2024.12.28 ፕሮፈሶር ቨነራንዶ ማራኖ ሓድሽ ኣቦ መንበር ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሃገረ ቫቲካን 2024.12.28 ፕሮፈሶር ቨነራንዶ ማራኖ ሓድሽ ኣቦ መንበር ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሃገረ ቫቲካን  (Ufficio Stampa dell’Università di Roma Tor Vergata)

ቨነራንዶ ማራኖ ሓድሽ ኣቦ መንበር ቤት ፍርዲ ቫቲካን

ፕሮፌሰር ቨነራንዶ ማራኖ ነቶም ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ብዕድመ ምድፋእ ምኽንያት ካብ ሓላፍነቶም ዝተሰናበቱ ናይ ሃገረ ቫቲካን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣቦ መንበር ንዝነበሩ ፒንያቶነ ክትክኡን ኣገልግሎቶም ድማ ዕለት 1 ጥሪ 2025 ዓ.ም. ብወግዒ ንኽጅምሩ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም እተመዙ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቤት ፍርዲ ሃገረ ቫቲካን ካብ 1 ጥሪ 2025 ዓ.ም. ጀሚሩ ሓድሽ ኣቦ መንበር ክህልዎ እዩ።

እዚ ግደ እዚ በቲ ኽሳዕ ሕጂ ናይቲ ቤት ፍርዲ ሃገረ ቫቲካን ምኽትል ኣቦ መንበር ኮይኖም ዘገልገሉ ፕሮፌሰር ቨነራንዶ ማራኖ ዝውከል ክኸውን እዩ። ማራኖ ነቲ ኻብ 2019 ዓ.ም. ኣትሒዙ ነቶም ናይ ሃገረ ቫቲካን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣቦ መንበር ኮይኖም ንዘገልገሉ ኣብ ወርሒ ታሓሳስ ብዕድመ ምድፋእ ምኽንያት ካብ ሓላፍነቶም ንኽለቁ ዕለት 11 ታሓሳስ ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘቕረብዎ ሕቶ በዚ መሰረት ጡሮታ ንዝወጹ ጁሰፔ ፒናቶነ ተኪኦም ኣብዚ ሓላፍነት እዚ ንኸገልግሉ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም እተሾሙ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን  መግለጺ ኣፍሊጡ።

መምህር ማራኖ ኣብ መንበረ ጥበብ ቶር ቨርጋታ ናይ ፍትሓ ብሔርን ሕገ ቀኖናን መምህር ከም ዝኾኑን፣ ኣብቲ መንበር ጥበብ እውን ናይ ክፍሊ መጽናዕቲ ስነ ሕጊ ርእሰ መምህርምን ሓደ ኻብቲ ዝነበሮም ሓላፍነት ድማ ኣብ መንበረ ጥበብ ካቶሊክ ዚርከብ ማእከል መጽናዕቲ ስነ ሕጊ ኣባልን ከም ዝኾኑን ከምኡ እውን ብዛዕባ ሕጊ ቀኖና ዚገልጽን ዝትንትንን ሓያሎ ጽሑፋት ዘቕረቡ ምዃኖም ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

30 December 2024, 15:53