ድለ

Debris lies at a damaged school in Aleppo Debris lies at a damaged school in Aleppo 

ካርዲናል ጉጀሮቲ ዘካይድዎ ዘለዉ ምብጻሕ ቅርበት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ሶርያ ዜርኢ እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ምስራቓውያን ኣብያተ ክርስቲያን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ክላውድዮ ጉጀሮቲ፣ ምስ ሕዝቢ ሶርያ ጥብቕ ርክብ ከም ዘለዎ ንምግላጽን፣ ነቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝነበሩ ሰዓብቲ ካቶሊካዊ እምነት ቡራኬኦም ንምምሕልላፍን፣ ናብ ሃገረ ሶርያ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ ለኣኽዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

መደብ ምብጻሕ ካርዲናል ጉጀሮቶ ናብ ሶርያ

እዞም ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ምስራቓውያን ኣብያተ ክርስቲያን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽፈት ቅድስቲ መንበት ዝኾኑ ብፁእ ካርዲናል ክላውድዮ ጉጀሮቲ፣ ሓደ ኽፋል ናይቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነታ መከራ ዝበዝሓ እምንቲ ቤተ-ክርስትያን ሶርያ ዘለዎም ኣባታዊ ቅርበት ንምግላጽ፣ ሓደራ ቢሎም ዝሃብዎም ተልእኾ ዀይኑ፣ ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ንሽዱሽተ መዓልታት ናብ ሶርያ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ ኢዮም።

እቲ ኻብ ዕለት 24 ክሳዕ 29 ጥሪ ዝካየድ ዑደት ። ኣብቲ እዚ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበት  ዘውጽኦ መግለጺ ከምዚ ክብል ኣመልኪትዎ ይርከብ ፦ "ዕላማ ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ዅነታት ሃገረ ሶርያ ናይታ ሃገር ሰዓብቲ ካቶሊካዊ እምነት፣ ነቲ ናይ ምላእ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ብፍላይ ከኣ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጸሎት ስዒቡ ዝመጸ ዘሎ ፍቕርን ደገፍን ክስምዖም ኢዩ።"

ብመሰረት እቲ ዝወጸ መግለጺ፣ ብፁዕ ካርዲናል ጉጀሮቲ ምስቶም ናይዚ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ዝኾኑ ብፁዕ ሊቀ - ጳጳሳት ሚሸል ጃላኽ ከምኡውን ምስቶም ናይ ብሕቲ ጸሓፊኦም ዝኾኑ ክቡር ኣባ ኢማኑወል ሳባዳክ ኮይኖም ኢዮም ከካይድዎ ።

ጕዕዞ ካርዲናል ጉጀሮቲ

ብፁዕ ካርዲናል ጉጀሮቲ ኣብዚ ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ጕዕዞ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ናብ ሶርያን ብፁዕ ካርዲናል ማሪዮ ዜናሪ ሓቢሮም ድማ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ካተድራላቶም ምስ ጳጳሳትን  ካህናትን ኣባልት ሰብ ውፉይ ሕይወት ሰብኡትን ኣንስትን ከምኡውን ምስ ካቶሊካውያን ምእመናን ብዝሕብረት ክጽልዩ ኢዮም። እዚኣቶም ከኣ ኣብ ግሪኻዊት-መልካይት ቤተክርስቲያን (ምስ ፓትርያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ዩሴፍ ኣቢሲ ተረአኺቦም መሥዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን)፣ ከምኡን ምስ ማሮናውያን፡ ምስ ኮልዳውያን፡ ምስ ሶርያዊ ሥርዓት ዝኽተሉን፣ ኣርመናውያንን ከምኡውን ላቲናዊ ሥርዓት ዝኽተሉ ኣብያተ ክርስቲያን እዮም።

ካርዲናል ጉጀሮቲ ኣብ ከተማታት ደማስቆን ኣሌፖን ምስ ኣሕሉቕን፣ ካህናትን ኣባላት ማሕበራት ሰብ ውፉይ ሕይወትን ካቶሊካውያን ምእመናን ከምኡውን ምስተን ኣብቲ ኸባቢ ዘለዋ ውድባት ሰብኣዊ ናይ ግብረ-ሰናይ ኣገልግሎታት ኪራኸቡ ኢዮም።

ኣብቲ ኣብ ከተማ ሆም ዚግበር ዓብዪ ጉባኤ ድማ ኩሎም ካቶሊካውያን ጳጳሳት እውን ኪሳተፉ ኢዮም።

ካርዲናል ጉጀሮቲ ኣብቲ ዘካይድዎ ሓውርያዊ ምብጻሕ ምስ ፓትርያርክታት ናይ ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ - ክርስትያንን እንተላይ ምስ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ሞር ኢግናሽየስ ኣፍሬም ካልኣይ ፓትርያርክ ናይ ሶርያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ - ክርስትያን ኣንጾክያን መላእ ምብራቕን ክራኸቡ ኢዩም ፣ ምስቶም ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ፓትርያርክ ኣንጾክያን መላእ ምብራቕን ዝኾኑ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ቢቲዩድ ጆን ዓስራይን፣ ምስ ካልኦት ጳጳሳት ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ-ክርስትያን ድማ እንተላይ መራሕቲ ናይ ኣርመንያ ናይ ሓዋርያዊት ቤተ-ክርስትያን ውን ክራኸቡ ኢዮም።

ብመሰረት እቲ ዝወጸ መግለጺ ብፁዕ ካርዲናል ጉጀሮቲ ንርእሰ ሊቃን ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ወኪሎም ነዞም ኣቦታት ኣብያተ ክርስቲያን ሰላምታኦም ከመሓላልፈሎም ኢዮም፣ "ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ዅነታት ክርስትያናዊ ሓድነት ኣድላዪ ኢዩ፣" ከምኡውን "ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ምሉእ ምትሕብባር ንምግባር ድልውቲ ኢያ" ብምባል ውን ከመልክቱሎም ኢዮም።

ክርስትያናዊ ሓድነት

ዕለት 25 ጥሪ ኣብ በዓለ ምልዋት ቅዱስ ጳውሎስ፣ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ጸሎት ተስዕቲ ምእንቲ ክርስትያናዊ ሓድነት ብፁዕ ካርዲናል ጉጀሮቲ፣ ኣብቲ ብልምዲ ምስቲ ምልዋጥ እቲ ሓዋርያ ንኣህዛብ ዜመልክት ፍጻመ ዚተሓሓዝ ቦታ እተሃንጸ ቤተክርስቲያን በዓለ ዝኽሪ ቅዱስ ጳውሎስ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ኢዮም።

ነቲ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ላቲን ዚርከብ ቅርያት ቅዱሳን ሰማእታት ደማስቆን፣ ነቲ ኣብ ባብ ቱማ ዚርከብ ካተድራል ማሮናውያንን ዝርከብ እውን ኣኽብሮቶም ክገልጹ ኢዮም።

ብፁዕ ካርዲናል ጉጀሮቲ ኣብዚ ናብ ሶርያ ዘካይድዎ ሓውርያዊ ጕዕዞ፣ ኣብ መደምደምና ናብ ኣውራጃ በይሩት ሊባኖስ ብምኻድ ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዝርከብ ቤትጽሕፈት ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ውን ምብጻሕ ከካይዱ ኢዮም።

23 January 2025, 12:49