2025.01.10 ካርዲናል ፓሮሊን፡ ቅርበት ር.ሊ.ጳጳሳትን መላእ ቤተ ክርስቲያንን ንማእከላይ ብምራቕ ክርስቲያን 2025.01.10 ካርዲናል ፓሮሊን፡ ቅርበት ር.ሊ.ጳጳሳትን መላእ ቤተ ክርስቲያንን ንማእከላይ ብምራቕ ክርስቲያን 

ካርዲናል ፓሮሊን፡ ቅርበት ር.ሊ.ጳጳሳትን መላእ ቤተ ክርስቲያንን ንማእከላይ ብምራቕ ክርስቲያን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ዮርዳኖስ ኣብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተጠመቐሉ ስፍራ ዝተሓንጸ ሓድሽ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ምጥማቕ ንቕዱስነቶም ወኪሎም ስርዓተ ንግስ ኣንክፍጽሙ፥ እቲ ኣጋጣሚ ንክርስትያን ኣብ ሓቀይና መንፈሳዊ ምሕዳስ ክዋፈሩ ዝዕድም ምዃኑን፡ ንክርስትያን ማእከላይ ምብራቕ ድማ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ቀረባ ምዃና ዘረጋግጽን እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ኣብዚ ብዙሓት መጽሓፍ ቅዱሳዊ ፍጻሜታትን ምልክታትን ተክለ ሰብነት ዝራኸበሉ ስፍራ ንዅሉ ነቲ ናብ ምጽኣት ክርስቶስ ዝመርሕ ብብሉይ ኪዳን ዝተነግረ ዝሓቁፍ እዩ ክንብል ንኽእል” እንክብሉ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ጥቓ ፈለግ ዮርዳኖስ ዝተሓንጸት ሓዳስ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ምጥማቕ ስርዓተ ንግስ እንክፍጽሙ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ክኸውን እንከሎ፥ “ከምቲ ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ዝሰማዕናዮ እዚ ስፍራ እዚ ዮሓንስ መጥምቕ ንኢየሱስ ዘጠመቐሉ እዩ” ቢሎም፥ እቲ ቦታ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ናይ ንግደት ቦታ ከምዝነበረ እውን ብምዝኽካር፥

“ኣብዚ፡ ኣብ ታሕተዋይ ደረጃ ምድሪ ኢና ዘለና፡ ግናኸ ​​ልክዕ ኣብዚ እዩ ኣምላኽ፡ ነቶም ካብ ርሑቕ ዘለዉ እውን ኣብ ሕቝፉ ክእክብ ዝገበረ፡ ልክዕ ኣብዚ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቅርበት ቤተ ክርስቲያን ምስ ክርስትያናት ማእከላይ ምብራቕ ምምጻእ’ዩ

“ሎሚ ብመሰረት ድልየት ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ ምህላወይ መላእ ቤተ ክርስቲያን ምስ ማሕበረሰብ ክርስትያን ማእከላይ ምብራቕ ዘለዋ ቅርበት ዝጭበጥ ምልክት ክኸውን ዝዓለመ እዩ . . . ብፍላይ ብቃል ቅዱስ ኣቦና እዚ ቅርበት እዚ ኣብዚ ናይ ነዊሕ ኣዋርሕ መከራን ኲናትን ብዙሕ ጭቡጥ ዝገብሮ ምልክታት ረኺቡ እዩ። “ኩሉ ሰብ በዚ ናይዚ እዋን’ዚ ዘሎ ከቢድ ጸገማት ከይናወጽ፡ ከምኡ’ውን ንታሪኽ ወዲ ሰብ በሰላ ዓመጽን ሓጢኣትን ሞትን ዝተሰከመ እውን እንተኾነ ኣምላኽ ከም ዝመርሖ ክኣምን እላቦ . . . ኣብ ታሪኽ እዚ ዞባ ከቢድ ናዕቢ ኣብ ዘጋጥመሉ ዘሎ እዋን፡ ክርስትያናት’ውን ኣብ ህንጸት ፍትሓውን ሰላማውን ሕብረተሰብ ኣበርክቶኦም ከቕርቡ ኣገዳሲ እዩ።”

ምስዚ ተኣሳሲሩ፡ “ኣጠማምታይ ካብ ዮርዳኖስ ሓሊፈ፡ ተኹሲ ደው ምባል፡ እሱራትን ምሩኻትን ክፍትሑ፡ ሰብኣዊ ሕጊ ክኽበሩ ጻውዒት አቕርብ . . . ልቢ መራሕቲ ኣህዛብ፡ ኣብ መንጎ ህዝብታት ሰላምን ስኒት ዘለዎ ሓባራዊ ህይወትን ንምድላይ ተባዓት ክኾኑ ኣላበው፡ ዓመጽ መጻኢና ዝውስን ክኸውን የብሉን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

‘ኣምላኽ ምስና ሓደረ’

