መግለጺ ሲኖዶስ – መበል 15 መዓልቲ፡ ምስንዳው ናይ መወዳእታ ሰነድ

ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ከምቲ ልሙድ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ መበል 16 ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም እተዋህበን ኣብ መበል 15 ውዕሎ ሲኖዶስ፥ ረቂቕ ናይ መወዳእታ ሰነድ ናብ ጉባኤ ሲኖዶስ ከም ዝቐረበ ዕለት 21 ጥቅምቲ 2024 ዓ.ም. ኣብ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ተሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ዕለት 21 ጥቅምቲ ዝተኻየደ መበል 15 ውዕሎ ሲኖዶስ ረቂቕ ናይ መወዳእታ ሰነድ ንኹሎም ተጋባእያን ሲኖዶስ ከም እተዓደለ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ህንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ዝወሃብ መዓልታዊ ጋዜጣዊ መግለጺ ዛዕባ ውዕሎታት ሲኖዶስ፡ ናይ ሲኖዶስ ሽማግለ ሓበሬታ ኣቦ መንበር ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መራኸቢ ብዙሓን ህየንተ ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒ ሓቢሮም፥ “ኣብ ወሳኒ ህሞት በጺሕና ኣሎና” ኢሎም።

ህሞታት ጸሎትን ሲኖዳዊ ተበግሶታትን

ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒ ኣቐዲሞም ዕለት 20 ሰንበት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ 14 ሓደስቲ ቅዱሳን ከም ዝኣውጁ ብምዝካር ተጋባእያን ዕለት 21 ጥቅምቲ ኣብ ዘካየድዎ መበል 15 ውዕሎ ሓጎሶም ከም ዝገለጹ ሓቢሮም፥ እዚ ትርጉም ዘለዎ ፍጻመ እዚ ቤተ ክርስቲያን ዓለም ሓቆፍ ሰንበት መዓልቲ ተልእኾ ወንጌል ኣብ እተዘከረሉን ኣብ ሕመረት ጉዕዞ ሲኖዶስ ዝተፈጸመ እውን ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፥ ዕለት 20 ጥቅምቲ ድሕሪ ቀትሪ ናይ ጸሎት መደብ እውን ምክንያዱ ጠቒሶም፣ እዚ መደብ እዚ ወንጌላዊ ተልእኾ ኣብ ዓውዲ ማሕበራዊ መረብት ከም ኣካል ናይ ሲኖዶስ ናይ ዕዮ መጋበርያ ሰነድ ዘመላኽቶ “ንኹሉ ምስማዕ” ዝብል ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተበግሶ ዝጠቓለል እውን ምዃን ኣመላኺቶም፥ ከምኡ እውን ሰዓት 17፡00 ኣብ ሕንጻ ቅዱስ ካሊስቶ፡ ብናይ ባህልን ትምህርት ጉዳያት ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን ጉጅለ ኣትሌት ቫቲካናን ዝተዳለወ "ሲኖዶስ ስፖርት" ምክያዱ ሓቢሮም፥ ብዙሓት ተሳተፍቲ ሲኖዶስ ኣብቲ መደብ ከም ተሳተፉን፣ እዚ መደብ እዚ ስፖርተይናታት - ስደተይናታት፣ ኣካለ ስንኩላን ስፖርተይናታት ኦሎምፒክ ዝተረኽብሉ “ሰላምን ንሓድ ሕዳዊ ምግልጋልን” ብዝብል መርሕ ቃል ምክያዱ ኣፍሊጦም።

