ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ቅዱስ ኣፍደገ ዓመተ ኢዮቤል 2025 መግለጺ ኣውጺኣ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ቀቅድሚ እቲ ዝቀራረብ ዘሎ ዓመት እልልታ 2025 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ “ተስፋ ኣየሕፍርን ኢዩ” ኣብ ዘርእስቱ ኣዋጅ መምርሒታት ኢዮቤል ኣብ ዝሃብዎ መምርሒ ብዘይካ እቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቤት ማእሰርቲ “ንእሱራት ጭቡጥ ምልክት ቅርበቶም ንምሃብ” ቅዱስነቶም ባዕሎም ዝኸፍትዎ ቅዱስ ኣፍደገን ከምኡ ውን "ቅዱስ ኣፍ ደገ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስን ካልኦት ሰለስተ ጳጳሳውያን ብዚሊካታት ማለት ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይን፡ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ላተራንን ከምኡ ውን ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ስግር መናድቕ ከተማ ሮማን" ተባሂሎም ኣብዝጽውዑ ኣብያተ ክርስቲያን ጥራይ ከም ዝኽፈት ኣመልኪቶም ።
እዚ ድማ በታ ትማሊ ሓሙስ ዕለት 1 ነሓሰ ካብ ናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጉዳያት ስብከተ ወንጌል ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ዝወጸ መግለጺ ተረጋጊጹ ኣሎ።
እቲ መግለጺ ከም ዘመልክቶ ኣብቶም ኣብ ከተማ ሮሜ ኣብ ዚርከቡ ባዚሊካታት ብዛዕባ ምኽፋት እቲ ቅዱስ ኣፍደገ ውን መምርሒ ይህብ ።
"ዓመት ኢዮቤል 2025 ይቐርብ ስለ ዘሎ፣ ኣብዚ ቐረባ እዋናት ኣብ ኣብያተ-ክርስትያን ካቶድራላትን ኣህጉራውንን ሃገራውያንን ኣብያተ-ክርስቲያን መካነ ንግደታትን ከምኡውን ኣብ ካልእ ኣገዳሲ ቦታታት ኣምልኾ ቅዱስ ኣፍደገ ንምድላውን ንምኽፋትን መደብ ብዛዕባ ምግባር ሕቶ ተላዒሉ ኣሎ።"
ብዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስን ካልኦት ጳጳሳውያን ብዚሊካታትን
ስለዚ እምበር "ኣብዚ መዳይ እዚ ነቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዝነኣድ ትምኒት ዘሕደረ ናይ ጕስነትን መንፈሳውነትን ድራኸታት ተጠንቂቕና ኽንምርምሮ ኸለና፣ ነቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኣዋጆም ከም ዘጽደቕዎ ቕኑዕ መርትዖታት ምዝካር ኣድላዪ ኢዩ! " ይብሉ፣ እዚ ድማ ነቲ ኣብታ ትቀራረብ ዘላ ዓመተ ኢዮቤል 2025 ዝኽፈት ቅዱስ ኣፍ ደገታት ኣበይ ኣበይ ከም ዝኾነ ከም ብሓድሽ ዘረጋግጽ ኢዩ ።
ኣብቲ ዝወጸ መግለሲ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ተጠቒሙ "እቲ ካብ ዓመተ ኢዮቤል 1300 ኣትሒዙ እተገልጸ ፍልይ ዝበለን መለለዪን ምልክት ዓመት ኢዮቤል በቲ ምስጢረ ንስሓን ከምኡውን በቲ ምልክት ናይ ግብረ-ሰናይን ተስፋን ኣቢሉ 'ነቲ ደረት ዘይብሉ ምሉእ ምሕረት ኣምላኽ ንምግላጽ' እተገብረ ፍቓድ ኢዩ" ብምባል ይገልጽ። ነዚ ንምምካር ድማ ብመጀመርያ ደረጃ ዝኽፈት ዝነበረ ቅዱስ ኣፍደ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኢዩ ዝነበረ።
ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው "ነዚ ናይ ጸጋ እዋን እዚ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽነብርዎ ምእመናን ነቲ ብ13 ግንቦት 2024 ዝወጸ ኣዋጅ ናይ ሓዋርያዊ ቤተ ኑዛዜ ብዛዕባ ፍሉይ ቦታታትን እተፈላለየ ስርዓታትን ክውከስዎ" ይምሕጸን።
ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ዓመት ኢዮቤል
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብታ ተስፋ ኣየሕፍን ኢዩ! ዘርእስቱ ኣዋጅ ዓመት ኢዮቤል፣ ድሮ በዓለ ልደት 2024 ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ ኣፍደገ ብምኽፋት ከም ዝጅምር ኣፍለጡ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ምልክት መኽፈቲ ዓመተ ኢዮቤል 2025 ነቲ ቅዱስ ኣፍ ደገ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ጥራይ ኢዮም ዝኸፍቱ። መብዛሕትኡ ግዜ ምጅማር ቅዱስ ዓመት ንምሕባር ዚኽፈት ናይ መጀመርታ ማዕጾ ድማ ንሱ ክንዲ ዝኾነ ። ናይዚ ኩነት እዚ ናይ መጀመርታ መርትዖ እቲ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝግበር ዝነበረ ጽምብል ብ1500 ዓ.ም. ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣሌክሳንደር ሻድሻይ ዝተኻየደ ኢዮቤል ኢዩ ዝነብረ ።
ጸኒሑ ብ29 ታሕሳስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ናይ ርእሰ-ባዚሊካታት ቅዱስ ዮሓንስ ላተርን ካቴድራል ሮማ ቅዱስ ኣፍ ደገ ክኸፍትዎ ኢዮም ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከብ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ካቴድራላት ንዓመተ ኢዮቤል ንምጽንባል ጳጳሳዊ መሥዋዕተ ቅዳሴ በዓል ልደት ክዓርግ ኢዩ።
ብ1 ጥሪ 2025 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንናይ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ቅዱስ ኣፍ ደገ ብምኽፋት ክብረ በዓል ቅድስተ ማርያም ወላዲተ ኣምላክ ክጽንብሉ ኢዮም። ኣብ ዕለተ ሰንበት ዕለት 5 ጥሪ ድማ ኣብ ዋዜማ በዓለ ኣስተርእዮ ነቲ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ስግር መናድቕ ሮማ ዝርከብ ቅዱስ ኣፍ ደገ ክኸፍቱ ኢዮም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ኣብታ ዓመት እቲኣ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብቲ ብዛዕባ ተስፋ ዚገልጽ ኣዋጅ ጸጋ ኣምላኽን ኣብቲ ንድሕነቶም ዚምስክር ምልክታትን ምሉእ ብምሉእ ንኺሳተፉ ዝከኣሎም ናብ ምስጢረ ንስሓ ምስታፍን፣ ግብረ ሠናይን ተስፋን ክጽመዱ ኣለዎም " ክብሉ ጸሓፉ ።
ብዕለት 28 ታሕሳስ 2025 ዓመተ ኢዮቤል ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከባ ናይ ከባቢታት ኣብያተ -ክርስትያን ክዛዘም ኢዩ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ቅዱስ ኣፍደገ ብዚሊካታት ቅዱስ ዮሓንስ ላተራን ቅድስተ ማርያም ዓቢይ፡ ቅዱስ ጳውሎስ ስግር መናድቕ ሮማን ክዕጾ ኢዩ ።
ኣብ መወዳእታ ዓመተ ኢዮቤል ኣብ ከተማ ሮማ ብዕለት 6 ጥሪ 2026 ኣብ ኸብር በዓለ ኣስተርእዮ ብወግዒ ኺዛዘም እዩ።