ድለ

ካርዲናል ኮኽ፡ ‘በነዲክቶስ መበል 16 እግዚኣብሔር ዘለኣለማዊ ፍቕሪ ምዃኑ ምሂሮምና’ ካርዲናል ኮኽ፡ ‘በነዲክቶስ መበል 16 እግዚኣብሔር ዘለኣለማዊ ፍቕሪ ምዃኑ ምሂሮምና’  (AFP or licensors)

ካርዲናል ኮኽ፡ ‘በነዲክቶስ መበል 16 እግዚኣብሔር ዘለኣለማዊ ፍቕሪ ምዃኑ ምሂሮምና’

ንዝኽሪ ካልኣይ ዓመት ዕረፍቲ በነዲክቶስ መበል 16 ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝመርሑ ካርዲናል ኩርት ኮኽ ብዛዕባ ቲዮሎጊያዊ ውርሻ ነፍስሄር ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16ን ስልጣናዊ ትምህርቶም ማእከል ድማ ዘለኣለማዊ ፍቕሪ ኣምላኾ ምዃኑ ብኣጽንዖት የዘኻኽሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓደንት ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ስዊዘርላንዳዊ ካርዲናል ኩርት ኮኽ ዕለት 31 ታሓሳስ 2022 ዓ.ም. ዝዓረፉ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ንዝኽሪ ካልኣይ ዓመት ዕረፍቶም ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ መሪሖም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥ በነዲክቶስ መበል 16 ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ቲዮሎጊያዊ ርድኢቶምን ንቃል ኣምላኽ ናይ ምሉእ ዕድመ ተወፋይነቶምን ኣንከስተንትኑ፥ ብቐዳምነት ኣብ 1927 ዓ.ም. ኣብ ሰመኑ ሕማማት ቅዱስ ቀዳም ከም እተወልዱን ከምኡ ድማ ኣብ ዘመነ በዓለ ልደት ዕለት 31 ታሕሳስ 2022 ዓ.ም. ከም ዝዓረፉ ብምዝኽኻር እዚ ድማ ህይወት ጆሰፍ ራትንዚንገር መዓልቲ ልደቶምን ዕረፍቶምን ብምስጢረ ፋሲካ ንኽምልከቱ ከም ዝድርኾም ኣመላኺቶም፥

“ኣምላኽ መቓን ታሪኽ ህይወት ጆሴፍ ራትዚንገር ኣብ ታሪኽ ድሕነት ከም ዘንበሮ እዩ ዘረጋግጸልና!

ዘይሕለል ጻዕሪ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ ኣብ እዋናዊ ዓለም ህልወተ እግዚኣብሔር ክስትውዓል

ዝበሉ ካርዲናል ኮኽ፥ እዚ ዓሚቝ ምትእስሳር እዚ ኣብ ህይወትን ኣገልግሎት ዕዮን ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መሪሕ ሓይሊ ከም ዝነበሮም፣ “ነዚ ምስጢር እዚ ብምንባር፡ ብጽኑዕ እምነት ድማ ይእውጁ ነይሮም፣ ብናይ ቲዮሎጊያ ሊቕነቶም ኣቢሎም ድማ ሎሚ እዚ ምስጢር እዚ ክበጽሓና ገይሮም” እዮም ቢሎም፥ ናይ ዕለቱ ምንባብ መቕድም ዮሓንስ ወንጌል ምዃኑ ድማ ብሓቂ “ጽቡቕ ኣጋጣሚ” እዩ፡ ቃል ኣምላኽ (“ሎጎስ”)፡ ኣብ ቲዮሎጊያ በነዲክቶስ ማእከል ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ “ብቐጻሊ ኣቓልቦኦምን ኣንፈትን ናብ ሓቂ ቃል ናይ ኣምላኽ ትርጉም ህይወት ሰብ ብዘእምን መንገዲ ኣርእዮምና እዮም እዚ እውን እግዚኣብሔር ብኢየሱስ ኣቢሉ ዝጸገወና ዘለኣለማዊ ፍቕርን ዘብርህ እዩ . . .

'ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ'

ብርግጽ፡ “ንበነዲክቶስ ቃል ኣምላኽ፡ ምስ ፍቕሪ ብዕምቆት ዝተኣሳሰር እዩ . . . ኣምላኽ ባዕሉ ፍቕሪ እዩ , ከምቲ ኣብቲ ‘Deus Caritas Est - እግዚኣብሔር ፍቕሪ እዩ’ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝለገስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ ዘጉልሕዎ። ህይወቶምን ትምህርቶም ነዚ መለኮታዊ ርድኢት፡ ፍቕሪ ሕመረት ህላወ ወዲ ሰብን ዘለኣለማውነቱን ዘስተንትን እዩ . . .