ምቕራብ ረቂቕ ናይ መወዳእታ ሰነድ

ጸሓፊት ሽማግለ ሓበሬታ ሲኖዶስ ሺላ ፒረስ፡ “ሕጂ ኣብ ናይ መወዳእታ ሰሙን ሲኖዶስ ኢና ዘለና” ብምባል፡ ናይ ዕለቱ መስርሕ እንታይ ምንባሩ ኣፍሊጠን፥ እቲ ውዕሎ  ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ማሪዮ ግረች ብዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም እተጀመረን ካርዲናል ግረች ኣብ ስብከቶም ሲኖዶስ ከም ሓድሽ ተበግሶ ቃል ኣምላኽ ንኹሉ ንምዋጅ ዝዓለመ ምዃኑ ከም ዘስመሩሉ ገሊጸን፥ ብድሕሪኡ ኣብቲ መበል 15 ውዕሎ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ 351 ኣባላት ከም እተሳተፉን ሕሩይ ካርዲናል ኣባ ቲሞትይ ራድክሊፍ ብዛዕባ ናጽነትን ሓላፍነትን ብዝብል ኣርእስቲ ንተጋባእያን ብዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ተበጊሱ፥ ቀጺሉ፡  እቲ ረቂቕ ናይ መወዳእታ ሰነድ ሲኖዶስ ብካርዲናል ዣን ክላውድ ሆለሪክ ከም ዝቐረበን፥ ነቲ ረቒቕ ናይ ፍጻሜ ሰነድ “ግዝያዊ ሰነድ” ተባሂሉ ዝተገልጸ፡ ተጋባእያን ድማ ብምስጢር ክዕቀብዎ ከም ዘለዎም፡ እዚ ድማ ግሉጽነት ንዘይምሕላው ዘይኮነስ፡ ንዘተ ዝኸውን እወታዊ ሃዋህው ንምዕቃብ ተሓሲቡ ዝተወሰነ ምዃኑ ከም ዘብርሁ ኣፍሊጠን።

ነፍሲ ወከፍ ተጋባኢ ነቲ ውጽኢት ናይ ሓባር ዕዮ ዝኾነ ቅዳሕ ረቂቕ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ከም እተዓደለን እቲ ረቂቕ፡ "ውጽኢት ናይቲ ዝተኻየደ ጉባእያዊ ዘተ ጥራይ ዘይኮነስ ካብ ሃብታም መስርሕ ሲኖዶስ ዝመንጨወ ኮይኑ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ምዕራፋት ጉዕዞ ሲኖዶስ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝተፈጸመ ኩሉ ስራሕ ዘጠቓለለ ምዃኑ እውን ከም እተሓበረ ዘነጸራ ፒረስ ብተወሳኺ "ፍሉያት ጸብጻባትን ክኢላታትን ነቲ መሰረት ናይቲ ሲኖዶዳውነት ዝኾነ ምስማዕ ኣበርቲዖም ከምዝሰርሑን ካብተን ንኣሽቱ ጉጅለታት ዝመጹ ጸብጻባት ከምዝምርምሩን" ኣመልኪተን ኣበርክቶ ተመራመርቲ ቲዮሎጊያ "ነቲ ሰነድ ይኹን ንመድረኻት ኣገዳሲ እውን ምንባሩ የስተብህላ።

ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ንኣሽቱ ጉጅለታት ዝተገብረ ዘተ

ፒረስ፡ "ዕለት 21 ጥቅምቲ ድሕሪ ቀትሪ፡ ተሳተፍቲ ኣብ ንኣሽቱ ጉጅለታቶም ተኣኪቦም፡ ከምቲ ካርዲናል ግሬች ዝበልዎ፡ 'ካብ ምንባብ እቲ ጽሑፍ ዝወጹ ብድሆታት፡ ሕልምታት፡ ውሽጣዊ ንጥፍነትን ሓድሽ ድርኺታትን ንምክፋል' ሓቀይና ምልውዋጥ ህያባት ዝዓሰሎን፡ ዝሓለፈ መርሚርካ ንቕድሚት ዝወስድ ዝተለለየ መገዲ ዘቕርብ እውን ምዃኑ ገሊጸን፥ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፥ እቲ ናይ ንግሆ መደብ ውዕሎ ምእንቲ እቶም ዕለት 20 ጥቅምቲ ሰንበት ኣብ ቻፓስ ሜክሲኮ ኣብ ከባቢ ሳን ክሪስቶባል ደ ላስ ካሳስ ኣብ ዝርከብ ኩክስቲታሊ ከም ቆሞስ ኣብ ዘገልግልሉ ቤተ ክርስቲያን መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ናብ ቤቶም እናተጓዕዙ እንከለዉ ዝተቐትሉ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ማርሴሎ ፔረዝ ጸሎት ከም እተፈጸመ ኣመልኪተን፡

ካርዲናል ጹፒ፡ ዘተ “ንባዕላ ንቤተ ክርስቲያን መሰረት እዩ”

