2024.10.26 ናይ ሲኖዶስ ናይ መወዳእታ ሰነድ ስልጣናዊ ዋጋ ኣለዎ 2024.10.26 ናይ ሲኖዶስ ናይ መወዳእታ ሰነድ ስልጣናዊ ዋጋ ኣለዎ  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ናይ ሲኖዶስ ናይ መወዳእታ ሰነድ ስልጣናዊ ዋጋ ኣለዎ

ድሕሪ ምዝዛም ዕዮ 2ይ ክፋል መበል 16 ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝወጸ ናይ ፍጻሜ ሰነድን ኣብ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ ኣብ ከም ኣበርክቶ ዓለማውያን ምእመናን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ምፍጣር ውሑድ ሃይራርቃዊ ቤተ ክርስቲያን ዝኣመሰሉ መፍትሓውያን ነጥብታት ዘተኮረ እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ዕለት 26 ጥቅምቲ ምሸት ኣብ ናይ ሲኖዶስ ናይ መወዳእታ ሰነድ ንምዝታይ ኣብ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ ውዕሎ ዝተዋህበ መግለጺ፡ መራሕቲ ሲኖዶስ ንቤተ ክርስቲያን እንርድኣሉ ቋንቋን ኣረኣእያን ምቕያር ከምዘድሊ የመልክቱ።

ካብቲ “ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን” ከም ሓደ ዓይነት ብዙሕ ሃገራት ዝሓቖፈ ሓባራዊ ምትሕብባር ዝብል ራእይ ብምርሓቕ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ክንድኡ ከም “ሕብረት ኣብያተ ክርስቲያናት” ክትረአ እያ፣ ካብ ዓለማውያን ምመናን ደቂ ኣንስትዮን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ኣበርክቶ፡ እቲ ዛዕባ ድቁና ንደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት ሕቶ እውን ክፉት ኮይኑ ክቕጽል እዩ . . . ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝግበር መጽናዕቲ ክቕጽል እዩ!

ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሃን ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየተንን ናይ ሲኖዶስ ሽማግለ ሓበሬታ ኣቦ መንበር ፓውሎ ሩፊኒ፡ ካርዲናል ማሪዮ ግሬችን ካርዲናል ዣን ክላውድ ሆለሪክን ዝርከብዎም ወሰንቲ መራሕቲ ሲኖዶስ ከም እተሳተፉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ናይ ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ስልጣናዊ ዋጋ ኣለዎ

እቲ ቀዳማይ ዝቐረበ ሕቶ፡ ር.ሊ.ጳ. ሓዋርያዊ ምዕዳን ድሕረ ሲኖዶስ ንኸይውጽኡ ዝገበርዎ ምርጫን እዚ ንመጻኢ ሰነዳት ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት እንታይ ዘመልክት እዩ፡ እንታይ ጽዋል ይህልዎ?

ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ የኔታ ሪካርዶ ባቶኪዮ መርገጺ ር.ሊ.ጳ. ምስ Episcopalis communio - ኤጲስ ቆጳሳዊ ሕብረት ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ቅዋም ዝሰማማዕ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ር.ሊ.ጳ. ብግልጺ እንተ ኣጽዲቖሞ እቲ ሰነድ ኣካል ናይቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ስልጣናዊ ትምህርቲ እዩ ዝኸውን እንክብሉ ኣመልኪቶም - ከም ቀያዲ ስርዓት ዘይኮነስ ከም ጥምሮ መምርሒ መትከላት እዩ።

ካርዲናል ማሪዮ ግሬች ወሲኾም፡ ሲኖዶስ ንባዕሉ ሓያልን ጽቡቕን ተመክሮ ዘተን ሕብረትን ምዃኑ ሓቢሮም።

ካርዲናል ዣን ክላውድ ሆለሪኽ፡ ሎሚ ዓመት፡ ኣገባብ ሲኖዶስ ሱር ሰዲዱ ምስ ከደ፡ ዝተፈላለየ ኣረኣእያታት ብግልጺ ክምዝቐረበን፡ ሓቀይና ሲኖዳውነት ህያው ከም ዝኾነ ይሕብሩ።

