ድለ

መልእኽቲ ቫቲካን በዓል ዲፓቫሊ ናብ ዘብዕሉ ሰዓብቲ ሃይማኖት ሂንዱ መልእኽቲ ቫቲካን በዓል ዲፓቫሊ ናብ ዘብዕሉ ሰዓብቲ ሃይማኖት ሂንዱ  (ANSA)

መልእኽቲ ቫቲካን በዓል ዲፓቫሊ ናብ ዘብዕሉ ሰዓብቲ ሃይማኖት ሂንዱ

ናይ ቅስቲ መንበር ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ነቶም ናይ ሂንዱ በዓል ዲፓቫሊ ዘብዕሉ ናይ ሰናይ ትምኒት መግለጺ መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፈን፡ ሰዓብቲ ሃይማኖት ክርስትናን ሂንዱን ምስቶም ካልኦት ሃይማኖታዊ ልምድታት ዘለዎም ሰባት ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም፥ “ኣብ መንጎ ብዙሕነትን ምስ ፍልልያትን ስኒት ንምምርግጋጽ ዝከኣለና ኩሉ ክንገብር” ይዕድም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“እቲ ምንጪ ብርሃን ዝኾነ እግዚኣብሔር ንኣእምሮኹምን ልብኹምን ብሰላምን ሓጐስን፡ ንኣባይቲ ስድራኹምን ማሕበረሰባትኩምን ድማ ብጸጋን ሓጐስን ይምላእ!” እዚ ድማ ኣብ ሕመረት ናይ ቅድስቲ መንበር ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ነቶም ካብ ዕለት 24 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 31 ጥቅምቲ ዝኽበር በዓል ሂንዱ ዲፓቫሊ (ወይ ዲዋሊ) ዘብዕሉ ናይ መሓላለፎ መልእኽቲ ክኸውን እንከሎ፥ እቲ መልእኽቲ ብናይ ቅስቲ መንበር ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ሚገል ኣንኸል ኣዩሶ ጊክሶትን ዋና ጸሓፊ ናይት ላዕለዋይ ቤት ጽፍሐት የኔታ ኢንዱኒል ጃናካራትነ ኮዲቱዋኩ ካንካናማላጌ ዝተኸተመ ኮይኑ፥ በዓል ዲፓቫሊ ብቋንቋ ናይቲ ሃይማኖት ቅዱሳት መጻሕፍቲ “መስርዕ መብራህቲ ዘይቲ” ማለት ክኸውን እንከሎ ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ መዓልታት በዓላት ሂንዱ ኮይኑ፡ ሓቂ ኣብ ልዕሊ ሓሶት፡ ብርሃን ኣብ ልዕሊ ጸልማት፡ ሰናይ ኣብ ልዕሊ ክፍኣት ዝረኸቦ ዓወት ዝበዓለሉ እዋን እዩ።

ስኒት ዘለዎ ሓባራዊ ህይወት

ሰበ - ስልጣን ቫቲካን ኣብ መልእኽቶም ከተማታትን ሃገራትን ኣብ ብዙሕነት እናዓበያ ይኸዳ ኸም ዘለዋ ገለጾም፣ ክርስትያንን ሂንዱን ኣብ መንጎ ብዙሕነት ዋላ’ኳ ፍልልያት እንተሃለወን ከመይ ጌሮም ስኒት ከፍሕፍሑ ከምዝኽእሉ ገለ ሓሳባት ኣቕሪቦም። ብመሰረት መደብ እግዚኣብሔር፡ ብዙሕነትን ፍልልይን ንህላወ ዝኾነ ሰብ ስግኣት ክኸውን ዘይኮነስ ስኒት ንዘለዎ ሓባራዊ ህይወት ህያብ ክኸውን እዩ ቢሎም፥ ንሳቶም ድማ፡ “ዝምድናዊ ቅንስል ናይ ሓደ ብዝሓ ቅርጺ ህንጻ ኮይኑ፡ ኣብ ኩሉ ሕብሪ፡ እምነትን ባህልን ዘለዎም ደቂ ሰባት ብሓባር ክነብሩ ዘክሎም እዩ። እቲ ብናይ ገዛእ ርእሱ ሓይሊ ኣምላኽ፡ ኣብ ብዙሕነት ስኒት ምዕባይ ዝብል መለኮታዊ ራእይ፡ "ብደረጃ ውልቃውን ሓባራውን ምግላል፡ ኣድልዎን ተምሳሎትን ብዝድግፉ ስነ - ሓሳባት ይትካእ" እንክብሉ ጓሂኦም ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስኒት ዘጥፍኡ ስግኣታት

“ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ዝርከብ ሃይማኖታዊ፡ ኣኽራርነት፡ ጸንፈይናነት፡ ዓሌታውነትን ክቱር ሃገራውነትን” ኣብነታት ናይ “ስኒት ዘጥፍኡ” ስነ - ሓሳባት ምዃኖም ተዓዚቦም። ኣብ መንጎ ሰባት "ጥርጣረ፡ ቅድመ ፍርዲ፡ ዘይምትእምማን፡ ጽልእን ፍርሕን" ይፈጥሩ፡ "በዚ ድማ ንሕውነት ደቂ ሰባትን ማሕበራዊ ዕርክነትን ዘጽንዕ ምትእስሳር ከይህሉ ይዕንቅፉ"።

ስለዚ፡ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ "መለኮታዊ መደብ ንሰብኣውነት ዳግማይ ምርካብ" ከምኡ'ውን "ኣብ ማሕበረሰባትና፡ ከተማታትናን ሃገራትናን ንኹሉ ሰብ ከም ደቂ ኣምላኽን ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ዘራኽብ መንፈስ ሕውነት ምሕብሓብ" ከምዘድሊ ሓሳብ ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጭቡጥ ስጉምትን ሓባራዊ ጻዕርን

ምስቶም ካባና ዝተፈልዩ ዘርኢ ስኒት ምዝራእ "ካብ ኩሎም ውልቀ ሰባት፡ ኣባይቲ ስድራ፡ ትካላት ትምህርቲ፡ መራኸቢ ብዙሃን፡ ማሕበረሰባትን ኣህዛብን ጭቡጥ ስጉምትን ሓባራዊ ጻዕርን ዝጽውዕ" "ግብራዊ ኣድላይነት" እዩ ምስ በሉ፥ ኣብዚ መንጽር እዚ፡ ኩሎም ሰናይ ድሌት ዘለዎም ሰባት፡ ንጽልዋታት ኣብ ምፍራስን ካባና ዝተፈልዩ ሰባት ርህራሄ፡ ተሃዋስነትን ኣኽብሮትን ንምዕባይን ክሰርሑ ጸዊዖም።

“ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ሃይማኖታዊ ልምድታት ዝተመስረተ ኣመንትን ኣብ ሕብረተሰብ ስኒት ዘለዎ ሓባራዊ ህይወት ንምሕያል ሓባራዊ ተወፋይነት ዘለና ሰባትን፡ ንሕና ክርስትያንን ሂንዱን ምስቶም ካልኦት ሃይማኖታዊ ልምድታት ዘለዎም ሰባትን ምስ ሰናይ ድሌት ዘለዎም ሰባትን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ኣብ መንጎ ብዙሕነትን ፍልልያት እናሃለወ ስኒት ንምስፋን ዝከኣለና ኩሉ ንግበር” ብምባል፥

“ንሕና ክርስትያንን ሂንዱን ምስቶም ካልኦት ሃይማኖታዊ ትውፊታት ዘለዎም ሰባትን ምስ ሰናይ ድሌት ዘለዎም ሰባትን ኢድና ብምትሕብባር ኣብ መንጎ ብዙሕነትን ዋላ’ኳ ኣብ መንጎ ፍልልያትን ስኒት ንምስፋን ዝከኣለና ኩሉ ንግበር”

እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከም ዝደምደሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

28 October 2024, 08:32