ኣብቲ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሓበሩ ናይ ኢጣሊያ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ካርዲናል ማቴዮ ጹፒ፡ መንፈሳዊ ኣማኻሪ ሲኖዶስ ኣባ ቲሞቲ ፒተር ጆሴፍ ራድክሊፍ፡ ምኽትሊ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ እናቴ ናታሊ ቤክዋርትን ሓዋርያዊ ኤዛርቅና ናይ ቢዛንታዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ግሪኽ ጳጳስ ማኑኤል ኒን ጒዔል ከም ዝሓበሩን፡ ካርዲናል ጹፒ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ ኣብ መላእ ሲኖዶስ ዝነበረ ተመክሮ ዘተ ኣስተንቲኖም "ዘተ መሳርሒ ዘይኮነስ ንቤተክርስትያን ባዕላ መሰረታዊ" እዩ እንክብሉ ገሊጾም፥ ተሳተፍቲ ኮፍ ኢሎም ክዝትዩን ክሰምዑን ንሓድሕዶም ዝራኸቡሉን መኣዲ እንክብሉ ነቲ ሲኖዶስ ገሊጾም፡ እዚ መስርሕ እዚ ኩሉ ግዜ መንፈሳዊ መስርሕ እዩ እንክብሉ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ኣባ ፍራንክ ራድክሊፍ፡ ናይ መወዳእታ ሰነድ “ምስሊ መንግስቲ ኣምላኽ” ዝሃዘ እዩ!

ኣባ ራድክሊፍ ኣብዚ ሕጂ እዋን ቤተ ክርስቲያን ትገብሮ ዘላ ጉዕዞ ሕዳሴ ኣስተንቲኖም፣ እዚ ጉዕዞ እዚ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ሰነድ ዝቕልቀል ምዃኑ ኣብሪሆም፥ ስለዚ እቲ ሰነድ ውሳነታት እትገብረሉ ወይ ኣርእስተ - ዜና እትህበሉ ቦታ ገይርካ ክርአ ከም ዘይብሉ ኣጒሊሖም፥ ኣብ ቅድሚ ምብትታን ሕብረተሰብን ውግእን ዓለም ትጻወሮ ዘላ ጽንኩር እዋንን፡ ቤተ ክርስቲያን ፍሉይ ጸዋዕታ ኣለዋ፡ ንሱ ድማ ምልክት ክርስቶስ ክትከውን፡ ምልክት ሰላም ክትከውንን ምስ ክርስቶስ ሕብረት ዘለዋ ኣብ ምዃን ክተጽንዕ እዩ።

በዚ ሲኖዶስ እዚ ኣቢሉ ሓድሽ ኣገባብ ቤተ ክርስቲያን ይቕልቀል ከምዘሎን፡ እቲ ናይ መወዳእታ ሰነድ ድማ ልክዕ ከምቲ ኢየሱስ መንግስቲ ኣምላኽ ንምእዋጅ ዝተጠቀመሉ ምሳሌታት እቲ ሰነድ ድማ መንግስቲ ኣምላኽ ንምርኣይ ዝድግፍ ምስልታት ዘቕርብ እዩ እንክብሉ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እናቴ ቤክዋርት፡ ሲኖዳውነትን ኤቁመናውነትን

ምክትል ጸሓፊት ዋና ጸሓፊት ሲኖዶስ እናቴ ናታሊ ቤክዋርት እውን ብወገነን፥ ብዛዕባ ሕውነታዊ ሃዋህው ኣብ መንጎ ኤቁመናውያን ልኡኻት ተመኵረአን እንከካፍላ፥ ኣብ ሽማግለ ኤቁመናዊ ሲኖዶስ ኣባል ከም ምዃነን መጠን ሲኖዶስ ንቤተ ክርስቲያን ምዃን ሓድሽ ምስሊ ይህበና ቢለን፡ ር.ሊ.ጳ. ኣብ መንጎ ተሳተፍቲ ኮፍ ኢሎም ክሰምዑ ዘረጋግጽን ከምኡ እውን ካብቲ ተሳተፍቲ ሓቢሮም ዝጽልዩሉ፣ ሰማዕትነት ቅዱስ ጴጥሮስ እናዘከሩ ዝጸለዩሉ ኵላዊ ጸሎት ዝረኸበኦን ምስሊ ብምጥቃስ፥ እዚ ሲኖዶስ ንኣተገባብራ ጳጳሳዊ ቅድምናን ጉባኤ ጳጳሳትን መላእ ሕዝበ እግዚኣብሔርን ሓድሽ ኣገባብ ርድኢት ስለዘተኣታትው፡ እዚ ድማ ንኤቁመናዊ ዝምድናን ክርስትያናዊ ሓድነትን ሓድሽ ምዕራፍ ከም ዝኸፈተ ይገልጻ።

