ድለ

ኣብ ፓሪስ ርክብ ካርዲናል ፓሮሊን ምስ ናይ ፈረንሳ መራሔ መንግስቲ ባይሩ ኣብ ፓሪስ ርክብ ካርዲናል ፓሮሊን ምስ ናይ ፈረንሳ መራሔ መንግስቲ ባይሩ  (ANSA)

ኣብ ፓሪስ ርክብ ካርዲናል ፓሮሊን ምስ ናይ ፈረንሳ መራሔ መንግስቲ ባይሩ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ ኣብ ዝተዳለወ ክሌኣዊ ዓውደ ዘተ ንምስታፍ ኣብ ፓሪስ ከም ዝኣተዉን ምስ መራሔ መንግስቲ ፈረንሳ ፍራንስዋ ባይሩን ካልኦት ላዕለዎት ኣባላት መንግስቲ ፈረንሳ ከም እተራኸቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ምልውዋጥ መልእኽቲ ኣብ መንጎ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ፈረንሳ ሊቀ ጳጳሳት ቦናቨንቱራ ቸረቲን ኣብቲ እዋን ናይ ፈረንሳ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዝነበሩ ራይሞንድ ፖኢንካሬ ኣብ ዘዳለዎ ናይ ክልተ መዓልታት ክሌኣዊ ዓውደ ዘተ ንኽሳተፉ ዕለት 15 ጥሪ ፓሪስ ከም ዝኣተዉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

እቲ ኣብ መንጎ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ቸረቲን ናይ ፈረንሳ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ፖይናረ ኣብ መንጎ ዕለት 11 - 17 ጥሪ 1924 ዓ.ም. ዝተኻየደ ምልውዋጥ መልእኽቲ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ትሕቲ ስልጣን ጳጳሳት ዝመሓደራ ሃገረ ስብከት ንምፍጣር ዝሕግዝ ሕጋዊ ቅርጺ ዘተሓዘ፡ ነቲ ብ 1905ዓ.ም.  ብቅዋም ሃገረ ፈረንሳ ዝተመልከተ ኣብ መንጎ መንግስትን ቤተ ክርስቲያን ፍልልይ ክህሉ ዝብል ሕጊ ዝፈጠሮ ሃጓፍ ንምትኽኻል ዘብቀዐ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን በቶም ኣብ ፈረንሳ ዝርከቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ቸለስቲኖ ሚሊዮረን ብናይ ፈረንሳ ጉባኤ ጳጳሳት (CEF) ኣቦ መንበር ናይ ሰበኻ ረይምስ ሊቀ ጳጳሳት ኤሪክ ደ ሞሊንስ - ቢውፎርት ተሰንዮም ኣብቲ መደብ ክሌኣዊ ዓውደ ዘተ ከም እተሳተፉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ኣብዚ ዕለት 17 ጥሪ ዝተዛዘመ መደብ ክሌኣዊ ዓውደ ዘተ ዝተሳተሳተፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ዝተመዘዙ መራሔ መንግስቲ ፈረንሳ ፍራንስዋ ባይሩ ዕለት 16 ጥሪ ከም እተራኸቡን  ድሕሪ እዚ ክሌኣዊ ርክብ እዚ ካርዲናል ፓሮሊን ምስ ሓላፊ ጉዳያት ሃይምኖትን ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያትን ብሩኖ ረታይሎ እውን ከም እተራኸቡ ኣመላኺቱ፥ ኣብ መወዳእታ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ምስ ሓላፊ ጉዳያት ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክብ ፈረንሳ ዣን ኖኤል ባሮት ተራኺቦም ብዛዕባ ንሃገረ ቫቲካንን ሃገረ ፈረንሳን ዘገድሱ ናይ ሓባር ጉዳያት ኣማእኪሎም ከም እተመያየጡ ኣፍሊጡ።

17 January 2025, 15:00