሕን ሃዋህው ከምዘሎ ኣብሪሆም እዮም። ብፍላይ ነዚ ነጥቢ እዚ ከስምረሉ እደሊ! መሰረታዊ ምትእምማን ምጉዳል ኣሎ። ንዘተን ምስምማዕን እንተወሓደ ኣብቲ ካልእ ወገን ዝተሓተ ደረጃ እምነት ክህሉ የድሊ። ካልእ ቅዱስ ኣቦና ዘጉልሕዎ መዳይ ንነገራት ብዓይኒ እቲ ካልእ ወገን ምርኣይ ዝብል ክእለት እዩ፣ ምኽንያቱ ኣብ ዓለም ብዙሕ ግዜ እቲ ካልእን ካባኻ ኣዝተፈልየን ከም ጸላኢ ስለ ዝረአ። ኣብ ዘራኽብ ፍርቂ መንገዲ ንምርኻብ፡ ምኽንያታት ናይቲ ካልእ ወገን ንምርዳእ ወይ እንተወሓደ ብዕቱብ ንምሕሳብ ድልውነት ክህሉ ኣለዎ። ሎሚ ዘተ ኣዝዩ ከቢድ ዝኾነሉ ምኽንያታት እቲ ሓደ ኣብ ልዕሊ እዚ - ከምቲ ር.ሊ.ጳ. እውን ዝጠቐስዎ - ናይተን ቅልውላው ንምፍታሕ ዝቖማ ኣህጉራዊ ትካላት ዕላማ ምርግጋጽን ሎሚ እዘን ትካላት እዚኣተን ነቲ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ብቕጽበት ብዓወት ዝተጻወትኦ ተራ ንምፍጻም ክቃለሳ ኣለወን ስለዚ እተን ናይ ዘተ ትካላት ቅልውላው ዘለወን ኮይነን ኣለዋ። ካልኦት ብዙሓት ጠንቅታት እውን ኣሎ፥ እዚ ግን ሱር ናይዚ ኩሉ ምዃኑ እኣምን።
ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅድስቲ መንበር ንናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ነቲ "ጉጅላዊ ኣተሓሳስባ" እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓደጋ፡ እዚ ድማ ምስቶም ድሮ ናትና ኣረኣእያ ዘለዎም ጥራይ ዘተ ንምክያድ ንምምራጽ ዝመርሕ ምዃኑ ኮኒኖምዎ እዮም። ፍራንቸስኮ ብዙሕ ግዜ “መንፈስ ሄልሲንኪ” ይጠቕሱ፣ እዚ ሎሚ እንታይ ማለት ክኸውን ይኽእል?
መንፈስ ሄልሲንኪ ብልክዕ ነቲ ጉጅላዊ ኣተሓሳስባ ዝብድህ እዩ። ኣብ ዝተኸፋፈለት ዓለም፡ ኣብ ክልተ ቐጽሪ ዝተመቓቐለት ናይ ተቓውሞ ዓለም ኢና ንነብር ነይርና። ምናልባት ሎሚ እዞም "ቀጽርታት" ተበታቲኖምን ተባዚሖምን ይኾኑ። ብዝተወሰነ መልክዑ ክልተ ቀጽርታት ጥራይ ኣብ ዝነበራሉ እዋን ከይተረፈ ዝቐለለ ክኸውን ይኽእል እዩ። መንፈስ ሄልሲንኪ፡ ምስቶም ሓደ ዓይነት ኣረኣእያ ዘይብሎም ሰባት እውን እንተዀነ፡ ናይ ሓባር መርገጺ ምርካብ፡ ኪኖ ጸላኢ ዝብል ሓሳብ ንምስግጋር ዝግበር ጻዕሪ ይውክል። ሄልሲንኪ፡ ካልእ ሕጋውያን ኣረኣእያታት ከምዘለዉን ምስ ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣመለኻኽታ ክዕረቑ ከምዝኽእሉን ብምቕባል፡ ንኣረኣእያኻ ናይ ዘይምጽዓን ወይ ከም እንኮ ፍሉይ ኣረኣእያ ዘይምቑጻር ክእለትን ዘመልክት እዩ። እዚ ሕመረት ጥዑይ ዘተን ምስምማዕን እዩ። ካልእ መሰረታዊ መዳይ ዘተ፡ ግርጭት ንምብዳህ ጽን ምብህሃል ንምድላይ ድልውነት ክህሉ ይግባእ ዝብል እዩ።
ኣብዚ መንጽር እዚ "ፍትሓዊ ሰላም" ዝብል ኣበሃህላ እንታይ ማለት እዩ?
