ድለ

2025.01.10 Mr Ghady El Khoury, Ambasciatore del Libano presso la Santa Sede 2025.01.10 Mr Ghady El Khoury, Ambasciatore del Libano presso la Santa Sede 

ናይ ሃገረ ሊባኖስ መንገዲ ዳግመ ህንጸት፦ ሰፊሕ ርድኢት

እቲ ናይ ሃገረ ሊባኖስ ሓድሽ ልኡከ መንግስቲ ናብ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን እተመርጸ ሓድሽ ርእሰ ብሔር ጆሴፍ ኣዩን ንዜና ቫቲካን መግለጺ ኣቕረበ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ሊባኖስ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት እቲ ሓድሽ እተመርጸ ርእሰ ብሔር ጀነራል ኣዩን ሓያል ናይ ዳግመ ህንጸት መደባት ትጅምር ኣላ። ኣብዚ ስትራተጂካዊ መደባት እዚ ንቐንዲ ነቁጣታት ኣጽዋር ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር መንግስቲ ንምእታውን ምስ ሰራዊት ሊባኖስ ናይ ምርኻብን፣ ምቍጽጻር ሓላፍነት ኣብ ወጥሪ እስራኤልን ሊባኖስን ከምኡውን ነቲ ወተሃደራት ሊባኖስ ኣቐዲሞም ከያኣትዉ እተኸልከልዎ መዓስከር ስደተኛታት ፍልስጥኤም ምቍጽጻር ዘጠቓልል ኢዩ ።

ምስ ሶርያ እተገብረ ሓድሽ ርክብ

ኣብ ፖሊሲታት ሊባኖስ ዓብዪ ለውጢ እተገብረሉ ምኽንያት ስርዓት ባሻር ኣል-ሳድ ብዕለት 8 ታሕሳስ 2024 ብተቐናቐንቲ ሓይልታት ምስ ተሳዕረ ምስ ጐረቤት ሶርያ ሓድሽ ርክብ ንምምስራት እተገብረ ተበግሶ እዩ። እቲ ሓላዪ ሊባኖስ ዝነበረ ናጂብ ሚካቲ ነቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ርክብ ንምምሕያሽ ብዕለት 11 ጥሪ ምስቲ ሓድሽ መራሒ ሃገረ ሶርያ ኣሃምድ ኣል-ሻራ ንምርኻብ ናብ ደማስቆ ኸደ። እዚ ድማ መራሒ መንግሥቲ ሊባኖስ ነቲ ሓባራዊ ዶባቶም ኣብ ምድልዳል ኣብ ዘተኮረ፣ ኣብ ውሽቲ እዚ 15 ዓመት ንመጀመርታ ግዜ ናብ ሶርያ ዝገበርዎ ዘለዉ ምብጻሕ እዩ ዝነበረ ።

ኣብ ሊባኖስ ዝሰፈነ መጠነ ሰፊሕ ምርግጋእ

ጀነራል ኣዩን ምምራጹ ንህዝቢ ሊባኖስን ንክርስትያናዊ ማሕበረሰብ እታ ሃገርን እንተላይ ነቶም ናይ ማሮናዊ ስርዓት እትኽተል ቤተክርስቲያን ፓትርያክ ቤካራ ቡትሮስ ራይ እውን እፎይታ ፈጢሩሎም ኣሎ። ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን እዚ ምርጫ እዚ ንሊባኖስ ሓድሽ መድረኽ ከም ዜምጽኣላ ዘለዎም ተስፋ ውን ገለጹ፣ ኣብኡ ድማ ፖለቲካውያን ሓይልታት ንጥቕሚ ሓባራዊ ጕዳያት ብፍላይ ከኣ ብህጹጽ ዳግመ ህንጸት ኣብ ምትግባር ይዓዩ ኣለዉ ።

ኤል-ኮሪ ኣምባሳደር ዘቕረቦ ንጹር ዛዕባ

ሰፊሕ ዲፕሎማስያዊ ተመክሮ ዘለዎ ኤል-ኮሪ ልኡከ መንግስቲ ሃገረ ሊባኖስ ናብ ቅድስቲ መንበር ኣብዚ ወሳኒ እዋን እዚ ንኣዮን ብቑዕ መራሒ ሃገረ ሊባኖስ ከም ዝዀነ ገለጸ። ስነሜላዊ ክሌኣዊ ርክባት ሃገረ ቫቲካን ነቲ ኣብ ቀቕዋማት ዝርአ ዘሎ ህውከት ኣብ ምፍታሕ ዓቢ ግደ ከም ዝነበሮ ውን ኣጕልሐ። እዚ ኣወንታዊ ውጽኢት እዚ ነቶም ኣብ ሊባኖስ ዝርከቡ ክርስትያን ምእመናንን ሰዓብቲ እምነት እስላምናን ኣድላዪ ኢዩ፣ እዚ ድማ እታ ሃገር ኣብ ሃይማኖታውን ባህላውን ፍልልይ ዘለዋ ፍሉይ ዋጋ ከምኡውን ስኒት ዘለዎ ህላወ ንምህናጽ ዘጕልሕ ኢዩ ።

