ሲኖዳውነት፦ ዝያዳ ተልእኾኣዊት ቤተክርስቲያን ንምዃን ዝግበር ለውጢ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ድሕሪ እቲ ነፍሲ ወከፍ 155 ሕጡብ ጽሑፋት ናይቲ መዛዘሚ ሰነድ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ድምጺ ምርካቡ፣ እዚ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ካልኣይ ክፍል ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ እተኣወጀ ሰነድ ኢዩ ዝነበረ። በዚ መሰረት ድማ እዚ ንህይወት ቤተ-ክርስትያን ንምንቕቓሕ ብዘይ ወዓል ሕደር ኽወጽእ እተወሰነ ሰነድ ነቲ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ድሕሪ ሲኖዶስ ከም ልማድ ዝጽሕፈዎ ዝነበሩ ሓወርያዊ ምዕዳን ድማ መበገሲ ኣይ ክኸውንን ኢዩ።
"እቲ ናይ ሲኖዶዊ መስርሕ ምስ እዚ ምዝዛም ናይ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት አይዛዘምን ኢዩ፣ የግዳስ ነቲ ናይ ትግባሬ ደረጃ እውን ዘጠቓልል ኢዩ " (9) ንኹሉ ኣብቲ “መዓልታዊ ጉዕዞ ምስ ሲኖዳዊ ኣገባብ ምምኽኻርን ሜመያን፣ ኣብ ዝተፈላለየ አቅላሲያዊ ሃዋህው ጭቡጥ ሲኖዳዊ ተሓድሶ ንምምጻእ ንተግባራዊ መገድታት ምልላይን ምህናጽን” ዘሳትፍ ክኸውን ኢዩ” (9)።
ብፍላይ እዚ ሰነድ እዚ ንጳጳሳት ብዛዕባ ዘለዎም ተጸምዶን ግሉጽነትን ተሓታትነትን ቈራጽነት ዝሓትት ብድሆ የቕርበሎ ኣሎ፣ እንተዀነ ግን ከምቲ ብፁዕ ካርዲናል ቪክቶር ፈርናንደዝ ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ዓንቀጽ እምነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዝገለጽዎ፣ እዚ ዕዮ እዚ ንደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ - ክርስትያን ዝያዳ ግደን ዝያዳ ስልጣንን ከም ዝህበን ዘመልክት ኢዩ ።
ከም ኣረኣእያን ሓሳባትን ተሓድሶ ኻብቲ ጽሑፍ ዝተወስደ ክልተ ቐንዲ ቓላት ከም ዘመልክቶ "ዝምድና" ማለት ቤተ - ክርስትያን እንዀነሉ መገዲን፣ ከምኡውን እቲ ኣብ መንጎ ኣብያተ-ክርስትያን ከም ዘሎ "ውህበት ምልውዋጥ" ተባሂሉ ዝእመነሉ "ጥምረት" ከም ሓያል ስምዒት ዝንበር ክንዲ ዝኾነ፣ በዚ ምኽንያት እዚ መስርሕ ተሓድሶ ኢዩ ዝነበረ። እተን ምእመናን ከም ኣካላት ወይ ቀንዲ ቀለስቲ ናይቲ መስርሕ መጠን ዘለዎም ግደ እናፈጸሙ ብዝኸዱ መጠን ኣብ ተልእኾ ወንጌል ብዙሕ ምትሕብባር ንኸማዕብሉ መሰረት ዝዀና ኣብተን ኣከባቢያውን ዝኾና ኣብያተ - ክርስትያን ኢዮም ።