ምብራቓውያን ካቶሊካውያን ኣብ ግሪኽ

ሲኖዶስ ንዝዓሞቐ ምርድዳእ ዕድል ዘቕርብ ምዃኑ ኣብቲ ዝተዋህበ መግለጺ ዝሓበሩ ቅድሚ ሓደ ዘመን ኣቢሉ ዝቖመ ነቶም ኣብ ግሪኽ ንዝርከቡ ካቶሊካውያን ስርዓተ ቢዛንታይን ሓዋርያዊ ኤዛርቅና ጳጳስ ማኑኤል ኒን ኣስተብሂሎም፥ እዚ ማሕበረሰብ ክርስቲያን እዚ ድሕሪ ኲናት ግሪኽን ቱርክን ብዙሓት ግሪኻውያን ስደተይናታት ናብ ኣቴንስ ምስ ኣተዉ ዝቖመ ኮይኑ። እቲ ኤዛርቅና ክልተ ሰበኻታት ዝሓቖፈ ኮይኑ፡ እቲ ሓደ ኣብ ኣቴንስ ዝርከብ ካቴድራል ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ኣስታት 500 ኪሎ ሜተር ንሰሜን ርሑቑ፡ ጥቓ ተሰሎንቄ፡ ኣብ ያኒሳ ዝርከብ ምዃኑ ገሊጾም፥ ሸውዓተ ካህናት ኣለዉ፡ ማለት ክልተ ግሪኻውያን፡ ሓደ ስሎቫኪያዊ፡ ሓደ ናይ ከልዳዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ካብ ዒራቕ ምዃኖም ሓቢሮም፥

እተን ሰለስተ ማሕበረሰባት ኤዛርቅና ግሪኻውያን ካቶሊካውያን፡ ቅድሚ ኣስታት 28 ዓመት ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ዴስነት ኣብ ዩክሬን (ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ብሰንኪ ኲናት) ዝመጹ ካቶሊካውያን ዩክረይን፡ ከምኡ’ውን ናይ ምብራቕ ሶርያዊ ትውፊት ዘለዎም ናይ ከለዳዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ዒራቓውያን ክርስትያናት ዝውክል ምዃኑ ገሊጾም፥ እቲ ኤዛርቅና ምስ ኦርቶዶክሳውያን ክርስትያንን እስላምን ዝሰርሕ ናይቲ ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ኩላዊት ቤተ ክርስትያን ማሕበር ረድኤት ጨንፈር እውን ከም ዘለዎን ነቶም ሕማም መሃደምት (autosm) ዘለዎም ውልቀሰባት ድማ መሰረታዊ ሓገዝ ዘቕርብ ምዃኑ ሓቢሮም፥ ጳጳስ ኒን ኣብ ግሪኽ ዝርከብ ኤዛርቅና ኣብ ውሽጢ ካቶሊካዊ ትውፊት ዝርከብ ርእሰ ምሕድርቲ ቤተ ክርስቲያን ዝውክል ምዃኑ ኣመልኪቶም። ብዙሓት ድማ ነዚ ኹሉ ዓይነት ኣቃውማ ቤተ ክርስቲያን ዝፈልጡ ኣይኮነን፡ ስለዚ ሲኖዶስ ከኣ ነቶም ነዚ ዘይፈልጡ ብዛዕባ ተራ እተን ከም ናይ ኦርቶዶክስ ኣሕዋት ኣብያተ - ክርስትያን ሊጡርጊያን መንፈሳውነት ከምኡውን ቀኖናዊ ስነ - ስርዓት ዘለወን ምብራቓውያን ካቶሊካውያን ኣብያተ - ክርስትያን ንኽፈልጡ ኣጋጣሚ ከፊቱሎም እዩ እንክብሉ ይሕብሩ።