“ንበነዲክቶስ መበል 16፡ ሎጎስ፡ ቃል ኣምላኽ፡ ምስ ፍቕሪ ብዕምቆት ዝተኣሳሰር እዩ፡ ኣምላኽ ባዕሉ ፍቕሪ እዩ - "Deus caritas est.- እግዚኣብሔር ፍቕሪ እዩ” ሞት ኣብ ህይወት ወዲ ሰብ ናይ መወዳእታ ቃል ክህልዎ ፈጺሙ ዘይክእል ሓቀይና ምኽንያት ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ እዩ፤ እዛ ፍቕሪ እዚኣ ናይ መወዳእታ ቃል ኣለዋ - እያ”

ምስጋና ንኣምላኽ ስለ ህይወት ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16

በነዲክቶስ መበል 16 ንህላወ ኣምላኽ ኣብዛ "መብዛሕትኡ ግዜ ንኣምላኽ ከም መጻእተይና ገይራ እትርይ ዓለም" ማእከል ንምግባር ምሉእ ህይወቶም ዘወፈይሉ ትምህርቶም ዓቢይ ውርሻ ምዃኑን በተን ኣብ መወዳእታ ቅድሚ ምዕራፎም፥ ዝበልዎን ዝመስከርዎን "ጐይታይ አፍቅረካ እየ" ዚብላ ቃላቶም ኣቢሎም ብምዝካር የረጋግጹ።

“ንኣምላኽ ኣብ ማእከል ኣቓልቦ ምህላው ቀንዲ ዕላማ በነዲክቶስ መበል 16 እዩ ነይሩ። እግዚኣብሔር መብዛሕትኡ ግዜ ከም ባዕዳውን ትርፍን ኣብ ዝረኣየሉ እዋን፡ ብእተወሰነ ናይ ምስማዕ ድኽመት ወይ’ውን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጸማም ብምዃን እውን ከይተረፈ እንሳቐየሉ ዘመን፡ በነዲክቶስ መበል 16 ብዛዕባ ኣምላኽ እንሓስበሉ ግዜ ተኻኣሊ ምዃኑ ኣዘኻኺሮምና እዮም!”

ካርዲናል ኮኽ ነቲ ብተኣማንነት ዝኣወጀዎ ዘለኣለማዊ ሓቂ፡ ማለት ኣምላኽ ብክርስቶስ ኣቢሉ ሓቀይና ምዃኑ፡ ነቶም ዘፍቅርዎ ድማ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዓስቢ ምዃኑ፡ ንህይወት በነዲክቶስ ብምምስጋን ዝለገስዎ ስብከት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ናይ ነፍስሄር ክሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል

ዕለት 19 ሚያዝያ 2005 ዓ.ም. ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ዝተሓርዩ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ 95 ዓ.ም. ዕድመኦም ዕለት 31 ታሕሳስ 2022 ዓ.ም. ኣብቲ ካብ 2013 ዓ.ም. ብፍቓዶም ብዕድመ ምድፋእ ምኽናይት ካብ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣኖም ምስ ለቐቑ ኣብ ቫቲካን ኣብ ዚርከብ ክነብሩሉ ኣብ ዝመረጽዎ ገዳም እመ ዓቕለሲያ ከም ዝዓረፉን፥ ነዞም "ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ጐይታ ትሑት ሰራሕተይና" እንክብሉ ገዛእ ርእሶም ዝገለጹ ክዝክሩ ዝደለዩ ኣቡናት መራሕቲ ሃይማኖት ከምኡውን መራሕቲ መንግስትን ሃገራትን ማእለያ ዘይብሉ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽትታት ካብ መላእ ዓለም ናብ ቅድስቲ መንበር ከም ተመሓላለፈን። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ በነዲክቶስ መበል 16 ዝዓረፉላ መዓልቲ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መዝሙርን ጸሎትን ስብሓት ለከ እግዚኦ ኣብ ዝመርሑላ መዓልቲ

"ፍቑር ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክት መበል 16፥ እንክብሉ ብምዝካር " ከም ክቡርን ሕያዋይን ሰብ ንዝክሮም። ንኣምላኽ ንቤተ-ክርስትያንን ንዓለምን ስለ ዝሃቦም ነመስግኖ ስለቲ ዝገበርዎ ዅሉ ሰናይ ነገራት ልዕሊ ዅሉ ድማ ስለቲ ብዛዕባ እምነትን ጸሎትን ዝሃብዎ ምስክርነት ስለቲ ኣብተን ዳሕረዎት ዓመታት ዝገበርዎ ነገራት ምስጋና ይብጽሓዮ። ነቲ ንጥቕሚ ቤተ - ክርስትያን ቢሎም ዘቕረብዎ መስዋእቲ ዘለዎ ኣገዳስነትን ሓይልን ዝፈልጥ ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ"

ከም ዝበሉ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ናይ መወዳእታ ስንብታ

ካብ 2 ኽሳዕ 4 ጥሪ 2023 ዓ.ም. እቲ ሬሳኦም ኣብ ብዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንናይ መወዳእታ ስንብታ ከም እተነብረን ኣብኡ ድማ ልዕሊ 200,000 ዝዀኑ ምእመናን ምብጻሕ ከም ዝገበሩን ስነ - ስርዓት ቀብሮም ልዕሊ 50 ሺሕ ምእመናን ኣብ ዝተረኽብሉ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዕለት 5 ጥሪ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብ130 ካርዲናላት 400 ኣቡናትን ዳርጋ 3,700 ዝዀኑ ካህናትን ተዓጂቦም ከም ዝፈጸሙን ኣብቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ ዝተረኽቡ ልዕሊ 1,600 ጋዜጠይናታት ብዛዕባ እቲ ስነ - ስርዓት ቀብሪ ጸብጻብ ከም ዝሃቡን ብዝተፈላለያ 200 መራኸቢ ብዙሓን እውን ብቐጥታ ከም እተመሓላለፈ ኣዘኻኺሩ፥ ድሕሪ ዝተፈጸመ ናይ ፍታሓት ስነ ስርዓት ሬሳ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 መበል 16 ኣብ ቫቲካን ትሕቲ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝርከብ ናይ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ መቓብር ስፍራ ከም እተቐብረ የዘኻኽር።

04 January 2025, 16:30