ኣብቲ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ክሳተፉ ዝፈጥረሎም ሓጎስ ዝገለጹ ካርዲናል ፓሮሊን፥ “ሎሚ ቅድሚ ኩሉ ንእግዚኣብሔር ከነመስግን ኢና ተጸዊዕና ዘለና እምበር፡ በቲ ንዕኡ እትውፈ ዘላ ህያብ እዛ ቤተ ክርስቲያን ጥራይ ኣይኮናን . . . ኩሉ ነገር ዝጅምር እግዚኣብሔር ሰብ ኮይኑ ኣብዚ ፍሉይ ክፋል ዓለም፡ ኣብዛ ቅድስቲ ምድሪ ኣብ መንጎና ዝለ ዝሓደረ።”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንጉሳዊ ቤት ብፍላይ ድማ ንጉስ ዓብደላ ዳግማውን መንግስቲ ዮርዳኖስን “ነዚ ቅዱስ ቦታ እዚ ኣብ 1990 ዓምታት ብኣባ ሚከለ ፒቺሪሎ ካብ ዝተለለየሉ እዋን ኣትሒዞም ንዝገበርዎ ሓልዮት” ዘለዎም ኣድናቖት ከም ዝገለጹ ካርዲናል ፓሮሊን ብምሕባር፥

መንግስቲ ሃሸሚት ህላወ ክርስቶስን ጥንታዊት ቤተ ክርስቲያንን ትምስክር

ኣተሓሒዞም “እዚ ቦታን ካልኦት ቦታታት ኣብ መንግስቲ ሃሸሚት፡ ህላወ ክርስቶስን ቀዳመይቲ ጥንታዊት ቤተ ክርስቲያንን ይምስክር። በዚ መንጽር እዚ“ዮርዳኖስ: ወጋሕታ ክርስትና” ዝብል ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ቫቲካን ንምርኢት ዝቐርብ መደብ “ከም መግለጺ ናይቲ ንዮርዳኖስን ቅድስቲ መንበርን ዝጥርንፍ ዓሚቝ ምትእስሳር ከም ዘሎ ዘዘኻኽር” እዩ ቢሎም፥ ብጀካ እዚ እቲ ካርዲናል ነቲ ር.ሊ.ጳ. በነዲክትስ መበል 16 ኣብ 2009 ዓ.ም.  ናብ ቅድስቲ መሬት ኣብ ዝገበርዎ ምብጻሕ ነቲ ሎም እዚ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ምጥማቕ ዝተሃነጸሉ እምነ መሰረት ንዘንበሩን ከምኡ እውን እዛ ቤተ ክርስቲያን ንኽትሕነጽ ዓቢ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ናዲም ሙኣሸርን ነቶም ናይቲ ቦታ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ዝተኸናኸኑን ምስጋናኦም ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ጥምቀትና ንምሕዳስ ንዝኣተመ መንፈሳዊ ንግደት ዝምጥን ስፍራ

ኣስዒቦም ካርዲናል ፓሮሊን፥ ብሓልዮት ኣምላኽ ቤተ ክርስቲያን ምስቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝርከብ ባዚሊካ ቅዱስ መቓብር ሓደ ዓይነት ምዕራፍ ከም እትካፈል እውን ኣረጋጊጾም እዚ መካነ ንግደት እዚ “ኩሎም ኣመንቲ ናይ ገዛእ ርእሶም ጥምቀትን ነቲ ዝሞተን ዝተንሰአን ክርስቶስ ንምስዓብ ብቓላት ጥራይ ዘይኰነስ ብሙሉእ ሕይወቶም ዝገብርዎ ቃል ኪዳን ክሕድሱ ፍሉይ ዕድል ዘለዎ ቦታ ክኸውን” ምንዮቶም ገሊጾም።

ዓመት ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ናይ ይቕሬታን ምሕረትን ዓመት ብምዃኑ ድማ፥ “ነዚ ንግደት ዝምጥን ግዜ እዩ” ከም ዝበሉ ዘመላኸተ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ዕድል ንሓቀይና መንፈሳዊ ተሓድሶ

“እቲ ኢየሱስ ዝተጠመቐሉ ቦታ ታሪኻዊ ምልክት ጥራይ ዘይኮነስ ሓቀይና መንፈሳዊ ተሓድሶ ዝግብረሉ ቦታ እውን እዩ . . . ኣብዚ፡ ኣብ መልክዓ ምድሪ እቲ ዝተሓተ ቦታ፡ "ኣብዛ ብሰንኪ ግጭታት ጭካነ ከምኡውን ሓጢኣት ዝመጽእ ብርቱዕ ስቓይ ክስምዓና ዝገብር ስፍራ እተባረኸት ሃገር ኣብዛ ሰማይ እተኸፍተላ ቦታ እዚኣ ነቲ ኣብ ልብና እተወልደን ኣብ ብምሉኡ ሕብረተሰብ ዝዝርጋሕን ናይ ሓቂ ሰላም ንለምኖ . . . እቲ ክርስቶስ ክህቦ ዝደሊ ሰላም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ምእንቲ ክነግስ ክርስቲያን ምመናን ልቦምን ህይወቶምን ንኣምላኽ ክቐርቡ ብምትብባዕ ዘስምዕዎ ስብከት ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።

11 January 2025, 17:01