ድለ

ካርዲናል ኩቫካድ፡ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ሰላም ክሃንጽ ይኽእል እዩ ካርዲናል ኩቫካድ፡ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ሰላም ክሃንጽ ይኽእል እዩ 

ካርዲናል ኩቫካድ፡ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ሰላም ክሃንጽ ይኽእል እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ናይ ር.ሊ.ጳ. ሓዋርያዊ መገሻታት ኣወሃሃዲ ኮይኖም ዘገልግሉ ዘለዉ ካርዲናል ጆርጅ ኩቫካድ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ቢሎም ከም ዝሰመይዎን፡ ብጽዕነቶም ድሕሪ ስሜቶም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ነቶም ኣብዚ ሓላፍነት እዚ ቅድሚኦም ዝነበሩ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ዝዓረፉ ነፍሰሄር ካርዲናል ኣዩሶ ጉዩክሶት ይዝክሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ንኸም በዓል ካርዲናል ኣዩሶ ዝኣመሰሉ ለባምን ሕያዋይን ሰብ፡ ከምኡ'ውን ከም በዓል ካርዲናል ታውራን ዝኣመሰሉ ዓሚቝ እምነት ዝነበሮምን ዘይሕለሉ ሓነጽቲ ሰላምን ንምትካእ ዝተዋህቦም ዓቢይ ሓላፍነት ዘይተጸበይዎ ከም ዝነበረን ሓጎስ እውን ዝፈጠረሎም እንተኾነ ዓብይ ሓላፍነት እውን ምዃኑ ይገልጹ።

እዚ ብኣኦም ዝምራሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብጀካ እቲ ምስ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ፡ ምስ ኩለን ዘይክርስትያን ሃይማኖታት ዘተ ዘነቓቕሕ ክኸውን እንከሎል፡ እቲ ምስ ኣይሁድ ሃይማኖት ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ከም ዝነበሮ ኣብ ትሕቲ ሓላፍነት ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት እዩ ዝቕጽል።

ሕቶ፡- እዚ ሓላፍነት እዚ ብኸመይ ተቐቢልኩምዎ?

ኣብ ውሽጢ ክልተ ወርሒ ዘይመልእ ብዘይተጸበኽዎ መንገዲ ናይ ካርዲናላት ጉባኤ ኣባልን ሊቀ ጳጳሳትን እንክብሉን ሕጂ ኸኣ በቶም ዓሚቝ እምነት ዝነበሮም ዘይሕለል ሓናጺ ሰላም ዝነበሩ ነፍሰሄር ካርዲናል ታውራን ዝተመርሐ፡ ደሓር በቶም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ዝዓረፉ ለባምን ሕያዋይን ነፍሰሄር ካርዲናል ሚገል ኣንገል ኣዩሶ ጉይክሶት ዝምራሕ ዝነበረ፡ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ እንክብሉ ንዝሰመዩኒ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ አመስግን ብሓቂ ዓቢይ ሓላፍነት እዩ . . . ብቑዕ ስለ ዝኾንኩ ዘይኮነ ኣብ ሓገዝ ኣምላኽ ተኣማሚነ ድማ እቕበሎ።

ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዘሎ ፍልልያት ብሰላማዊ መንገዲ ብሓባር ዝነብረሉ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ምህናጽ ሰላም ህዝብታት ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖት ዝግበር ዝተ ዓቢ ግደ ኣለዎ፥ ዓሚቝ እምነትን ጸሎትን ዝሓትት ኣገልግሎት እውን እዩ . . . ኣብ መሪሕነት ቅዱስ ኣቦንና ኣብቶም ቅድመይ ዝነበሩ ነቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝመርሑ ዝሰዓብዎ መንገድን እውከል። ልዕሊ ኩሉ ድማ ኣብ ሓገዝ ናይቶም ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ሰዓታት ዝረኸብክዎምን ድሮ ብዕርክነት ዝተቐበሉኒን ኣብ ቤተይ ከም ዘለኹ ኮይኑ ክስምዓኒ ዝገበሩን ተሓባበርቲ ናይቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት እውን እውከል።

ሕቶ፡ ከም ህንዳዊ መጠን ዋላ እኳ ካብ ሃገርኩም ካብ ትወጹ ነዊሕ ዓመታት ዘሕለፍኩም እንተኾነ፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሓባራዊ ሰላማዊ ናብራ ዝብል ኣመለኻኽታ ኣብ መንነትኩም ሱር ዝሰደደ ዀይኑዶ ይስምዓኩም?