ነዚ ኣረኣእያ እዚ እቲ ናይ መወዳእታ ሰነድ ኣብ "ከባቢታት" ሱር ክሰድድ ከም ዘለዎ የጕልሕ። ብፍላይ ከኣ አቦታትን ኣዴታን ሲኖዶስ ኣብ ዘቕረብዎ ሓሳብ፣ ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር "ሓደ ኣገዳሲ መምርሒ ዝሓዘ ሰነዳት ቅድሚ ምሕታሞም" (135) ምኽሪ ብምሕታት ክጅምሩ ሓሳባት ኣቕረቡ።
ቅርጻ ናይቲ መወዳእታ ሰነድ
እቲ ናይ መወዳእታ ሰነድ ሓሙሽተ ኽፋላት ዝሓዘ ዀይኑ፣ ኣብቲ ብዛዕባ እቲ ኻብ ሞት ዝተንስአ ኢየሱስ ንሓዋርያት እተራእየሉ ምስክርነት ወንጌል እተመስረተ እዩ።
እቲ ቀዳማይ ክፍላ ናይዛ ሰንድ "ሲኖዳዊ ልቢ" ዝብል ኣርእስቲ ዝለዎ ኢዩ። እቲ ኻልኣይ ክፋል ድማ "ብሕብርት ኣብታ ጃልባ" ዝብል ኰይኑ "ነቲ ንክርስትያናዊ ማሕበረሰብ ዝሃንጽን፣ ንተልእኾ ኣብ ምልውዋጥ ጸዋዕታን ህያባትን ኣገልግሎታትን ብምቕራጽ ንዝምድናታትና ዘሓድሶ" ንዝብል ኣርእስትታት እተወፈየ ኢዩ። እታ ሳልሰይቲ ክፋልኸኣ "ነቲ መርበብ ምድርባይ" እትብል ኰይና "ነቲ ኣጸቢቑ እተኣሳሰረ ሰለስተ ተፍባራት እያ እተመልክት፣ እዚ ኸኣ ኣቅላሲያዊ ሜመያን፣ ውሳኒ ናይ ምውሳድ መስርሓትን ከምኡ ውን ባህሊ ግሉጽነትን ተሓታትነን ከምኡ ውን ገምጋማት ምግባር" ኣብ ዝብል ኣርእስትታት ዘረኮረ ኢዩ።
እቲ ራብዓይ ክፋል "ብዙሓት ዓሳታት" ዝብል ኰይኑ "ኣብዚ ኣብ ከባቢታት ሱር ናይ ምስዳድ ተመክሮ ኣጸቢቑ ኣብ ዝቀየረሉ ዘሎ እዋን፣ ህያባት ምልውዋጥ ከምኡውን ኣብ ቤተ-ክርስትያን ሓድነት ከም ዝህልወና ዝገብር ማእሰር ብኸመይ ብሓድሽ መልክዕ ክዅስኵስ ከም ዝከኣል ዝገልጽ ኢዩ።" እቲ ሓምሸይ ክፋል ድማ "ስለዚ እልእከካ ኣለኹ" ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ኾይኑ "ብዛዕባ እቲ ቐዳማይ ስጕምቲ ኽንምርምሮ ዘሎና ዝምምርምር ኮይኑ፣ እዚ ኸኣ ብዛዕባ ስነ መዕበያ ኵሎም ህዝቢ ኣምላኽን ኵሎም ልኡካን ሲኖዳውነትን እዩ።"
ኣቝሳል ናይቲ ዝተንስአ ብቀጻሊ ደም የፍስስ ኣሎ ...
መእተዊ ናይቲ ሰነድ (1-12) ንትርጕም ሲኖዶስ ከምቲ "እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምሸት በዓለ ትንሳኤ ኣብ ላዕለዋይ ክፍሊ ምስቲ ተንስአ ጐይታ ኣብ እተራኸቡሉ ዝነበሮም ሓድሽ ተመክሮ" ኢዩ ቢሉ ብምንጻር ትንታኔኡ ይጅምርት። እዚ ሰነድ ቀጺሉ "ብዛዕባ እቲ ዝተንስአ ኽንሓስብ ከለና ምልክት ቍስሉ ርኢና ኢና (...) ኣብ ኣካላት ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን እንተላይ ብጕድልነትና ደም ይፈስስ ኣሎ ። ንጐይታ ምጥማት ካብቲ ኣብ ታሪኽ ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻመታት ኣየርሕቐናን ኢዩ ። ኣብ ክንዳኡስ ኣዒንትና ናብ ስቓይ እቶም ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባት ይኽፈት ንገጽ እቶም ብውግእ እተጠቕዑ ቘልዑን ህጻንትን፣ ዚበኽያ ዘለዋ ኣዴታትን፣ ሕልሚ ብዙሓት መንእሰያት ስደተኛታትን ግዳያት ቅልውላው ዅነታት ኣየርን ማሕበራዊ ምጕዳል ፍትሕን ክንርኢ ይገብረና።" (2)
