ስምምዕ ቫቲካንን ቸክ ሪፓብሊክን፥ ሃይማኖታዊ ናጽነት ንምርግጋጽ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
መራሔ መንግስቲ ቸክ ሪፓብሊክ ፔትር ፍያላን ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊንን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት “ናይ ምሕዝነት ምትእስሳር ንምድልዳል” ስምምዕ ከቲሞም።
ናይ ሃይማኖት ናጽነት ዝምልከት ስምምዕ
እቲ 16 ዓንቀጻት ዝሓዘ ስምምዕ፡ ብፍላይ “ናይ ሓባር ሰናይን መንፈሳውን ሰብኣውን ባህላውን ክብርታት ህዝቢ ቸክ” ንምግልጋል ዝዓለመ ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራት ዘተባብዕ ክኸውን እንከሎ። እቲ ሰነድ ሃይማኖታዊ ናጽነትን ቤተ ክርስቲያን ተልእኾኣ ክትፍጽም ዘለዋ ዓቕምን ዘረጋግጽ እዩ፡ ብተወሳኺ እቲ ክሌኣዊ ስምምዕ፡ ንዅሎም ሰባት - ንካቶሊካውያን ጥራይ ዘይኰነስ፡ መሰል ናጽነት ኣተሓሳስባን ሃይማኖትን ሕልናን እውን ዘረጋግጽ ኮይኑ፡ ሃይማኖታዊ ኣምልኾ ብሕጊ ክመሓደር ዝኽእል ንህዝባዊ ስርዓትን ደሕንነትን መሰላትን ካልኦት ንምሕላው ኣድላዪ ምስ ዝኸውን ጥራይ ምዃኑ ድማ የረጋግጽ።
ምፍልላይ ቤተ ክርስቲያንን መንግስትን
ኣብቲ ስምምዕ መንግስቲ ቸክ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብመሰረት ናታ ሕግታት ክትሰርሕን ባዕላ ክትመሓደርን ኣገልገልታ ብናጽነት ክትመርጽን መሰል ከምዘለዋ ኣፍልጦ ይህብ። ብተወሳኺ ወተሃደራዊ ኣገልግሎትን ክንክን ጥዕናን ብዝምልከት ብሕልና ናይ ምእጋድ መሰል የረጋግጽ፤ ማሕተም ዕቃበ ምስጢረ ንስሓ እውን ሓለዋ ይወሃብ።
ብመሰረት ካብ 2021 ዓ.ም. ዝተገብረ ቆጸራ ህዝቢ፡ ኣስታት 10% ካብ ህዝቢ ቸክ ጥራይ ካቶሊክ ምዃኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ በዚ ስምምዕ’ዚ ቤተ ክርስቲያን ናይ ገዛእ ርእሳ ትምህርታውን ግብረ ሰናይን ትካላት ናይ ምፍጣርን ክንክን ጥዕና ናይ ምሃብን ንወተሃደራዊ ጉስነት ናይ ምምችቻእን መሰላ ውሑስ ይኸውን።
እቲ ስምምዕ ናብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስን ባይቶ ቼክ ሪፓብሊክን ተላኢኹ ክግምገምን ክጸድቕን ምዃኑን ክልቲኦም ወገናት ነቲ ሰነድ ኣብ ዝጽደቑላ ወርሒ ቀዳመይቲ መዓልቲ ተግባራዊ ክኸውን እዩ።
ርክብ ክልቲአን ሃገራት
ኣብ መንጎ ቸክ ሪፓብሊክን ቫቲካንን ዝነበረ ርክብ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ 1919 ዓ.ም. ማለት ኣካል ሃገር ቸኮዝሎቫክያ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ከም ዝኾነን። ድሕሪ ምቛም ስርዓት ዴስነት ኣብታ ሃገር ዝምድናታት ተዳኺሙን ወኪል ቫቲካን - ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብ 1950 ዓ.ም. ካብታ ሃገር ከም እተሰጉን ድሕሪ ኣርብዓ ዓመት ማለት ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 1990 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብታ ሃገር ቅድሚ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ቅሩብ መዓልታት ድማ ክሌኣዊ ስነ ምሌላዊ ርክብ ዳግማይ ከም እተጀመረን ኣብ 1993 ዓ.ም. ቸኮዝሎቫክያ ፈሪሳ ናብ ቸክ ሪፓብሊክን ስሎቫክያን ምስ ተመቕለት። ቸክ ሪፓብሊክ ኣብ 1993 ዓ.ም. ድማ ብወግዒ ናጻ ሃገር ኮይና ከም ዝቖመት ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።