እወ ኩለን ሃይማኖታት ዝኽበራሉን ስኒት ኣብ ዝዕቀበሉን ብዙሕ ባህልን ብዙሕ ሃይማኖታትን ኣብ ዘለዎ ህዝቢ እየ ተወሊደን ዓብየን . . . ብዙሕነት ሃብቲ እዩ! ኣብ ህንዲ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ’ ብባህሊ ምስ ህይወት ምንኩስና ዝተኣሳሰር ምዃኑ ከስምረሉ እፈቱ። ድሮ ኣብ 1500 ዓ.ም. ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ሮበርቶ ደ ኖቢሊ ንኣከዳድናን ልምድታትን ህንዳውያን መነኮሳት ተቐቢሎም፣ ቋንቋታት እቲ ከባቢ ተማሂሮም፣ ኣብቲ ዝተራኸብዎ ሃይማኖታዊ ትውፊታት ዘሎ ክቡር ዋጋ ከወሃህዱ እውን ዝጸዓሩ እዮም። እዚ ጉዕዞ እዚ ፈተናታትን ሓደጋታትን ዘይብሉ ኣይኮነን፡ ግና ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝምህሩና፥ ምስ ካልእ ንኽትራኸብን ንኽትላለን ካብ ገዛእ ርስኻ ምውጻእን ንቕድሚት ምጉዓዝን ኩሉ ግዜ ሓደጋታት ዝሓዘ እዩ።

ኣተሓሒዘ ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ግሉጽነትን ትስፍውን ቀረባ ምዃንን ዘለዎ ኣገዳስነት ከጒልሕ እፈቱ። ክርስትያናዊት እምነት ኣብ ዝተፈላለየ ባህሊ ናይ ምስራጽ ወይ ከኣ ናይ ምስጋው ተኽእሎ ኣለዎ  - ክርስትያን ዘርኢ ሕውነት ክዀኑ ኢዮም ዝጽውዑ። ከምዚ ኺበሃል እንከሎ፡ መንነትካ ምሕዳግ ማለት ኣይኰነን፡ የግዳስ መንነትካ ፈላላይ መናድቕ ንምህናጽ ወይ ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ኣድልዎ ንምግባር ምኽንያት ኪኸውን ከም ዘይብሉ ምፍላጥ ማለት እዩ። ኣብ ክንዳኡስ ድልድል ንምህናጽ ወትሩ ኣጋጣሚ ኪኸውን ኣለዎ።

ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ፡ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ተራ ዘተ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ መንጎ ኣመንቲ፡ ኣብ ኣምላኽ ምእማንን ሕውነታዊ ፍቕርን ምክብባርን ዘለዎ ጽባቐ ንምምስካር ዝተጸውዓ እዩ።

ሕቶ፡- ሓደ ካብ ሓላፍነት እቲ ሕጂ ብኣኹም ዝምራሕ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ምስ እስላማዊ ዓለም ዘሎ ርክብ ዝምልከት እዩ። ብዛዕባ እዚ እንታይ ክትብሉና ትኽእሉ?

ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ምስ እስልምና ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሓድሽ ናይ ዘተ ዘመን ዘበገሰ እዩ። ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ትንቢታዊ ቃላትን ንጥፈታትን እዝክር፣ ኣብ 1969 ዓ.ም. ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ንኹሎም እቶም ኣብ ትሕቲ ነገስታት ቀቢላታት እቲ ከባቢ ዝተቐትሉ ካብ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝኾኑ ሰማእታት ክም ዝዘከሩን . . . ድሕሪኦም ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1985 ዓ.ም. ኣብ ሞሮኮ ኣብ ዘካየድዎ ምብጻሕ ኣብ ከተማ ካዛብላንካ ንዝተራኸብዎም መንሰያት ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና፥ "ኣብ ሓደ ኣምላኽ ንኣምን እቲ ሓደ ኣምላኽ፡ ህያው ኣምላኽ፡ ዓለም ዝፈጠረን ንኹሉ ናብ ፍጽምና ዝመርሕን" ዝበልዎ እዝክር። ድሕሪ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ኣብ ሶሪያ ኣብ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ደማስቆ ኣብ ዝርከብ መስጊድ ኡማያድ ኣትዮም እዮም . . .  ኣብ 2006 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. በነዲክስቶስ መበል 16 ኣብ ቱርኪ ኣብ ዘካየድዎ ምብጻሕ ኣብ ኢስታምቡል ኣብ ዝርከብ ሰማያዊ መስጊድ እውን በጺሖም እዮም። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝወሰድዎ ብዙሕ ስጉምትታት ከይጠቐስካ ዝሕለፍ ኣይኮነን . . . እቲ ምስ ናይ ምስሪ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል - ጣይብ ዕለት 4 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ኣብ ዳቢ ዝኸተምዎ ሰብኣዊ ሕውነት ዘርእስቱ ሰነድ ነዚ መሰረት ገይሮም፥ “ዅላትና ኣሕዋት” ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ዓዋዲ መልኽትን . . . እጠቕስ

ሕቶ፡- እዚ ዝጠቐስክምዎ ፍጻሜታት ዳርጋ ኩሎ ጉኦዞታት . . .  ምስ ጳጳሳዊ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ዝተኣሳሰረ ብምዃኑ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ሓዋርያዊ ጉዕዞታት ኣብ ምውዳብ ዘለኩም ተራ ንኽዝክር ይመርሓኒ።

ብርግጽ ሓቂ እዩ፡ ጉዕዞታት ቅዱስ ኣቦና ዳርጋ ኩሉ ግዜ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝዛመድ ሸነኻት ኣለዎ፡ ምስ ሰበስልጣን ካልኦት እምነታት ዘራኽብ እውን እዩ፡ ሕውነታዊ መንፈስ ዝንበረሉ . . . ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብ እስያን ኦቻይናን ኢንዶነዢያን ብምጻሕ ከም ዘካየዱ ዘኪሮም. . . ነቲ ኣብ ጃካርታ ኢንዶነዥያ ዝርከብ መስጊድን ካቴድራልን ዘራኽብ ትሕቲ መሬት ዘሎ መተሓላለፊ "ናይ ምሕዝነት ጉሕጓሕ" እተሰምየ ዝባረኹሉ እዋን፡ ኣብኡ ናይ ኢንዶነዢያ ዓቢ ኢማም ናሳሩዲን ዑማር ንቕዱስነቶም ዘርኣይዎ ምሕዝነት ዕርክነት ብሓቂ ዝምስጥ እዩ ነይሩ . . .

ከምኡ’ውን ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ኣብታ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝባ 1.3% ጥራይ ክርስትያን ዝኾነላ ሃገረ ሞንጎሊያ ቅዱስነቶም ዘካየድዎ ምብጻሕ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ካዛኪስታንን ባሕሬንን ዝተገብረ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ክጠቅስ እፈቱ። ዓቲ ዝተቐበልክዎ ሓድሽ ሓላፍነት ንዓይ ምሉእ ብምሉእ ሓድሽ’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኣወሃሃዲ መገሻታት ር.ሊ.ጳ. ዝረኸብክዎን ዝረኽቦን ተመክሮ ኣብዚ ሓድሽ ኣገልግሎተይ ዓቢይ ዋጋ ዘለዎ ኮይኑን ክቕጽልን’ዩ . . . ብተመሳሳሊ ኣብ ኣልጀርያ፣ ደቡብ ኮርያን ኢራንን ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ሓዋርያዊ ልኡኽ ተመዲበ ዘካየድክዎ ዕዮ ኣብዚ ሓድሽ ዝተወሃበኒ ሓላፍነት ሓጋዚ ክኸውን ተስፋ እገብር እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

25 January 2025, 17:19