ድለ

2025.01.18 ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ኖርወይ፥ ኣብ ብኲናት ዝተሃስየ ዞባታት ዓለም ሰላም ክህሉ ይጽልዩ 2025.01.18 ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ኖርወይ፥ ኣብ ብኲናት ዝተሃስየ ዞባታት ዓለም ሰላም ክህሉ ይጽልዩ 

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ኖርወይ፥ ኣብ ብኲናት ዝተሃስየ ዞባታት ዓለም ሰላም ክህሉ ይጽልዩ

ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ንናይ ኦስሎ ሰበኻ ሓድሽ ተካኢ ጳጳስ ፍረደሪክ ሃንሰን መንበረ ጵጵስናኦም ንኽቕበሉ ኣብ ዝካየድ ስነ ስርዓት ንኽሳተፉ ኣብ ኖርወይ ከም ዝርከቡን ኣብቲ ዝተካየደ ስነ ስርዓት ቅብኣተ ጵጵስና ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፥ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዩክሬን፣ ፍልስጥኤም፣ እስራኤል፣ ሚያንማርን ሱዳንን ሓዊሱ ኣብ ግጭት ዝተዓብለለ ከባቢታት ኵሉ ሰላም ክህሉ ዘለዋ ተስፋ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ኖርወይ ርእሰ ከተማ ኦስሎ ዕለት 18 ጥሪ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ ህልው ኩነታት ዓለም ብምዝካር፡ “ንምሉእ ዓለም ብፍላይ ድማ ብኲናት ዝሳቐያ ዘለዋ ዞባታት ካብ ጎይታ ተስፋ ክጽገዋ ከም ዝጸለዩ ዜና ቫቲካን የመላኽት፡

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ኖርወይ ስርዓተ ጵጵስና እንክሰርዑ
ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ኖርወይ ስርዓተ ጵጵስና እንክሰርዑ

ብኲናት ዝተሃስዩ ኣህዛብ

ካርዲናል ፓሮሊን ብፍላይ ብዛዕባ “ብኲናት ዝተሃሰያ፥ ዩክሬን፣ ፍልስጤም፣ እስራኤል፣ ሚያንማርን ሱዳንን” ከምዘተሓሳስቦም ገሊጾም፡ ነዚ ኹሉ ኣብ ግምት ብምታው፡ ኣገዳስነት “ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሕውነታዊ ፍቕሪ” ኣስሚሮም፥ እዚ ኣብ ትውፊት ስካንዲናቭያ ኣዝዩ ሱር ዝሰደደ መንፈስ፡ ኣብ መንጎ ካቶሊካውያንን ሉተራናውያንን ኣብ ዘሎ “ዓቢ ግሉጽነትን ዘተን ሓድሕዳዊ ምትሕብባርን” ከም ዝንጸባረቕ ኣዘኻኺሮም፥ “እዚ ናይ ሕውነትን ክርስትያናዊ ምትሕግጋዝን ጉዕዞ፡ ነቲ ኣብያተ ክርስቲያናት ዘጋጥመን ብዙሕ ብድሆታት ንምስናፍ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ሎሚ ኣድላዪን ህጹጽን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሕውነትን ምትሕግጋዝን

ካርዲናል ፓሮሊን ነቲ ብቤተ ክርስቲያናት ኖርወይን ስካንዲናቭያንን ኣብ ጎደና ምዕባለ ንዝርከባ ሃገራት ዝቐርብ ሓገዝ ጠቒሶም ብፍላይ ድማ በቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ስደተይናታትን ተመዛበልንትን ኣብ ምእንጋድ ዝምስክርኦ ሓልዮት ንኢዶም፣ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ንንእሽቶ መጓሰ” ካቶሊካውያን ኖርወይ ዘመሓላለፍዎ “ሰላምታን ቡራኬን” ኣቕሪቦም፡ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝለገስዎ ‘Dilexit Nos - ኣፍቀረነ’ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ደጋጊሞም ዝሓትዎ ሕዳሴ መንፈሳዊ ተግባራት ዝነብሩ ምዃኖም ኣመስጊኖም እዚ ድማ "ህላወ ልቢ ክርስቶስ" ነቶም እተሸገሩ ቀረባ ምዃኑን ሕውነትን ሓድነትን ዝምስክር ኢዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ኤጲስቆጶሳዊ ሓላፍነት ኣገልግሎት እምበር ስልጣን ኣይኮነን

ካርዲናል ፓሮሊን ሓሳባቶም ናብ ጳጳስ ሃንሰን ብምቕናዕ፡ ንዝተቐበልዎ ሓድሽ ኣገልግሎቶም ዝምልከት ኣገዳሲ ዝኾነ መሰረታዊ ባህርያት፥ “ቅዲ ትሑት ኣገልግሎት፡ ኣብ ክንዲ ስልጣን ምጥቃም ምግልጋል፡ ምስ ክርስቶስ ምትእስሳር እንክብሉ ገሊጾም፡ እዚ ድማ ቀጻሊ ተወፋይነት ዝሓትት ከምኡውን ንሓቀይና ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓንቀጸ እምነትን ስነ - ምግባርን እሙን ምዃንን ዘየቋርጽ ናይ ጸሎት መንፈስ” ዝጠልብ ምዃኑ ከም ዘጒልሑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ምሃር፣ ቀድስ፣ ኣመሓድር