እዚ ሲኖዶስ ነቲ ዝቕጽል ዘሎ ሓያሎ ውግኣት ብምዝካር ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሓቢሩ "ንዓመጻን ጽልእን ሕነ ምፍዳይን ብምዅናን ብተደጋጋሚ ሰላም ንኽሰፍን ቅዱስነቶም አብ ዘቕረብዎ ምሕጽንታት እውን ይሓብር" (2)።
ብተወሳኺውን እዚ ሲኖዶሳዊ አገባብ እዚ ናብ ኢቁመናዊ "ምሉእን ዝርአን ሓድነት ክርስትና " (4) - ከምኡውን "ንምኽርታት [ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን] ከም ብሓድሽ ከም እተቐበልና ሓቅነቱ ዘረጋፅ ስጕምቲ ብምትእትታው ነቲ ናይዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ዘለዋ ትንቢታዊ ሓይሊ የደልድሎ" (5) ዝብል ኣምር ዝሓዘ ኢዩ።
እዚ ሰነድ ከምዚ ብምባል ውን ኣፍልጦ ይህብ - "ልውጢ ንምግባር ብድኻም ብምጽራር ከምኡውን ናይ ብገዛእ ርእስና ኣተሓሳስባ ንወንጌል ንምስማዕን ምስትውዓሉን ንምስዓብን ክንፍተን ከም እንኽእል ኽንክሕዶ ኣይንኽእልን ኢና" (6) ይብል።
ልቢ ሲኖዳውነት
እቲ ቐዳማይ ክፋል ናይዚ ሰነድ (13-48) በቲ "ቤተ-ክርስትያን ከም ህዝቢ ኣምላኽን ከም ምስጢረ ሓድነትን" (15-20) ዝብል ከምኡውን ብዛዕባ "ሰራውር ምስጢረ ህዝበ ኣምላክ" (21-27) ዚገልጽ ሓባራዊ ኣስተንትኖታት እዩ ዚጅምር።
ትርጕም ናይተን "ሲኖዳውነት " ኸምኡውን "ሲኖዶሳውን" ዚብላ ቓላት "ብዝሓሸ መገዲ ክርድኣናን እቲ ዝውክሎ ድማ ህያው ኰይኑ ይንበር ከም ዘሎ” ክንርኢ ዝንጀምርና ኣብዚ ኣብ ቀረባ ዓመታት ዝረኸብናዮ ተመኵሮታት ኢዩ ። እዞም ቃላት ድማ ምስ ሓንቲ ናብ ደቂሰባት እትቐርብ ቤተ - ክርስትያን ከምኡውን ምስታ መንበሪትን ስድራቤት ኣምላኽ ዝዀነት ቤተ - ክርስትያን ኣጸቢቖም ዝዛመዱ ኢዮም ።
…
"ብቕልል ዝበለን ብሓጺሩን ሲኖዳውነት ንቤተ-ክርስትያን ዝያዳ ተሳትፎን ልእኽቲ ወንጌልን ንኽትከውን ዘኽእላ መንፈሳዊ ምሕዳስን መዋቕራዊ ተሓድሶን ንኽትገብ ዘኽእላን መገዲ ኢዩ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ ብርሃን ክርስቶስ ከተንጸባርቕ ትኽእል ኢያ።" (28)።
ሓድነት ቤተ-ክርስትያን ክበሃል ከሎ ሓደ ዓይነት ምዃን ማለት ከም ዘይኰነ ምግንዛብ "ነቲ ኣብ ከከባቢኡ ዘሎ ሓሳባትን ባህልታትን በበይኑ ዝዓይነቱ ነገራትን ከምኡውን ነቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ርክብ ዘሎና ሞሳ ከም ናይ ተልእኾ ወንጌላዊት ሲኖዳዊት ቤተ-ክርስትያን መጠን ንምዕባይ ኣገዳሲ ኢዩ" (40)። ምስ ካልእ ሃይማኖታዊ ልምድታት ዘሎ ርክብ እናተመሓየሸ ምስ ከደ ኸኣ እታ ቤተ-ክርስትያን "ምሳታቶም ሓቢራ ዝሓሸት ዓለም ክትሃንጽ" (41) ክትኽእል ኢያ።
