2024.10.26 ሰላም ኣብ ዝጸምኣ ዓለም ፍረ ሲኖዶስ ምምስካር 2024.10.26 ሰላም ኣብ ዝጸምኣ ዓለም ፍረ ሲኖዶስ ምምስካር  (Vatican Media)

ሰላም ኣብ ዝጸምኣ ዓለም ፍረ ሲኖዶስ ምምስካር

ኣብ ናይ መወዳእታ ኣኼባ ጉባኤ ሲኖዶስ ፓትሪያርክ ኢብራሂም ይስሓቅ ሰድራክ፣ ንዝተፈላለዩ መድረኻት ሲኖዶስ ብዓወት ምዝዛሙ፣ ብስም ኩሎም ዝተሳተፉ ምስጋናኦም የመሓላልፉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቆብጣውያን ካቶሊካውያን ፓትርያርክ ዘእስክንድርያ ከምኡውን ኣቦ መንበር ጉባኤ ፓትርያርክን ኣቡናትን ምስሪ ብጹዕነት ኢብራሂም ይስሓቕ ሰድራክ ዕለት 26 ጥቅምቲ ምሸት ኣብ መዛዘሙ ውዕሎ ሲኖዶስ ዛዕባ ሲኖዳውነት ኣብ መዓልታዊ ህይወትና መጀመርታ ዝዀነ ትንቢታዊ ዕዮ ምስጋናኦም የቕርቡ።

ዘዕብይ ጉዕዞ

ብስም ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ መደረ ዘስምዑ ፓትርያርክ ሴድራክ፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን መንፈስ ቅዱስን ዝተኻየደ ናይ ሲኖዶስ ሰለስተ መሰናድኦ ምዕራፋትን ክልተ ክፋላትን መሰረት ዝተኻየዱ ኣኼባታትን "ብክውንነታውን ብንጹርን" ኣብ ምውዳብ ኣበርክቶ ዝገበሩ ኩሎም ምስጋናኦም ኣቕሪቦም

ኣብ ግዜ ድኻምን ውጥረትን እውን ከይተረፈ ዓሚቝ ቈራጽነትን ሓጐስን ትብዓትን ጽንዓትን ዝመልኦ "ብሉጽ ናይ ሲኖዳውነት ተመክሮ" እንክብሉ ገሊጾም፥ ሕጂ ግን ሓንቲ ሓዳስ ምዕራፍ "ኣብ መዓልታዊ ናብራ ናይቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ዓቕለስያውያን ማሕበረሰባት" ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፍት እዩ እንክብሉ የስተብህሉ።

መልእኽቲ ሲኖዶስ ናብታ ንሰላም ዝጸምአት ዓለም

ከምቲ ኣብ ናይ መወዳእታ ሰነድ ናይዚ ስሩዕ ሓፈሻዊ መበል 16 ሲኖዶስ ተገሊጹ ዘሎ ፍረታት ሲኖዶስ ናብ ቅዱስ ኣቦና ዝቐርብ ነቲ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ኣምላኽ ዝግበር ጕዕዞ ከም ዘሐድስ ኢዩ። ኣበው ሲኖዶስ ብሓጐስን ብውዕዉዕ ስምዒትን ነዚ ተመክሮ እዚ ኣብታ "እተሓላለኸን መብዛሕትኡ ግዜ ንሓድሕዱ ዝጋጮን ትርጕም ሰላምን ዕርቅን ጽምኢ ዘለዋ" ዓለም የብጽሑ ኢሎም።

ገና ብዙሕ እዩ ኣብ ቅድሜና ዘሎ

"ኣብዘን ዓመታት ብሓባር ዝገበርናዮ ጉዕዞ ንኽንዓብን ክንበስልን ሓጊዙና እዩ፡ እንተኾነ ግን ገና ነዊሕ መንገዲ ይጽበየና ኣሎ" ኣንክብሉ ኣስተብሂሎም፥ መንፈስ ከም ሓቀይና ሃንዳሲ ቤተ ክርስቲያን ዘለዎ ተራ ብምጉላሕ "መንፈስ ሓድሽ ነገር ኣይገብርን እንታይ ደኣ ነገራት ኩሉ ዝሕድስ እዩ። እዚ ጉባኤ ድማ ነዚ ምሂሩና . . . ባዕሉ መንፈስ ቅዱስ ነቲ ኣብዚ ምሉእ ጉዕዞ ሲኖዶስ ዝተቐልቀለ ትንቢታዊ ቃል ኣብ ምፍላጥ ክመርሓና እዩ” ምስ በሉ ዘስምዕዎ መደረ፥

“እግዚኣብሕኤር ነፍሲ ወከፍና ኣብ ውሽጢ ሕብረትን ሕውነታዊ ፍቕርን ቦታና ንኽንረክብን ሓድነት ከይጎድአ ብዙሕነት ክንሓቁፍን ምሃረና። ብፍርሒ ዘይተኣስሩ ርእሰ ተኣማንነትን ነጻን ክንከውን ምሃረና። ልብና ንድምጺ ካልኦት እናኸፈትና ብዕምቆት ክንዝትን ክንሰምዕን ክንደፍር ምሃረና። ንፍቕሪ ኣምላኽ እትምስክርን ሓቀይና ህይወት ዘምጽእ ወንጌል እትእውጅን ቤተ ክርስቲያን ሞት ስዒርካ ዝተንሳእካ ክርስቶስ ብሓባር ንምህናጽ ጭቡጥ ስጉምትታት ክንወስድ ትብዓት ሃበና”

ብዝብል ጸሎት ከምዝዛዘሙ ዜና ቫትካን ኣፍሊጡ።

28 October 2024, 15:46