ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንመንእሰያት ፔሩ፡ ናይ ክርስቶስ 'ጨውን ብርሃንን' ኩኑ!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ካብ ዕለት 30 ሓምለ ክሳብ 2 ነሓሰ ኣብ ከተማ ቹሉካናስ ዝካየድ ሃገራዊ መዓልቲ መንእሰያት ፔሩ (JNJ) 2026 ዝሳተፉ ንዘለዉ መንእሰያት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየተ መልእኽቲ፡ ሎሚ ብዙሓት ሰባት "እቲ ንኽርስቶስ ዘፍቅር መንእሰይ ከቕርቦ ዝኽእል ሓጎስን ተላባዒን ምስክርነት" ከምዘድልዮም ኣጽኒዖም የዘኻኽሩ።

ዜና ቫቲካን

"ኣብቶም ዝሳቐዩ ዘለዉ ብዙሓት ልብታት ተስፋ ንምብራህ መጋበርያ ኣምላኽ ክትከውን ኣይትፍራሕ"

ብዝብላ ቃላት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንተሳተፍቲ ናይቲ ካብ ዕለት 30 ሓምለ ክሳብ ዕለት 2 ነሓሰ ኣብ ዞባ ፒዩራ ከተማ ቹሉካናስ ኣብ ዝካየድ ሃገራዊ መዓልቲ መንእሰያት ፔሩ (JNJ) 2026 ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከም ዘበገሱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ እቲ ሃገራዊ መዓልቲ መንእሰያት ፐሩ ንተሳተፍቲ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለዎም ውልቃዊ ርክብ ንምሕያልን ብሓድነትን ሲኖዳውነትን ተልእኾ ወንጌልን ዝተጠርነፈት ቤተ ክርስቲያን ንምትብባዕ ዝዓለመ ምዃኑ የመላኽት።

ንሕይወት ቤተ ክርስቲያን ዘሐድስን ዘደልድልን ፍጻመ

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልኽቲ ነቶም ካብ መላእ ፔሩ ዝመጹ ልዕሊ 4,000 ተሳተፍቲ - መንእሰያትን ጳጳሳትን ካህናትን ከምኡ’ውን ኣባላት ሰብ ውፉይ ህየውትን ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ነቲ መደብ ብዓቢ ሓላፍነትን ፍቕርን ንዘዳለዉ ኣመስጊኖም። ነዚ ተበግሶ እዚ "ንሕይወት ቤተ ክርስቲያን ዘሐድስን ዘሐይልን እዩ” እንክብሉ ገሊጾም "ነዚ ተበግሶ ምላሽ ዝሃብኩም ብልቢ እመስግነኩም" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ተባዕ ምዃንን ምስክርነት ምሃብን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እዚ ብኤጲስቆጶሳዊ ሽማግለ ጉዳይ መንእሰያትን ዓለማውያን ምእመናን ምስ ሃገረ ስብከት ቹሉካናስ ብምትሕብባር ዝተዳለወ ሃገራዊ ቅነ መንእሰያት ካቶሊካውያን ፐሩ፡“ተባዕ ኵን ክርስቶስ ህያው እዩ”  ዝብል መርሕ ቃል ዘለዎ ምዃኑ ብምዝካር መንእሰያት ብክርስቶስ ሓቢርካ ምንባር ከም ዝከኣል ክምስክሩ ኣተባቢዖም፡ "ርግጸይናነት ህያው ህላወ ጎይታ ኣብ ማእከልና እቲ ተባዕ ክንከውን ዝላበወና ውሽጣዊ ሃልሃልታ እዩ" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ እቶም መንእሰያት ኪኖ "ምሾት ውልቃውነት" ክስጉሙ፡ ኣካል "ማሕበረሰብ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ እምነት" ክኾኑ"፡ "ሓቀይና ማእሰር ዕርክነት" ክፈጥሩን "ብክርስቶስ ሓቢርካ ምንባር ዝከኣል ምዃኑ" ክምስክሩን ድማ ከም ዘተባብዑ ኣፍሊጡ።

ተስፋ ዳግማይ ንምብራህ መሳርሒ ኣምላኽ ኩኑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቶም መንእሰያት ኣብዘን መዓልታት እዚኣተን ጎይታ ከንብረሎም ዝደሊ ህያባት ክቕበሉ ልቦም ክኸፍቱ ዓዲሞም፡ "ኣብቶም ዝሳቐዩ ዘለዉ ማእለያ ዘይብሉ ብዙሓት ልብታት ተስፋ ንምብራህ መጋበርያ ኣምላኽ ክትኮኑ ኣይትፍርሑ - ቢሎም - ተሞክሮ ናይቲ ምትእኽኻብ ንውልቆም ከይዕቅብዎ ድማ ኣተሓሳሲቦም፡ "ኣብ ናይ ኢድ ተለፎናትኩም ኣብ ዘሎ ስእልታት ወይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ኣትካፈልዎ ናይ ምስማዐ ርእየት ምስልታት ኮይኑ ክተርፍ ኣይትፍቀዱ፡ ኣብ ክንድኡስ፡ ሎሚ ብዙሓት ሰባት "እቲ ንኽርስቶስ ዘፍቅር መንእሰይ ከቕርቦ ዝኽእል ሓጎስን ተላባዕን ምስክርነት" ከም ዘድልዮም ብምግላጽ፡ ብመስካሪ ህይወት ኣቢሎም ከካፍልዎ ድማ ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ፔሩ ጨውን ብርሃንን ክርስቶስ ኩኑ

ቅዱስ ኣቦና ሓዋርያዊ ቡራኬ ቅድሚ ምቕራቦም፡ ኣብ ሃገራዊ መዓልቲ መንእሰያት ፐሩ ዝሳተፉ ኩሎም ንኣማላድነት ወንጌላዊት እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣወኪፎም፡ "ኣብዛ ፍቕርቲ ምድሪ ፔሩ 'ጨውን ብርሃንን' ክርስቶስ ምእንቲ ክትኮኑ ተማልደልኩም። እግዚኣብሄር ይባርኽኩም!" እክብሉ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከም ዝዛዝሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

01 Aug 2026, 17:18