ተሓድሶ ዝምድናታት
እቲ ኻልኣይ ክፋል ናይቲ ሰነድ (49-77) "ምስ ጐይታ ኣብ መንጎ ሰብኡትን ኣንስትን፣ ኣብ ስድራቤት፣ ኣብ ኣከባብያውያን ማሕበረሰብ ከምኡ ውን ኣብ መንጎ ማሕበራውያን ጕጅለታትን ማሕበራት ሰብ ውፉይ ሕይወትን ምስ ምድሪ ንባዕላ ርክብ ንምምስራት ዝያዳ ተኽእሎ ዘለዋ ቤተ-ክርስትያን ንምሕናጽ ንዘሎ ጻውዒት" (50) ኣፍልጦ ብምሃብ ኢዩ ዝኽፈት።
እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ገሊኣቶም "ብሰንኪ ሓዳሮም፣ መንነቶም ወይ ጾታዊ ስምዒቶም እተገለሉ ወይ እተፈርዱ ዀይኑ ናይ ዝስምዖም ሰባት ስቓይ" ከም እተሞከሩ ሲኖዶስ ኣፍልጦ ይህበሉ ኢዩ።
"ሲኖዳዊት ቤተ-ክርስትያን ንምዃን ነቲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ቀዳምነት ዝህቦ ነገራት ዝቕይር ኣብ ሓቀይና ዝምድታት ተሓድሶ ክንገብር ኣሎና፣ ኣብ ርክባትን ሓባራዊ ናይ ምክፋል ውጥናት ወይ ዝያዳ ውድባዊ ውጽኢት ንምርካብ መሳርሒ ጥራይ ከም ዘይኰነ ድማ ካብ ወንጌል ክንመሃር ኣሎና። ርክብን ማእሰርን እቲ ኣቦ ዝኾነ ኣምላኽ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስን መንፈስ ቅዱስን ገዛእ ርእሱ ዝገለጸሉ መገዲ ኢዩ።
እዚ መዛዘሚ ሰነድ ኣስዕብ ኣቢሉ "እተ ኻብ ኵሉ ዞባታትን ኣህጉራትን ዝመጻ ብዙሓት ደቂኣንስትዮ ኣብ ኪደት እዚ ሲኖዶስ ነቲ ዘሕለፋኦ ስቓይን መከራን " ኣፍልጦ ይህብ፣ እዚ ድማ" ክሳብ ክንደይ ምስዚ ኣተሓሳስባ እዚ ተሰማሚዕና ኸም ዘይንነብር ይገልጽ " (52)።
ብፍላይ እቲ "ኣብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሓድሽ ርክብ ንምምስራት እተገብረ ጻውዒት፣ ኣብቲ ደቀ መዛሙርቱ ዝነብሩሉ ዝነበሩ እተፈላለየ መዳያት ይምስረት" ምስ "ብዝሓ ባህልታት" ይሓብር፣ እንተዀነ ግን "ካብ እተፈላለየ ባህሊ ዝመጹ ሰባት ዚገብርዎ ርክብ ምስ ወንጌል ዘይሰማማዕ ቄናን ርክብ ከም ዚህሉ ኺገብር ይኽእል እዩ።" (53)።
"እቲ ንዓለምና ዜጥቅዓ ዘሎ ኽፉእ... እቲ ሰነድ ከምዚ ብምባል የረጋግጾ - "እቲ ልዕሊ ዅሉ ሱር ዝሰደደን ዘደንቕን ምንጻግ ህይወት ወድሰብ ኢዩ ፣ እዚ ኸኣ ንዘይተወልደ ሕጻንን ንኣረጋውያንን ከም ዝግለሉ እዩ ዚገብር" (54)።
ኣገልግሎታት ንተልእኾ ወንጌል
"ውህበታትን፣ ጸዋዕታትን ከምኡውን ኣገልግሎታት ተልኾ ወንጌልን" (57-67) ዝብል ቀንዲ ኽፋል እቲ ሰነድ ኮይኑ፣ እዚ ሰነድ እዚ ብፍላይ ኣብቲ ተራ ምእመናን ሰብኡትን ኣንስትን ዝገብርዎ ተሳትፎ ዘተኰረ ኢዩ። እቲ እተቐብኡ ኣገልገልቲ "ኣብ ኣገልግሎት ውህደት" (68)፣ ከምኡ ውን ብዛዕባ ኣገልግሎት ጳጳሳት ከኣ ንውህበት መንፈስ ቅዱስ 'ኣብ ሜመያን ከምኡ ውን ንዅሉ ኣብ ሓድነት ኣብ ምምጻእ' ዝዓለመ እዩ (69-71)።