ብናተይ ኣረኣእያ "ፍትሓዊ ሰላም" ማለት ኣብ ኣህጉራዊ ሕግን ኣዋጃት ሕቡራት ሃገራትን ዝተመስረተ ሰላም ማለት እዩ። እዚኦም ድማ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ መንጎ ሃገራትን ኣብ መንጎ ማሕበረሰባት ሃገራትን ዘሎ ርክብ ንምቁጽጻር ኣብ ኢዱ ዝሓዞም መጋበርያታት እዮም። ብክርስትያናዊ ኣረኣእያ ፍትሒ ብዝተፈላለየ ገጻቱ ንርድኦ ኢና፡ ብመሰረቱ ግን "ፍትሓዊ ሰላም" ምስ ኣህጉራዊ ሕግን ሕግታቱን ዝሰማማዕ ሰላም እዩ ምበልኩ።
ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብዘይ ፍትሒ ሰላም ክህሉ ከምዘይክእል፣ ብዘይ ይቕረታ ድማ ፍትሒ ክህሉ ከምዘይክእል ኣብሪሆም ነይሮም . . .
ኣብ ክርስትያናዊ ኣተሓሳስባ ፍትሒ ክበሃል እንከሎ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዚግብኦ ብፍትሒ ምሃብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኢየሱስ ባዕሉ ዘበገሶ ፍትሒ እዩ፡ እዚ ፍትሒ እዚ ኸኣ ንኻልኦት ፍቕርን ይቕረታን ዝዀነሉ ዝለዓለ ዓይነት ፍትሒ እዩ። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ነቶም ኣብ ቅድስቲ መንበር ዝርከቡ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ብዛዕባ ናይ ይቕረታን ዘተን ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክብ ዝብል ኣምር ኣቕሪቦም እዮም። እዚ ኣምር እዚ ኪኖ እቲ ፍትሒ ጥራይ ዝጠልቦ ናይ ምኻድ ክእለት ዘጉልሕ እዩ . . .
ምስ ቻይና ዝተገብረ ግዝያዊ ስምምዕ ብዛዕባ ምሻም ሓደስቲ ጳጳሳት፡ ኣብ ኣህጉራዊ - ፖለቲካውን ቤተ ክርስቲያናውን ዓንኬላት ዝለዓል ኣካታዒ ኣርእስቲ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። ገሊኦም ከም ምልክት ድኻም ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ዝዓሞቐ ትርጉም ናይቲ ስምምዕ እንታይ እዩ?
ኣብ ቅድሚ ከምቲ ኣብ ቻይና ዝነበረ ዝተሓላለኸ ኩነታት፡ ካብ ብፍላይ ኣጸጋሚ ታሪኽ ዝምንጩ ዝተፈላለየ ርእይቶታት ክለዓል ስነ - መጐታዊ እዩ። ርእይቶታት ኣዝዩ ክፈላለ ይኽእል እዩ፡ ከምቲ ገሊኦም ዝኣምንዎ ድማ ብዝተፈላለየ ኣረኣእያታት ምስንባድ ከይህሉ ወትሩ እዛረብ ነይረ: ካልእ መፍትሒታት ኣሎ። ቅድስቲ መንበር ነዚ ስምምዕ እዚ ምስ ሓደ ካብቶም ኣብ መኣዲ ዝቐረቡ ወሰንቲ ጉዳያት ዘተ ንምጅማር እቲ ዝበለጸ ኣድማዒ መፍትሒ ጌራ እያ እትወስዶ። ሓደ ካብቲ ኣገደስትን በዳህን ጉዳይ ምሻም ጳጳሳት ዝምልከት እዩ ነይሩ። እቲ ብዛዕባ ሽመት ጳጳሳት ዝግበር ስምምዕ ክልተ መሰረታዊ ነገራት ንምዕዋት ዝዓለመ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ፡ ቀስ ኢሉ ዝስጉም - ሓደ ሓደ ግዜ ዋላ ሓደ ስጉምቲ ንድሕሪት ምምላስ እውን እንተሎ - ግን ከኣ ናብ ቅኑዕ ኣንፈት ዝኸይድ እዩ። እቲ ቀዳማይ ኩሎም ጳጳሳት ምስ ር.ሊ.