ድለ

ናይ ሓዋርያዊ ቤተ ኑዛዜ ህየንተ፥ ምስጢረ ንስሓ ቅዱስ ኣፍደገ ንነፍሳት እዩ! ናይ ሓዋርያዊ ቤተ ኑዛዜ ህየንተ፥ ምስጢረ ንስሓ ቅዱስ ኣፍደገ ንነፍሳት እዩ!  (Vatican Media)

ናይ ሓዋርያዊ ቤተ ኑዛዜ ህየንተ፥ ምስጢረ ንስሓ ቅዱስ ኣፍደገ ንነፍሳት እዩ!

ናይ ሓዋርያዊ መንበር ቤተ ኑዛዜ ህየንተ ኣቡነ ክርዝይስዝቶፍ ንይኪየል ብዛዕባ እቲ ብኢዮቤል ዝቐረበ ዘመን መንፈሳዊ ሕዳሴን ምልዋጥን ዕርቅን ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት እንከስተንትኑ፥ ዝተኸፍቱ ቅዱሳን ኣፍደገታት፡ በብሓደ፡ ኣብነት ናይቲ ብክርስቶስ ዝተኸፍተ ኣፍደገ ድሕነት ምዃኖም የብርሁ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ህየንተ ሓዋርያዊ ቤተ ኑዛዜ ኣቡነ ክርዝይስዝቶፍ ንይኪየል ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝከያድዎ ቃለ መሕትት "ምሕረት ምግባር ንደረት ፍትሒ ደቂ ሰባት ዝሰግርን ዝቕይርን ዝጭበጥ መግለጺ ምሕረት ኣምላኽ" ምዃኑ ኣነጺሮም፥ ሕይወት ቅዱሳን ነዚ ከም ዘነጽሮ "ኣብነቶም እንተርኢና፡ ጸጋ እግዚኣብሔር ንዝዓበየ ድኽመታት ከይተረፈ ክቕይሮ ከም ዝኽእል” የረጋግጸልና፡ ንሕድገት ሓጢኣትና ተስፋ ብምግባር ናብ ቅድስና ዝወስድ መንገዲ ንምስዓብ ይድግፈና . . . ስርየተ ሓጢኣት ንልቢ ካብ ጾር ሓጢኣት ሓራ ይገብሮ፡ ምእንቲ ነቲ ዝወሃበ ቀኖና ድማ ብሙሉእ ናጽነት ክፍጸም።|

ስርየተ ሓጢኣት ንምርካብ ዝሕግዙ ቅድመ ኩነታት

"እቶም ምእመናን ኣብ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ምሉእ ስርየተ ሓጢት - ምሕረት ንኽረኽቡ፡ ቤተ ክርስቲያን ዘቐመጦም ፍሉያት ቅድመ ኩነታት ክኽተሉ ኣለዎም፡ ኣብ ምስጢረ ኑዛዜ፡ ቅዱስ ቁርባን ምክፋል፡ ተኣምኖተ ሃይማኖት ምፍጻም፡ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት ሓሳብ ምጽላይ ፡ ናይ ምሕረት ስራሕ፡ መንፈሳዊ ንግደት ናብ ቅዱሳት ቦታታት ምፍጻም፡ ዋላ ንእሽቶ ሓጢኣት ከይተረፈ ካብ ኩሉ ሓጢኣት ምሉእ ብምሉእ ክትባተኽ ውሽጣዊ ድልውነት ምግባር ዝብሉ ምኽኖም ድማ የመላኽቱ።