ኣብ እቲ ብዛዕባ ኤጲስቆጶሳዊ ኣገልግሎት እተገብረ ዘተታት፣ እዚ ሰነድ ከምዚ ይብል - "ሎሚ ኣብ ጉዳይ እቶም ስዩማን ጳጳስት እንተድኣ ኮይኑ እቲ ኣብ መንጎ እዞም ጳጳሳትን ናይቲ ኣከባቢ ቤተ-ክርስትያንን ዘሎ መሰረታዊ ርክብ እኩን ንጹርን ኣተሓሳስባ የልቦን ንኣብነት ወከልቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን እቶም ኣብ ኵርያ ሮማና ዘገልግሉ ጳጳሳትን።" (70)
ካህናትን ዲያቅን ምስ ጳጳሳቶም ኰይኖም "ኣብ ውሽጢ እታ ሲኖዶሳዊት ቤተ-ክርስትያን ኣብ መንጎ እቶም እተቐብኡ ኣገልገልቲ ብምትሕብባር" (74) የገልግሉ ኣለዉ። ስለዚ ተመክሮ ናይ "ሲኖዳዊ መንፈሳውነት" ኣገዳሲ ኢዩ፣ ከመይሲ "ኣብ ብሕታውን ሓባራዊን ደረጃ፣ መንፈሳዊ ዕምቈት እንተድኣ ጐዲሉ ሲኖዳውነት ናብ ውድባዊ ንጥፈታት ጥራይ ክንኪ ይርከብ ኢዩ። (44)።
በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኢዩ እዚ ሰነድ "ብትሕትና ኣብ ዝግበር ኣገባብ ንቤተ-ክርስትያን ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ትንቢታዊ ድምጺ ንኽትከውን ዘኽእላ" ብምባል ይገልጽ።
ናይ ትግባሬን ኣገጻጽማን ተሓድሶ
ኣብ ሳልሳይ ክፋል እዚ ሰነድ (79-108) ሲኖዶስ ከምዚ ክብል የመልክት - "ኣብ ጸሎትን ዘተን ብዛዕባ እቲ ዘደንቕ ሜመያን፣ ሓልዮት ኣብ መስርሕ ውሳኔ ምውዳድን ተሓታትነትን ንምርካብ ዘሎና ቘራጽነት ከምኡውን ውሳነታትና ብምግምጋም ነቲ መገዲ ተልእኾና ዘርኢ ቃል ምላሽ እንህበሉ ተግባራት ምዃኑ ኣፍልጦ ሂብናሉ ኢና።" (79)
ብፍላይ ከኣ "እዚ ሰለስተ ተግባራት ኣጸቢቑ እተኣሳሰረ እዩ። ውሳነ ናይ ምግባር መስርሕ ብተጻዋርነትን ተሓታትነትን ኣብ ዝድገፍ ናይ ምትእምማን ሃዋህው ምስማዕ ዝሓትት ፍልይ ዝበለ ሜመያ የድልዮ። ምትእምማን ሓባራዊ ክኸውን ኣለዎ - ውሳነ ዝገብሩ ኣካላት ንህዝቢ ኣምላኽ ክኣምኑን ክሰምዑን ክኽእሉ ኣለዎም። እቲ ህዝቢ ኣምላኽ ድማ ብግዲኡ ነቶም ስልጣን ዘለዎም ኣካላት ክኣምኖም ኣለዎ" (80)።
ከም ሓቁ እኳ ደኣስ እታ "ኣቅላሲያዊ ሜመያ ንተልእኾ ወንጌል" እትብል ቃል "ውድባዊ መስርሕ ዘይኰነስ ኣብ ህያው እምነት እተመስረተ መንፈሳዊ ልምዲ ኢዩ" ከምኡ ውን "ካብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ብሕታዊ ወይ ጕጅለኣዊ ኣረኣእያ ወይ እተፈላለየ ናይ ውልቀ-ሰባት ኣረኣእያ ኣሕጽር ኣቢሉ ዝገልጾ ውን ኣይኰነን።" (82)
"ውሳኔ ናይ ምውሳድ መዋቕራት" (87-94) "ግሉጽነን ተሓታትነትን ከምኡ ውን ገምጋም" (95-102) ኣብ ርእሲ እዚ ውን "ሲኖዳውነት ከምኡ ውን ተሳተፍቲ ኣካላት" (103-108) ኣብ ዝብሉ ቀንዲ ነጥብታት ናይቲ ኣብቲ ሰነድ ዘሎ ካብ ተመክሮ ሲኖዶስ ዝምንጩ ሓሳባት ኢዩ።
