2024.10.26ወንጌል ኣብ ምእዋጅ ሱር ዝሰደደ ጉዕዞ 2024.10.26ወንጌል ኣብ ምእዋጅ ሱር ዝሰደደ ጉዕዞ  (Vatican Media) ርእሰ ዓንቀጽ

ወንጌል ኣብ ምእዋጅ ሱር ዝሰደደ ጉዕዞ

ናይ ዜና ቫቲካንን ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካን ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ኣብ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ፥ “ናይ ሲኖዶስ ብዛዕባ ሲኖዳውነት ናይ ፍጻመ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ምሉእ ብምሉእ ንምትግባር ዝመርሕ ጭቡጥ ስጉምቲ እዩ” እንክብሉ ይገልጽዎ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ዕለት 26 ጥቅምቲ ብሲኖዶስ ዝጸደቐ ሰነድ፡ ብካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝጀመረ ጉዕዞ፡ ዘቕጽልን ኣብ ኣብያተ ክርስቲያን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደረጃ ብጭቡጥ ክንበር ዘለዎን መድረኽ እዩ። ሲኖዳውነት ሕብረት ንምውሓስን ንምምስካርን መንገዲ ምዃኑ ዓሚቝ ኣፍልጦ እዩ። ቤተ ክርስቲያን ትካል ወይ ውድብ ኣይኮነትን፤ ኣቡናት "ህየንተ" ሮሜ ኣይኰኑን እቶም ምእመናን ከኣ ናይ ካህናት ውሳነታትን መምርሒታትን ዝፍጽሙ ጥራይ ኣይኰኑን። ቤተ - ክርስትያን ብሕብረት እትመላለስ ህዝቢ ኣምላኽ ኢያ - ምኽንያት ህላወኡ ኣብ ምሕደራ መሓውራት፣ ኣብ ስርዓተ ምሕደራ ኣባይቲ ጽሕፈት ወይ ስልጣናት ዝቖመ ኣይኮነን። ከምኡ’ውን ኣብ ዓለም ናይ ገዛእ ርእሱ ቦታ ንምስዓርን ንምክልኻልን ዝዓለመ ኣይኮነን። እቲ እንኮ ምኽንያት ምህላዉ ሎሚ፡ ኣብ ኩሉ ቦታታት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዘመንና ዝነብሩሉ፡ ዝሰርሑሉ፡ ዝሕጐሱሉ፡ ዝሳቐዩሉ ቦታታት ህልው ምግባር እዩ።

ስለዚ ፍጹም ፍሉይን ወንጌላውን ዝኾነ ናይ ምንባር ዝምድናን ምትእስሳርን ኣሎ። ልክዕ ከምቲ ኢየሱስ ዝመሃሮ መገዲ ብፍላይ ከም ናትና ዓይነት ምክፍፋል ጽልኢ ዓመጽ ከምኡውን ንሓቒ ምጒሳይ ኣብ ዚረኣየሉ እዋን ውሳነታት ክንገብረሉ መደብ ከነውጽእ ስጕምቲ ኽንወስድ እንገብረሉ ጭቡጥ መገዲ እዩ እዚ ንባዕሉ ምስክርነት እዩ።

ስለዚ ሲኖዳውነት ምንባር ነቲ ዋዕላ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ምትግባር ሓደ ስጕምቲ ምውሳድ ማለት ኢዩ። እዚ ኸኣ ንዅሉ ሰብ ቦታ ዘለዎን ኵሉ ሰብ ኣኽቢሩ ዚርኣየሉን ማሕበረሰብ ማለት ፍቕሪ ኣምላኽ ዚምስክሩሉን እዩ፡ ይቕረ እተባህሉ ሓጥኣን ማሕበረሰብ ማለት እዩ፥ ኣብ መበቆላውነት - ብመንጽር ኣብ መበገሲ ሱር ዝሰደደ – ቤተ ክርስቲያን ምዃን ማለት እዩ።

ሲኖዶስ ኣብ ዛዕባ ሲኖዳውነት ምስ ዝተፈላለየ ኣረኣእያታቱ ካብ ኩሉ ሰብ ብዙሕ ይሓትት። ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ይሓትት። ንሲኖዳውነት ከም ናይ ቤት ጽሕፈት ኣሰራርሓ ዕማም ​​ከይንቖጽሮ ብውሑዳት ንኣሽቱ ናይ መመላኽዒ ጽገናታት ምትእትታው ዝገብር ገርና ክንርእዮ የብልናን። እዚ ዅሉ ሳዕቤናት ዘለዎ ስቓይ ኣብ ክንዲ እንዓጽድ ብሓባር ክንመላለስ ዘሎና ባህጊ እንደገና ኽንረኽቦ እዩ ዚሓትተና። ንቤተ - ክርስትያኑ ብውህበት መንፈስ ቅዱስ ዝመርሓ ጐይታ ምዃኑ ርግጸይናታት ክንከውን ከሎና ነቲ ከይትንቀሳቐስ ዝገብር ቀያዲ ሰንሰለት ኽንድርብዮን ክንደፍርን ይሓተተና። ነቲ ንጴጥሮስ ዝተክኦ እውን ሓዊስካ ስልጣን ዚምልከት ማለት ኣገልግሎት ማለት ምዃኑ እንደገና በዚ ንኽንርድኦ ይሓተተና። ብዛዕባ ምእምናን ብፍላይ ከኣ ንደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ሓላፍነት ክወሃብ ይሓትት።

ሲኖዳውነት ኣባላታ ሱር ዝሰደደት - ኣብ ሓደ ቦታ፡ ኣብ ታሪኽ፡ ኣብ ሓደ ማሕበረሰብ፡ ኣብ ሓደ ዓውዲ - ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ድማ ነጋዲት ማለት ኣብ ምንቅስቓስ፡ ምድላይ፡ ልእኽቲ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ምስሊ እዩ። ቤተ ክርስቲያናዊ መሓውራት፡ ኣብዚ ሓድሽ ኣረኣእያ እዚ እቲ ዘደንቕ ህንጻታት ነቲ ተራ ምእመናን ክእከቡሉ ዘለዎም ቦታ ዘይኰነስ ነቲ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ዓለም ዝፍጽምዎ ኣገልግሎት ዝድግፍ ኢዩ።

ናይቲ ሰነድ ትሕዝቶ ድማ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ መላእ ቤተ ክርስቲያን ዘመሓልፍዎ ኩላዊ ተልእኾ ዝሕብር እዩ። ማለት ብመሰረት እቲ Evangelii gaudium - ናይ ወንጌል ሓሴት ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዝገልጽዎ "ትኸይድ ቤተ ክርስቲያን - ተጓዓዚት ቤተ ክርስቲያን" ከም ግምራዊ ምልከት ኮይኑ ዘይጸንሕ ወይ ኣብ መወዳእታ ናብ ተራ ጭርሖ ዘይወርድ፡ ግን ከኣ ብኣበርክቶ ኩሉ ምሉእ ብምሉእ ዝጭበጥ እዩ፡ እንክብሉ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ዘውጽእዎ ርእሰ ዓንቀጽ ይዛዝሙ።

(Andrea Tornielli)

28 October 2024, 15:53