ቤተ ክርስቲያን ሕብረት ደኣ እምነር ጥርናፈ ትካላት ኣይኮነትን

እቲ ናይ መወዳእታ ሰነድ ሓድሽ ኣገባብ ክህሉ ይጽውዕ፣ ድሕሪ ደጊም ንቤተ ክርስቲያን ከም ጨናፍር ዘለዋ ዝጠራነፍ ትካላት ዘይኮነስ ከም ሕብረት ኣብያተ ክርስቲያናት ምርኣይ ክህሉ ይድርኽ። “ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን” ዝብል ቃል ኣብ ውሽጢ ብዙሕነት ዘሎ ሓድነት ንምጉላሕ ዳግማይ ተቐሪጹ ኣሎ፣ ንከባብያውያን ኣብያተ ክርስቲያን ከም ትሕተ ቅርጺ ዘይኮነስ ከም ፍሉያት መግለጺ እምነት ኣብ ውሽጢ ሓደ ኣካል ክርስቶስ ዝርኣይ እዩ።

ከምቲ የኔታ ባቶኪዮ ዘነጸርዎ፡ እቲ ሰነድ “ዘይ - መምርሒ” ባህሪኡ ንጽልዋኡ ዘጉድል ዘይኮነስ ናብቲ ብብዙሕነት ዝተለለየ ስሙር ጉዕዞ ዝወስድ መንገዲ ዘመልክት ኮይኑ፡ እዚ ጉዕዞ’ዚ ንመበቆል ቤተ ክርስቲያን ዘንጸባርቕ እዩ። እዚ ራእይ እዚ ንቤተ ክርስቲያን ናብ ምልዋጥ ይጽውዕ - ግብረ ገባዊ ጥራይ ዘይኮነስ ዝምድናዊ - ዝዓሞቐን ዝተፈላለየን ቤተ ክርስቲያናዊ ዝምድናታት ዘተባብዕ እዩ።

ቤተ ክርስቲያን ሱር ዝሰደደትን ኣብ ንግደትን

ኣባ ጂያኮሞ ኮስታ እውን ብወገኖም ኣብ ሞንጎ ስደት ናይ ምብራቕ ስርዓት ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስትያን ሊጡርጊያዊ ስርዓታተን ምኽባር ዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶታት ክምልሱ እንከለዉ፡ ቤተክርስትያን “ሱር ዝሰደደትን ነጋዲትን” ምዃና ኣብ ምቕጻል ዘለዋ ተልእኾ የመላኽቱ። ነዚ ሃብታም ልምድታት ናብ ተነጽሎ ከይድረኽ ዝግበር ጥንቃቔ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮም፡ ሃብቲ ምብራቓውያን ኣብያተ ክርስቲያን ዳግማይ ምርካብ ዝብል ኣረእኣእያ ብብዙሕ ከም ዝጎለሐ ምስ ገለጹ፥ እናቴ ማርያ ደ ሎስ ዶሎረስ ፓለንሲያ ጎሜዝ ኣብ ሜክሲኮ ኣብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ካብ ልዕሊ ሰላሳ ሃገራት ዝተዋጽኡ ናይ ዝተፈላለያ ናይ ደናግልን ካህናትን ማሕበራት ልኡካነ ወንጌልን  ዝነብርዎ ተመክሮ መሰረት ገይረን እዚ ተመክሮ እዚ እምነት ዘሀብትም እዩ ከም ዝበላ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣባ ኮስታ ብተወሳኺ፡ ቤተ ክርስቲያን ላቲን ኣገዳሲ ኣካል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እኳ እንተኾነ፡ ንብምልእታ ቤተ ክርስቲያን ግን ከም ዘየጠቓልል ኣስሚሮም። እዚ ብዙሕነት እዚ፡ እምነት ኣብ መላእ ባህልታት ሱር ዝሰደደሉ ዝተፈላለየ መገድታት ዘርኢ ብምዃኑ፡ ምዕቃብ ዝሓትት እምበር ትረትን ዘይምትዕጽጻፍን ዝሓትት ኣይኮነን፡ “ቤተክርስትያን ዝተፈላለየ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ሰባት ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ደቂ ሓደ ሓደ ኣቦ ኮይኖም ሓድነት ዝረኽብሉ ማእከል ኮይና ከተገልግል ይግባእ” ክብሉ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ዝተዋደደ ተራ ዓለማውያንን ቅቡኣን ኣገልገልትን