መንፈሳውያን ነጋዶ ንክርስቶስ

ኣስዒቦም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ናይ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም.“ተስፋ ኣይተሕፍርን እያ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝኣወጅሉ ሰነድ ብምጥቃስ፥ ንግደት ናይ ዝኾነ ይኹን ኢዮቤል ቀንዲ ፍጻመ ምዃኑ የስተብህሉ። "ብመሰረቱ ንግደት ሓደ ክርስቲያን ኣብ ኣሰር ተበጃዊ ዝገብሮ ውልቃዊ ጉዕዞ እዩ። ትርጉም ሕይወት ደቂ ሰባት ዘጠቓለለ እዩ፤ ከምቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዘመልከትዎ፡ ምሉእ ሕይወት ክርስትና ከም ዓቢ ንግደት ናብ ቤት ኣቦ እዩ።"  (Tertio millennio adveniente - ምጽኣት ሳልሳይ ሺሓዊ ዓመት, 49) ንንግደት ምጅማር፡ ንጉዕዞ ምብጋስ ጥራይ ኣይኮነን፥ ናይ ኣካላዊ ቦታ ለውጢ እውን እንተኾነ ግን ከኣ ገዛእ ርእስኻ ምልዋጥ ዘጠቓልል እዩ። ( . . . ) በዚ መንጽር ንግደት ዓመት ኢዮቤል ቅድሚ እቲ ቀዳማይ ስጉምቲ ጉዕዞ ንንግደት እዩ ዝጅምር ገዛእ ርእስኻ ካብ ምልዋጥ ስለ ዝብገስ፡ ክርስቶስ ንምባር ዝተወስደ ውሳነ ( . . . ) ብዘይ ብኣኡ፡ ነቲ ናይ ምልዋጥ ተመክሮ፡ ናብ ቅድስና ኣምላኽ ንምቕናዕ ህይወትካ ምቕያር ኣጸጋሚ ክኸውን እዩ።"

ኑዛዜ ኣብ ንግደት መተካእታ ዘይብሉ ባእታ እዩ

ካብዚ ሓሊፉ ህየንተ ሓዋርያዊ ቤት ኑዛዜ፥ ከም ተመክሮ ምልዋጥ ዝረአ ንግደት መተካእታ ዘይብሉ ባእታ ምዃኑ ይሕብሩ። ኣብ እዋን ምስጢረ ንስሓ "ሓጢኣትና ኣለሊና ንሕድገቱ እናሓተትና ናብ እግዚኣብሔር ነቕርቦ . . . ካህን መጋቢ ማለት ኣገልጋሊ እዩ፣ ብተመሳሳሊ ግዜ ድማ ጥንቁቕ ኣመሓዳሪ ምሕረት ኣምላኽ እዩ። ብሓላፍነት ዝተዋህቦ እዩ፡ እዚ ሓላፍነት እዚ ድማ ሓጢኣት ንምሕዳግ ወይ ንምዕቃብ' ዝብል ከቢድ ሓላፍነት (ዮሃ 20,23 ረአ) እዩ።"

ትርጉም ቅዱስ ኣፍደገ

ኣብ ሮማ ኣብ ዝርከቡ ጳጳሳዊ ባዚሊካታት ብቅዱስ ኣፍደገታት ምሕላፍ ኣገዳስነቱ ብምምልካት፡ ህየንተ ሓዋርያዊ ቤተ ኑዛዜ ኣብነ ክርዝይስዝቶፍ ንይኪየል ንድሕነት ነፍሲ ዝወስድ፣ ብክርስቶስ ዝተኸፍተ ኣፍደገ ዝገልጽ እዩ . . .  "ንናይ ሕይወት ምልዋጥ ምስ እግዚኣብሔርን ምስ ብጻይካን ንዕርቂ ጻውዒት ይውክሉ፣ ስለዚ በቶም ቅዱሳት ኣፍደገታት ምሕላፍ ካብ ሓጢኣት ናብ ጸጋ ምሕላፍ ይድርኽ፣ እዚ ድማ ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ክፍጽሞ ዝተጸውዐ እዩ። ምስ እግዚኣብሔር ብምሕባር ናብ ህይወት ማዕጾ ዝኸፍት ሓደ መእተዊ ጥራይ እዩ፤ ንሱ ድማ ኢየሱስ እዩ፣ እቲ እንኮ መገዲ ድሕነት" እንክብሉ ዝሃብዎ መግለጺ ይዛዝሙ።

30 December 2024, 15:49