ጳ. ህብረት ክህልዎም ዝገብር እዩ እዚ ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መሰረታዊ እዩ። እቲ ካልኣይ ድማ፡ ዋላ’ኳ ኩሉ ግዜ ዕዉት እንተዘይኮነ - ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ሓድነት ንምምዕባል፡ ምፍልላይ ንምብዳህን ኣብ ህይወታ ሓድነት ብመጠኑ ንቡር ምዃኑ ንምርግጋጽን እዩ። "ሽሕራዊ" ዝበሃል ፍታሕ የለን፡ እቲ ስምምዕ ግን ንጉዕዞ ይውክል - ብናተይ ኣረኣእያ ገለ ፍረ ክፈሪ ዝጀመረ ቀስ ዝበለን በዳህን ጉዕዞ እዩ። እዚ ፍረታት እዚ ገና ኣይርአን ይኸውን እንተዀነ ግን ምትእምማንን ኣብ መንጎ እቶም ጕጅለታት ናይ ዘተ ክእለትን እናዓበየ ምስ ከደ ዝያዳ ንጹር ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሲንጋፖር ካብ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ምምላሶም ኣብ ዝተጓዕዙላ ነፋሪት ምስቶም ዘሰነይዎም ናይ ዝተፈላለያ ናይ ውሽጥን ወጻእን ማዕከናት ዜና ልኡካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ነቲ ምስ መንግስቲ ቻይና እተገብረ ዘተ "ንኣቡናት ምሻም እውን ዝምልከት ስምምዕ፡ እወታውን ተስፋ ዝግበረሉ ምዃኑ ይገልጹ . . .
ከምኡ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ፤ ተስፋ ዝግበረሉ ምኽንያት ኣሎ። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅድስቲ መንበር ተፈላጥነት ንዘለዎም ንናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ብዛዕባ ትዕግስቲ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ተዛሪቦም። እዚ ጉዳይ እዚ ካብ ካልኦት ንላዕሊ - ምናልባት ግን ብሓፈሻ - ከምቲ ሃዋርያ ያዕቆብ ዘተባብዓና ናይ ትዕግስቲ ዓቕሚ ከነማዕብል ከም ዝግበኣና ዘተሓሳስብ ይመስለኒ: ነቲ ዘርኢ ዝዘርእን ድሕሪኡ ብትዕግስቲ ዝናም ዝጽበ ሓረስታይ፡ ንበረድ ዝጽበ፡ ከምኡውን እቲ ዘርኢ ፍረ ንኽፈሪ ዝጽበ ሓረስታይ። ኣብዚ መዳይ’ዚ’ውን ከምቲ ኣብ ብዙሓት ካልኦት ኣብ ህይወት ዝፍጸም፡ እዚ ክእለት’ዚ ካብ ቅጽበታዊ ውጽኢት ንላዕሊ ናይ ምጥማት ክእለት የድልየና እዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ። እቲ ዘሕዝን ግን ጊልያዎት ቅጽበታውነት ምዃንና እዩ። መብዛሕትኡ ኻብቲ ዝጠቐስካዮ ምላሽ ካብቲ ብዛዕባ ህሉው ኵነታት ዘሎካ ኣረኣእያ ማለት ብዛዕባ መጻኢ ናይ ነዊሕ ግዜ ኣረኣእያ ዘይምህላው ከምኡውን ብዛዕባ ሕሉፍን ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዘጋጠመ ጸገማትን ኣብ ግምት ብምእታው ዝምንጭው ይመስለኒ። ስለዚ ዋላ ሓደ ሰብ በዚ መዳይ እዚ ሕልሚ ዘይብሉ ኰይኑ ስለ ዚስምዓኒ እዚ ጕዕዞ እዚ ብጸጋ ኣምላኽ ተደላዪ ፍረ ከም ዘፍሪ ብምትእምማን ተስፋን ቈራጽነትን ሒዝና ንቕድሚት ክንስጕም ንኽእል ኢና እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።
(Andrea Tornielli)