ተሓድሶ ማእሰር ዝምድናታት
ፍረ ነገር ናይቲ ራብዓይን ናይ መወዳእታን ክፋል ናይዚ ሰነድ (109-139) ኣብታ ቐዳመይቲ ሕጡብ ጽሑፍ ከምዚ ይብል - "ኣብቲ ቤተ-ክርስትያን ሱር ዘዲዳትሉ ዘላን ጕዕዞኣ ዕትፍጽመሉ ዛላን ቦታታት ዓብዪ ለውጢ ኣብ ዝግበር ዘሎ እዋን፣ ህያባት ምልውዋጥ ሓድሽ ዓይነት ተሳትፎ ከምኡውን ሓድነት ከም ዝህልወና ዝገብር ማእሰር ከነማዕብል ኣሎና። ኣብዚ ኣገልግሎት ጳጳሳት ንሓድሕድናን ምስ ናይ ሮማ ጳጳስን ብምትሕብባር ንጸንዕ ኢና።" (109)።
እቲ "ሱር ብምስዳ ግን ከኣ ጕዕዞ" (110-119) እትብል ሓረግ "ቤተ-ክርስትያን ካብቲ መበቈላ ኣብ እተወሰነ ኽሊ ኣብቲ ምስቲ ዘድሕን ኣምላኽ ብሓባር እትራኸበሉ ቦታን ግዜን እንተ ዘይኰይኑ ክንርድኣ ኣይንኽእልን ኢና" (110)።
እዚ ተሳትፎ ነዚ ሰነድ እዚ ንተርእዮ "ምንቅስቓስ ብዙሓት ሕዝብታት" (112) ከምኡውን "ንምስፍሕፋሕ ምዕባለ ኤለክትሮኒካዊ ባህሊ" (113) እውን ግቡእ ቈላሕታ ይህብ እዩ።
ኣብዚ ኣረኣእያ እዚ "ከም ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ ኴንና ምስ እተፈላለየ ናይ ተውህቦታትናን ኣገልግሎታትናን ሓቢርና ምምልላስና ኣብ መንጎ ኣብያተ-ክርስትያን ከኣ ህያባት ኣብ ምልውዋጥን ምክፋልን ናይቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዘለዎ ፍቕርን ምሕረትን ዜርኢ ውጽኢታዊ ምልክት እዩ"(120)።
"እቲ ኣብ መንጎ ኣብያተ-ክርስትያን ዘሎ ርክብ ዝመርሓሉ መሰረታዊ ስርዓት ህያባት ናይ ብምክፋል ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ኣረኣእያ ኢዩ"(124)። ካብቲ ናይ መጀመርታ ነጥቢ ኣትሒዙ እዚ ሰነድ "ማእሰር ሓድነት ጉባኤታት ጳጳሳትን ኣቅላሲያውና ጉባኤታትን" (124-129) ይዝርዝር።
ብፍላይ እቲ ብዛዕባ "ኣገልግሎት ናይ ሮማ ጳጳስ" (130-139) ዚገልጽ ሲኖዶሳዊ ኣስተንትኖ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ሲኖዶስ ነቲ ዝያዳ ምትሕብባርንን ምስማዕን ንምድንፋዕ ተባሂሉ ንላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር "ኣገዳሲ መምርሒ ዘለዎም ሰነዳት" (135) ቅድሚ ምሕታሞም "ምስ ናይ ጉባኤታት ጳጳሳት ምስኡ ዚመሳሰል መዋቕራት ምብራቓውያን ኣብያተ-ክርስትያንን ዘተ ከካይዱ ኣለዎም" ክብል እውን ተማሕጸኖም።
ንተልኾ ወንጌላዊ ወደ መዝሙርነት ዝኸውን ህዝቢ ምምስራት
