ቅድስቲ መንበር ኣብ ሊባኖስ ኣብ ዘጋጠመ ቅልውላው ኣመልኪቱ ዝተኻየደ ኣህጉራዊ ጉባኤ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዕለት 24 ጥቅምቲ ነቲ ብመንግስቲ ፈረንሳ እተወደበ ሊባኖስ ንምድጋፍ ዝኣመተ ዋዕላ ወከልቲ 70 እተፈላለያ ሃገራትን ኣህጉራውያን ውድባትን ዘዛተየ ኮይኑ፥ ኣብቲ ርክብ ሃገረ ቫቲካን ወኪሎም ዝተሳተፉን መደረ ዘስምዑን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ምኽትል ዋና ጸሓፊ የኔታ ሚሮስላው ስታኒስላው ዋቾቭስኪ፡ ማሕበረሰብ ዓለም “ናጽነትን ሓድነትን ግዝኣታዊ ውሁድነትን” ሊባኖስ ክሕሉ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ማሕበረሰብ ዓለም ነታ ሃገር ክሕግዝ "ግዴታ" ኣለዎ
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ሊባኖስ ኣብ ዘሰቅቕ ቁጠባዊ ቅልውላው ትርከብ። ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ሓይልታት እስራኤል ንገለ ክፋል ደቡብ እታ ሃገር ከም ዝወረሩን የኔታ ዋቾውስኪ ቅድስቲ መንበር “ስቓይ ህዝቢ ሊባኖስ ትካፈል” እንክብሉ መደረኦም ኣበጊሶም፥ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብታ ሃገር ዘሎ ቅልውላው ብፍላይ ድማ ብኹሉ ግንባራት ቅልጡፍ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ውሳኔ ክደፍኣሉ “ግድን” ምዃኑ ገሊጾም፥
እሁዝ መንበር ርእሰ ብሔር
ቀጺሎም፥ “ኣብ ሊባኖስ መንጎ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ማሕበረሰባታ ስኒት ዘለዎ ሓባራዊ ህይወት” ኣብነት ምዃኑ ኣስሚሮም፥ ብመሰረት መብዛሕትኡ ግምታት፡ ኣስታት ሲሶ ካብ ህዝቢ ሊባኖስ ክርስትያን ከም ዝኾነን ምስዚ ብዝምልከት ቅድስቲ መንበር ኣብዚ እዋን’ዚ እታ ሃገር ርእሰ ብሔር ዘይብላ ኮይና ዘላትሉ ሃዋሁ ዘሻቕል ምዃኑ ኣብሪሆም፥ እዚ ተራ ማለት ናይ ርእሰ ብሔር ስልጣን ኩሉ ግዜ ብናይ ማሮናዊ ስርዓት ናይ እትክተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምእመን ዝተሓዝ ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ፡ በቲ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ምኽንያት ሊባኖስ ንኣስታት ክልተ ዓመት ርእሰ ብሔር ዘይብላ ኮይና ኣላ፡ “ስልጣን ርእሰ ብሔር” ይብሉ የኔታ ዋቾውስኪ፥ “ናጽነትን ሓድነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ሊባኖስ ንምሕላው ኣማራጺ ጥራይ ዘይኮነስ ኣድላይነት እዩ” ስለዚ ርእሰ ብሔር ምሻም “ዝለዓለ ህጹጽነት” ዘለዎ ሕቶ ምዃኑ ብኣጽንዖት ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሰብኣዊ ሕጊ ምኽባር
ናብቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ደቡብ እታ ሃገር ዝለዓል ዘሎ ግጭት ኣቓልቦ ገይሮም፥ ቅድስቲ መንበር፡ ኣብ ሓለዋ ኣገልግሎት መወሃቢ ክንክን ጥዕና፡ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ትካላት ሕንጸትን ቦታታት ኣምልኾን ሓዊሱ፡ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ”ዝለዓለ ኣኽብሮት” ክረኽብ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ ቅድስቲ መንበር ነቲ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ዝርከብ ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብሓይልታት እስራኤል ብተደጋጋሚ መጥቓዕቲ ንዝወርዶ ዘሎ ድማ ድጋፋ ትገልጽ ቢሎም ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ዓቃቢ ሰላም ዝወርድ መጥቃዕቲ ከይህሉ ሓደራ ከም ዝበሉ ዝሓበረን ዜና ቫቲካን፥ ኣብ 2021 ዓ.ም. ኣብ ቫቲካን ምንቲ ሰላም ኣብ ሊባኖስ ኣሚቱ ኣብ ዝተኻየደ ኤቁመናዊ ጸሎት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥
“ድሕሪ ደጊም ንሊባኖስን ማእከላይ ምብራቕን መዓደኒ ረብሓን መኽሰብን ምጥቃም ኣይሃሉ! ሊባኖሳውያን ኣብ ሃገሮም ኰነ ኣብ ዘየድሊ እደ ኣታውነት ኸይኣተዉ ቀንዲ ተዋሳእቲ ዝሓሸ መጻኢናይ ምዃን ኣጋጣሚ ኽወሃቦም ኣለዎ"
እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ጠቒሶም መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።