ናይቲ ናይ መወዳእታ ሰነድ ሕጡበ - ጽሑፍ 76 ብምጥቃስ እቲ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣስዒቡ፡ ናይ ዓለማውያንን ቅቡኣን ኣገልገልትን ግደ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ተማላኢ ኣገልግሎት እምበር ከም ተቓውሞ ክረአ ከም  ዘይብሉ ከም ዘጒለሐን፥ ዓለማውያ ምእመናን ንኣገልገልቲ ካህናት “መማልእቲ - መምልኢ ክፍተት ኣብ ኣገልግሎት” ዘይኮኑስ፡ ብፍላይ ኣብተን ቤተክርስትያን ኣብ ክንዲ ሃይራርቃዊ መሰረት ዝገብር ኣብተን ሃይማኖትን ግብረ ገብን ዝንጽላ ዞባታት ዓለም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝሕቆፉ ኣብ ናይ ሓባር ተልእኾ ኣበርክቶ ዝገብሩ እዮም።

ካርዲናል ሆለሪኽ እውን ብወገኖም፥ ሊጡርጊያ ንተዓጻጻፍነት ክፉት ክኸውን ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ ዝያዳ ተሳትፎ ክህሉ ዘኽእል ምዃኑ ኣመልኪቶም። ንኣብነት ኣብ ሃገረ ስብከቶም ብተደጋጋሚ ብቋንቋ ፖርቱጋል ቅዳሴ ከም ዝዓርግን፣ እዚ ድማ ሰፊሕ ተሳትፎ ጉባኤ ዘተባብዕ ብራዚላዊ መጽሓፈ ቅዳሱ ይጥቀም። ኣብ ናይ ስንበት ስርዓተ ሊጡርጊያ ወንጌል ዘማእከለ ማሕበረሰባት ንምህናጽ ዘገልግል እውን ምዃኑ ከም ዘብርሁን

ክፉት ሕቶ ተእኽሎ ማዕርገ ድቋን ንደቂ ኣንስትዮ

ተሪፉ ዘሎ ክፉት ጉዳይ፡ ተኽእሎ ማዕርገ ድቁና ንደቂ ኣንስትዮ ዝብል ሕቶ ምዃኑ የኔታ ባቶኪዮ ገሊጾም፥ ኣብ ብዙሓት ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ደቂ ኣንስትዮ ድሮ ኣብ ሕንጸት ኣገልገልቲ ልዑል ተራ ከምዘለወንን ዓለማውያ ምእመናን ኣባይቲ ስድራን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ጻዕርታት ስልጠና ብንጥፈት ከምዝሳተፋን ገሊጾም።

ካርዲናል ግሬች እውን ብወገኖም፥ ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብ ሓደ ኤውሮጳዊ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ዝረኸብዎ ተመክሮ መሰረት ገይሮም፣ ዓለማውያ ምእመናን መጻምድቲ ድሮ ኣብ ህንጸት ካህናት ዘለዎም ተራ ሓቢሮም፡ ኣብ ብዙሓት ሃገረ ስብከታት ላቲን ኣመሪካ ዘሎ ልምዲ ምዃኑ እውን ከም ዝሓበሩን ካርዲናል ሆለሪክ እዚ “ኣዝዩ ረቂቕ ጉዳይ” ምዃኑ ኣሚኖም፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ተኽእሎ ድቁና ንደቂ ኣስንትዮ ከምዘየረጋገጽዎን ከምዘይነጸጉዎን ንዝያዳ መመያ ክፉት ሕቶ ኮይኑ ክጸንሕ ማለት ምዃኑ ድማ የብርሁ።

መጻኢ “ጉጅለታት መጽናዕቲ”

ነዚ መሰረት ብምግባር ዓሰርተ “ጉጅለ መጽናዕቲ” ሲኖዶስ ክሳብ ወርሐ ሰነ ኣብ ዘሎ ናይ ግዜ ገደብ ብዛዕባ እዚ ሕቶ ዝገብርዎ ዘለዉ መጽናዕቲ ክዛዝሙ መደብ ተታሒዙ ከም ዘሎ እንከመላኽቱ፥ ኣባ ኮስታ ነቲ ውጽኢት ናብቲ ኣብ ሲኖዶስ ዝተወከሉ ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት ክምለስ ትጽቢት ከም ዝገበር ድማ ኣመልኪቶም፣ እዚ ድማ ምስቲ ር.ሊ.ጳ. ክቕጽል ዝሓተትዎ ነዊሕ መመያ መሰረት ዝገበረ ኮይኑ እዚ እውን ብሃውሪ ካብ ምውሳን ብምስማዕ ንኣስተንትኖ ዝያዳ ዕድል ዝህብ እዩ ከም ዝበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

28 October 2024, 15:58