"ቅዱስ ህዝቢ ኣምላኽ ነቲ ወንጌል ዜምጽኦ ሓጐስ ምእንቲ ኺምስክሩን፣ ኣብ ባህሊ ስኒት ምእንቲ ኺዓብዩን ግቡእ ስነ መዕበያ የድልዮም እዩ- ቅድም ቀዳድም ኣብ ሓርነት ውሉድ ኣምላኽ ንኢየሱስ ክርስቶስ ኪስዕቡ ብጸሎት ዘስተትኑን ኣብ ድኻታት ተፈላጥነት ዘለዎም ክኾኑ ኣለዎም" (141) ክብል እዚ ሰነድ ኣብ መኽፈቲ ናይ ሓምሻይ ክፋሉ (140-151) የመልክት።
"ሓደ ኻብቲ ኣብ ኪደት እዚ ሲኖዶስ ኣጸቢቑን ኣብ ኵሉ መዳያትን ዝቐረበ ሕቶታት እቲ ክርስትያናዊ ማሕበረሰብ ዘወግዮ ኣገልግሎት ዘይነጻጸልን ቀጻልን ክኸውን ኢዩ"(143)። ኣብዚ መዳይ እዚ እውን "ኣብ መንጎ እተፈላለየ ጸዋዕታታት (ሕብረትን) ህያባት ምልውዋጥን ኣብ ሓደ ኣገልግሎት (ተልእኾ ወንጌል) ከምኡ ውን ኣብ እተፈላለየ ሓባራዊ ሓላፍነታት (ተሳትፎ)ትምህርትን ምግባር" (147) ብህጹጽ ኣድላዪ ምዃኑ ንግንዘብ ኢና።
"ካልእ ዓብይን ኣገዳስነት ዘለዎ መዳይ ከኣ ኣብ ኵሉ እቲ ናይ ምዕቋብ ባህሊ ምድንፋዕ ኢዩ፣ እዚ ድማ ንማሕበረሰብ፣ ንመንእሰያትን ንመሳኪንን ዝያዳ ውሕስነት ከም ዝረኽቡ ምግባር ኢዩ።" (150)።
ኣብ መወዳእታ "ፍረ ነገር ማሕበራዊ ዓንቀጸ-እምነት ቤተ-ክርስትያን፣ ንኣብነት ሰላምን ፍትሕን ንምርካብ ቈራጽነት ምግባር ሓባራዊ ቤትና ምክንኻን ከምኡውን ባህላውን ሃይማኖታውን ዘተ ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ ብሰፊሑ ከስፋሕፍሕ ኣለዎ" (151)።
ናብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ሕድሪ ምውፋይ
እዚ ሰነድ ኣብታ ናይ መወዳእታ ሕጡብ ጽሑፍ ከምዚ ይብል - "እንደገና በቲ ናይ ሲኖዳውነት መስርሕ ንነብር ስለ ዘሎና፣ እቲ ክቕበሎን ክእወጅን ዘለዎ ድሕነት ብተፈጥሮኡ ዝምድና ከም ዘለዎ ንፈልጥ ኢና። "ብሓባር ኴንና ኢና እንነብረሉን እንምስክረሉን። ታሪኽ ከም ዚሕብሮ ውግእ ንስልጣን ዚቀናቐን ከምኡውን ብኣሽሓት ዚቝጸር ዘይፍትሓውነትን ሃስያን ዝመልኦ እዩ። ይኹን እምበር መንፈስ ቅዱስ ነቲ ሓቀይና ርክብን ሓቀይና ማእሰርን ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከም ዘእተዎ ንፈልጥ ኢና ። ፍጥረት ንባዕሉ ብዛዕባ ሓድነትን ምክፋልን በበይኑ ዝዓይነቱን ንሓድሕዱ እተኣሳሰረ ንሓድሕደና ዘጣምርን ዓይነት ህይወት እዩ ዚገልጽ"(154)።
እዛ ሰነድ ኣብ መደምደታ "ውጽኢት እዚ ሲኖዶስ እዚ ንቅድስቲ ድንግል ማርያም" ብሕድሪ ብምውፋይ እያ እትዛዘም። "ቅድስቲ ድንግል ማርያም... ደቀ መዛሙርትን ልኡኻት ወንጌልን ኴንና ብሓባር ሓንቲ ሲኖዶዊት ቤተ-ክርስትያን ክንከውን ምሃረና፡"(155) ክብል ይድምድም።
ምሉእ ትሕዝቶ እዚ ሰንድ ብቋንቋ ጣልያን እተሰናደወ ኮይኑ እቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ስሩዕ መበል 16 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ኢዩ፣ ምሉእ ትሕዝቶ ንምንባብ ኣብዚ ኺርከብ ይከኣል እዩ ።