ካርዲናል ፈርናንደዝ ዝሃብዎ መብርሂ

ዕለት 21 ጥቅምቲ 2024 ዓ.ም. ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕልዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ፈርናንደዝ ኣብቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጕዳይ ድቁና ንደቂ ኣንስትዮ ዝብል ርእሰ ጉዳይ መፍትሒ ንምርካብ እቲ ሲኖዶስ ድሉው ኣይኮነን ዝበለዎ ኣጒሊሖም፡ ይኹን እምበር ዘተ ብዛዕባ እቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ - ክርስትያን ዘለወን ተራ ማእከል ናይቲ ናይ መደምደምታ መርሓ ግብሪ ኢዩ ነይሩ ከም ዝበሉን ኣባ ራድክሊፍ ሰባት ኣብ ቅብኣት ጥራይ ከድህቡ ዘይኮነስ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ታሪኽ ሊቅ ቤተ ክርስቲያን ዝብል መጸውዕ ዝተኣህበን ከም ዘለዋን ነዚ ዘለወን ዝለዓለ ቦታ እውን ኣብ ግምት ከእትዉ ተማሕጺኖም። ንዅሉ ነገራት ናብ ማዕርገ ድቁናን ክህነትን እንተ ነኪናዮ ናብ ኣተሓሳስባ ቄስስነት ጥራሕ ኢና እንኣተው፡ ስለዚ ኣብ ምሻም ዝብል ጉዳይ ምትኳር ነቲ ዓሚቕ መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ናብ ዝሽርሽር ሓደጋ እዩ ዝድርኸና” ክብሉ እንከለዉ፥ እናቴ ቤክዋርት ነዚ ነጥቢ እዚ ሒዘን፡ ደቂ ኣንስትዮ ድሮ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ልዑል ደረጃታት ከም ዘለወን ኣስሚረን፡ ከም ናይ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ዋና ኣመሓደርቲ ብካሪታስ ናይ ዝጽዋዕ ናይ ኩላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረዴት ጨናፍር ዝኣመሰሉ ትካላት መራሕቲ፡ ወይ ኣብ ውሽጢ ኤጲስቆጶሳዊ ዋዕላታት ኣብ ዝለዓለ ሓላፍነት ከም ዘለዋ ኣዘኻኺረን፥ መሪሕነት ደቂ ኣንስትዮ ንምድንፋዕ ብዙሕ መገድታት ከምዘሎን ብዙሓት ጳጳሳት ኣብዚ እዋን’ዚ ንደቂ ኣንስትዮ ሓፈሻዊ ልኡኻት ሃገረ ስብከት ገይሮም ዝሰመይወን ከምዘለዋ ኣብሪሀን፣ እዚ ድማ ኣብ ምሕደራ ዝለዓለ ተራ ዝህበን እዩ፥ ወሲኸን ቤተ ክርስቲያን ኣካል ሕብረተሰብ ስለዝኾነት ማሕበራውን ባህላውን ዕንቅፋታት ክሳብ ሕጂ ከምዘለዉ ገሊጸን፡ ንኣብነት፡ ምስ ጳጳሳት ኣንግሊካን ክዛረባ እንከለዋ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሓደ ወዲ ተባዕታይ ኣብ ምድላዋት ቤተ ክርስቲያን ዝገብሮ ኣበርክቶ ካብ ናይ ጓል ኣንስተይቲ ንላዕሊ ርዝነት ከም ዝወሃቦ ንጹር’ዩ፡ ዋላ’ውን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝተሸማሉ እዋን እውን እንተኾነ፡ በዚ ድማ ሓቀይና ምልዋጥ ኣተሓሳስባ የድሊ፡ ግዜ ድማ ክወስድ እዩ። ኣተሓሳስባታት ካብ ቤተ ክርስቲያን ጥራይ ዘይኮነስ ካብቲ እንነብረሉ ሕብረተሰብ ከም እንወርስ እውን ከም ዘስተብሃላን በዚ ንሰን ዝሃብዎ መብርሂ ድማ እቲ ኣብ መበል 15 ውዕሎ ሲኖዶስ ዘማእከለ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም እተዛዘመ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

22 October 2024, 15:56