ካርዲናል ፓሮሊን ነቶም ዝቐብእዎም ሓድሽ ጳጳስ ቀንዲ ጉስነታዊ ግቡኦም ምምሃርን ምቕዳስን ምምሕዳርን ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፣ እዚ ድማ ከምቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብታ “Pastores Gregis - ኖላዊ መርኤት” ዘርእስታ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዘመልከትዎ ሓቀይና ስነ - ምምሃር ቅድስና ንምድንፋዕ ዝዓለመ እዩ፥ ቢሎም፥ ብዛዕባ መንፈሳዊ ጉዕዞ ጳጳስ ሃንሰን ከስተንትኑ ከለዉ፡ ኣብ ኣገልግሎት ሰበኻ፡ ምምሕዳር ሃገረ ስብከት ኣብ ኦስሎ፡ ኣብ ሮማ ትምህርቶም ዘጠናቐቝ፡ ንዓሰርተ ሓደ ዓመታት ኣብ ጳጳሳዊ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ዘገልገሉ ምዃኖም ብምጥቃስ፥ ነዞም መድረኻት እዚኣቶም “መንገዲ ቅድስና” ክብሉ ገሊጾም፣ ንኣገልግሎት ጳጳስ ሃንሰንን ናይቲ ከባቢ ቤተ ክርስቲያንን ንእመ ተስፋ ቅድስቲ ድንግል ማርያም አማሕጽን ናብ መንግስተ ሰማይ ክትመርሓና ድማ በማላድነታ ንጸልይ” ከም ዝበሉ የመላኽት።

ምስ ሰበስልጣን ኖርወይ ዝተኻየዱ ርክባት

ካርዲናል ፓሮሊን ዕለት 17 ጥሪ ምስ ንጉስ ሃራልድ 5ይን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤስፐን ባርት ኢድን ዝርከብዎም ላዕልዎት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኖርወይ ክሌኣዊ ርክባት ከም ዘካየዱን፡ ብጹዕነቶም ምስ ካቶሊካዊ ማዕከን ሓበሬታ ኖርወይ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ምስ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኖርወይ ዘካየድዎ ርክብ ንህልው ኩነታት ዓለም ግምት ብምሃብ ብዛዕባ ሰላም ዘማእከለ ምንባሩ ሓቢሮም፥

ተስፋን ሓድሕዳዊ ምርድዳእን የድሊ

“ቅድስቲ መንበርን ኖርወይን ንሰላም ተወፋይነት ኣለወን! ኖርወይ ኣብ ብዙሕ መድረኻት ናይ ሰላም ዘተ እትሳተፍ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ እውን ደጋፊት ሰላም ኣብ ምዃን ዘለዋ ንጡፍ ተራ ኣጉሊሖም፡ ኣብዛ መብዛሕትኡ ግዜ ንህይወት ሰላማውያን ሰባት ዘዕኑ “መዓትን ዘሕዝንን” ግጭታት ዝረኣየላ ዓለም፡ ተስፋ፡ ዘተ፡ ምይይጥ ሓድሕዳዊ ምርድዳእን ህጹጽ ምዃኑ ኣስሚሮም፡ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ውሽጢ ኣህዛብን ኣብ ዓለማዊ መድረኻትን ምልክት ሰላምን ዕርቅን ዘማእከለ ምዃኑ ድማ ገሊጾም፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝለገስዎ “Tutti Fratelli - ኣሃው ኩልነ ኣብ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ዝብልዎ፥ “ከም ሓንቲ ናይ እግዚኣብሔር ስድራ ቤት ኮይናን ክንነብር ዝተጸዋዕና ኢና” ቢሎም፥ እዚ ድማ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ሰላምን ሓድሕዳዊ ምርድዳእን ንምዕባይ ዝዓለመ ነባሪ ኣበርክቶ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓለም እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

"ሰብኣዊ መዓት" ኣብ ዩክሬን

ኣብ ወርሒ ለካቲት 2025 ዓ.ም. ሳልሳይ ዓመት ዘቝጽር ዘሎ ኲናት ዩክሬን ብምሕሳብ፥ “እቲ ግጭት ብዘይተኣደነ ክሳራን ጥፍኣትን ዝተለለየ ዓቢ ሰብኣዊ ዕንወት እዩ” እክብሉ ገሊጾሞ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሰላም ንምሽምጋል ብተደጋጋሚ ዘቕረብዎ ጻዕሪ ደጊሞም ብምርግጋጽ፡ ቫቲካን ንመጻኢ መፍትሒ ዝኸውን መገዲ ንምጽራግ እትገብሮ ሰብኣዊ ጻዕሪ ኣጒሊሖም፥ ካርዲናል ፓሮሊን፡ ናብ ሩስያ ዝተወስዱ ህጻናት ዩክሬን ናብ ስድራ ቤቶም ንኽምለሱ ዝግበር ጻዕርታት ቅድስቲ መንበር ብምጥቃስ፡ “ንህጻናት ቀዳምነት ዝሃበ ኣገልግሎት እዩ እንክብሉ ገሊጾም፥ እዚ ተበግሶ እዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዩክሬን ሰላም ኣብ ምድላይ ንዝግበር ጻዕሪ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ፍሉይ ልኡኾም ገይሮም ብዝሰመይዎም ብናይ ኢጣሊያ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ካርዲናል ማቴዮ ማርያ ዙፒ ዝምራሕ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፥ ኣብ ምፍታሕ ምሩኻት ኲናትን ምምሕያሽ ኩነታቶምን ንጡፍ ተሳትፎ ቅድስቲ መንበር ኣስሚሮም፣ እዚ ድማ ንመጻኢ ሰላምን ምትእምማን ንምህናጽ ወሳኒ ስጉምትታት እዩ ቢሎም፡ እቲ ግጭት ብቕልጡፍ ክውዳእ ተስፋ ከምዘለዎም ብምግላጽ ፍትሓውን ነባርን ሰላም፡ ሓድሕዳዊ ምትእምማን ኣብ መንጎ እቶም ዝምልከቶም ወገናት ከምዘድሊ ብኣጽንዖት ከም ዘመላኸቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

20 January 2025, 14:20