ርግኣትን ሰላምን ኣብ ሶርያ

ኤል-ኮሪ ብዛዕባ እቲ ሶርያ ኣብ ቀረባ እዋን ዝገበረቶ ለውጢ ሥርዓተ መንግስቲ እንክገልጽ ዲሞክራሲያዊትን ርግኣት ዘለዋን ሶርያ ክትከውን ኸም እትኽእል ብጥንቃቐ ኣወንታዊ ሓሳባቱ ውን ገለጸ። ንሊባኖስ ውን ብሰንኪ እቲ ዓሚቝ ታሪኻውን ፖለቲካውን ቍጠባውን ምትእስሳር ዘለዋ ምዃና ከምዚ ዝኣመሰለ ርግኣት ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣጕልሐ። ሰላማዊት ሶርያ ሊባኖስ ዳግም ንኽትህነጽ ኣወንታዊ ኣበርክቶ ዝገብር ኢዩ እዚ ድማ ንኽልቲአን ሃገራት ኣተኵሮአን ካብ ግጭታት ብምእላይ ናብቲ ከቢድ ዝኾነ ማሕበራውን ቍጠባውን ብድሆታትን፣ ኣገልግሎታት ግብረ-ሰናይን ቅልውላውን ንኽገብራ ዘኽእለን ኢዩ ይብል።

ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ኸቢድ ውሽጣዊ ጸገማት

ኤል-ኮሪ ብዛዕባ ሃገራዊ ዳግመ ህንጸት ዘሎ ሰፊሕ መደባት ውን ገለጸ። ገለ ኻብቲ ቐዳምነት ዚወሃቦ ነገራት ኣብ ደቡባዊ ዞባታት ርግኣትን ሰላምን ምስፋን ምስ እስራኤል ዘሎ ወጥርታት ዶብ ምፍታሕ ከምኡውን ኣብ ከም ደቡባዊ ኸተማታት በይሩትን ስንጭሮ በካኣን ዝኣመሰለ ብውግእ ዝዓነወ ኸባቢታት ናይ ዳግመ ህንጸት ውጥናት ምጅማር እዩ። ከምቲ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዝሓተቶ ቍጠባዊ ተሓድሶ ውሽጣዊ ድሕንነት ምድልዳል ከምኡውን ንኣጽዋር ሊባኖስ ናብ መንግስታዊ ቍፅር ዝሓልፈሉ መንገድታት ምፍጣር ውን ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ ክብል የመላኽት።

ኤል-ኮሪ ነቲ ኣብ ሊባኖስ ንብዙሕ ዓመታት ዝጸንሐ ቅልውላውን ዘይምርግጋእን ከምኡውን ፖለቲካውን ቁጠባውን ግጉይ ኣተሓሕዛ ኣብ ግምት ብምእታው ንመጻኢ ሊባኖስ ዳግም ንምህናጽ ነዚ ዕዮ እዚ ብቕልቱፍ ክትፈትሖ ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሐ። እቲ ንዳግመ ህንጸት እታ ሃገር እተገብረ ጻዕርታት ምስ ሰላማዊት ሶርያ ኣጸቢቑ እተተሓሓዘ ክንዲ ዝኾነ፣ እዚ ድማ ነቲ ናይታ ሃገር ማሕበራውን ቍጠባውን ብድሆታትን ኣገልግሎት ግብረ-ሰናይን ቅልውላውን ኣወንታዊ ጽልዋ ኽገብር ይኽእል ኢዩ።

ብሓፈሽኡ ክርአ ኸሎ ሊባኖስ ንህዝባ ነባሪ ርግኣትን ብልጽግናን ንምርካብ ድልዱል መሪሕነትን ንጹር መደብን ከም ዘለዋ ዘርኢ ወሳኒ ህሞት ንምስጋር ኢያ ተዳልያ ዘላ ከም ዝበለ ውን ዜና ቫቲካን ኣመልኪቱ።

14 January 2025, 13:00