ድለ

2024.05.27 Santa Messa per la 61.ma Giornata Mondiale dell'Africa 2024.05.27 Santa Messa per la 61.ma Giornata Mondiale dell'Africa  (Vatican Media)

ብፅዕ ካርዲናል ፓሮሊን፦ ኩባ ንእሱራት ከም እትፈትሖም ዝገብረቶ ውሳኔ ምልክት ዓብዪ ተስፋ እዩ

ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን ንመራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ብዛዕባ እቲ ኻብ ሃቫና ኩባ ዝመጸ ዜና ሓሳባቶም ኣካፈሉ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ትማሊ ረቡዕ ሓሳባቶም ከካፍሉ ካብ መራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ዕድመ ብዝቐረበሎም መሰረት፣ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ "እቲ 553 ኩባውያን እሱራት በብቝሩብ ከም ዝፍትሑ ዝገልጽ ዜና፣ ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመተ ኢዮቤል ምስምዑ ምልክት ዓቢ ተስፋ ኢዩ" በሉ።

እቶም ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ሃገረ ፈረንሳ ዝርከቡ  ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ወሲኾም ከምዚ በሉ - "ሰበ ስልጣን ሃቫና ኩባ ነዚ ውሳነ እዚ ዝወሰዱ ምስቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዘቕረብዎ ምሕጽንታ ብቐጥታ ብምትሕሓዝ ምዃኑ ኣገዳሲ ኢዩ።


ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣስዒቦም ኣብ 2024 "ፕረዚደት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንሓያሎ ናይ ሞት ፍርዲ ተፈሪድዎም ዝነብረ ናብ ናይ ሕልፈት ማእሰርቲ ብምቕያርን፣ ሃገረ ዙምባብወ ድማ ነቲ ናይ ሞት ፍርዲ ካብ ሕገ መንግስቲ ከም ዝሰረዘቶን" ገለጹ።

"ዓመተ 2025 እውን በዚ ኣንፈት እዚ ኽትቅጽል ተስፋ ንገብር፣ እቲ ብስራት ድማ እናወሰኸ ክኸይድ ተስፋ ኣሎና፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ግጭታትን ውግኣትን ተኹሲ ናይ ምቍራጽ ስምምዓት ክካየድ ተስፋ ንገብር" ብምባል መግለጺኦም ዛዘሙ።

16 January 2025, 14:51