ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ኮንጎ - ብራዛቪል፡ ር.ሊ.ጳ. የፍቕሩኹም እዮም!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ንዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ናይ ቅድስቲ መንበር ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳስ ፖል ሪቻርድ ጋላገር ኣብ ሪፓብሊካዊት ኮንጎ ምብጻሕ የካይዱ ከም ዘለዉን ብጹዕነቶም ኣብዚ ምብጻሕ እዚ ነታ ሃገር ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ፍቕርን ቅርበትን ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ፍሉይ ምብጻሕ
ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣቢዚ ምብጻሕ እዚ ምጅማር ዕዮ ሓባራዊ ሽማግለ ንኣተገባብራ ማዕቀፍ ስምምዕ ቅድስቲ መንበርን ኮንጎ ብራዛቪልን ኣማእኪሉ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ኣኼባ ይሳተፉ ከም ዘለዉን። እዚ ኣብ 2017 ዓ.ም. ዝተፈረመን ካብ 2019 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ዘሎ ክልተኣዊ ስምምዕ፡ ሕጋዊ ደረጃ ቤተክርስትያን ትካላታን ኣብ ኮንጎ - ብራዛቪልን ኣፍልጦ ዝህብ ኮይኑ፡ ናጽነትን ርእሰ - ምሕደራን ውሑስ ንምግባርን ንምሕላውን ዝዓለመ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ሪፓብሊካዊት ኮንጎ ዝገበርዎ መገሻ፡ ኣብ ቅርዓት ካቴድራል ቅዱስ ልቢ ኢየሱስ ንኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ዝተወፈየ ምእመናንን ናይ መንግስቲ ኣካላትን ዓቕለሲያውያን ምንቅስቓሳት ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዘዕረጉን ኣቦ መንበር ጉባኤ ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ሰበኻ ብራዛቪል ሊቀ ጳጳሳት ቢንቨኑ ማናሚካ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ኮንጎ ብራዛቪል ሊቀ ጳጳሳት ኻቪየር ሄረራ ኮሮና ኣብቲ ስነ ስርዓት ቅዳሴ ከም ሓበሩን ዋና ጸሓፊ ርክብ ምስ ሃገራት ቫቲካን ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ኣብዚ ምብጻሕ እዚ ምስ ጉባኤ ብፁዓን ጳጳሳት እታ ሃገር ከም እተራኸቡን ዕለት 14 ጥሪ ድማ ምስ ሚኒስተር ኣህጉራዊ ምትሕብባርን ምድንፋዕ ምሕዝነት መንግስታውን ውልቃውን እውን ክሌኣዊ ዘተ ከም ዘካየዱ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
“ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት የፍቅሩኹም እዮም”
ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘስምዕዎ ስብከት፥ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ “ንሕይወት ህዝቢ ኮንጎ ብዓቢ ኣቓልቦ ይከታተልዎ” እንክብሉ ብምርግጋጽ ናይ ቅዱስነቶም ሰላምታን ቡራኬን ድማ ከም ዘብጽሑን ኣስዒቦም ር.ሊ.ጳጳሳት ከም ዘፍቅርዎምን “ንሰላምን ሕውነትን ዘለኩም ተስፋን ድሌትን ድማ ብቐረባ ዝፈልጡን እዮም” ከም ዝበሉን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዝዘነበ ብርቱዕ ዝናምን ውሕጅን፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ብቐጥታ ተጸልዮምን በዚ ምኽንያት እውን ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ምዃኖምን ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ሓገዝ ክረኽቡን ጻውዒት ዘቕረቡን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነታ ኣብ ብርቱዕ ብድሆ እትርከብ ሃገር ቀረባ ከም ዝኾኑ ብስም ቅዱሰንቶም ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ናይ እምነት መሰኻኽር
ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ስብከቶም ኣስዒቦም፥ ህዝቢ ኮንጎ ስለ ወንጌላዊ ምስክርነቱን ዝያዳ ፍትሓውን ሕውነታው ሕብረተሰብ ንምህናጽ ዘርእይዎ ሓልዮትን ጻዕርን ምኽንያት ቃል ምስጋና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣቕሪቦም፥ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር “ኮንጎ ናይ እምነት መሰኻኽር ሕጽረት ዘይብላ ሃገር” እክብሉ ኣስሚሮም፡ ብፍላይ ድማ ንውፉይ ሕይወት ናይ ኮንጎ ካርዲናልን ኣገልጋሊ እግዚኣብሔርን ኤሚለ ቢያየንዳ ኣብ 1977 ዓ.ም. ሰማእት እምነት ዝኾኑ ዘኪሮም፡ ኣብ 1973 ዓ.ም. ቅርያት ሰማእት ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ካርዲናል ቢያየንዳ ኣብ ካቴድራል ብራዛቪል ከም እተነብረን፣ እዚ ካቴድራል እዚ ድማ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ሃገር ሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ዝገበሩሉ ኣዋን ዝተኣንገድሉ ምንባሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ኢዮቤል – ንዅሉ ዕድመ እዩ
ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ስብከቶም ብፍላይ ኣብ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ሓያል ዝኾነ ጻውዒት ንወንጌላዊ ተልእኾን ኣስፍሆተ ወንጌልን ምዃኑ ኣስሚሮም፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ተስፋ ካባኻትኩም ኣይትመንዛዕ” ዝብል ብተደጋጋሚ ዘቕርብዎ ጻውዒት ንመንእሰያት እታ ሃገር ደጊሞም ብምቕራብ፥ ተስፋ ምቑራጽ ዘይኮነስ ናብ መጻኢ ብተስፋ ክጥምቱ ድማ ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።