ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ወርሒ ሕዳር ናብ ኡራጋይን ኣርጀንቲናን ፔሩን ክበጽሑ እዮም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ወርሒ ሕዳር ናብ ኡራጋይን ኣርጀንቲናን ፔሩን ክበጽሑ እዮም  (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ወርሒ ሕዳር ናብ ኡራጋይን ኣርጀንቲናን ፔሩን ክበጽሑ እዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ወርሒ ሕዳር 2026 ናብ ኡራጋይን ኣርጀንቲናን ፔሩን ሓዋርያዊ ጉዕዞ ከካይዱ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ዜና ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ መበል 14 ካብ ዕለት 6 ክሳብ 17 ሕዳር ናብ ኡራጋይን ኣርጀንቲናን ፔሩን ሓዋርያዊ ጉዕዞ ካካይዱ ምዃኖም ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ፡ ቅዱስነቶም ካብ ዕለት 6 ክሳብ 8 ሕዳር ኣብ ኡራጉዋይ ናብ ሞንተቪድዮ፣ ፓይሳንዱን ፍሎሪዳን ክበጽሑ እዮም፤ ካብ 8 ክሳብ 11 ሕዳር ኣብ ኣርጀንቲና ቡዌኖስ ኣይረስ፡ ኮርዶባን ሉኻንን፤ ከምኡ’ውን ካብ 11 ክሳብ 17 ሕዳር ኣብ ፐሩ ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርዊ ምብጻሕ ኣብ ሊማ፡ ቺክላዮ፡ ኩስኮን ፑካልፓን ዑደት ከካይዱ ምዃኖም የመላኽት።

ኡራጉዋይ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ካቶሊካውያን 36% ጥራይ ዝኾኑላ ኣብ መላእ ላቲን ኣመሪካ ዝወሓደ ቁጽሪ ካቶሊካውያን ዘለዋ ሃገር እያ። ኣርጀንቲና ብወገኑ ካብ ቡኤኖስ ኣየርስ ዝመጹ ነፍስሄር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ናይ 12 ዓመት ርእሰ ሊቃነ ጳጵስናኦም ክበጽሑ እኳ እንተዘይከኣሉ፣ ዓዲ ናይቶም ቅድሚ ር.ሊ.ጳ. ልዮን ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እያ።

ፔሩ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣጸቢቖም ዝፈልጥዋ ሃገር እያ - ፈለማ ኣብ 1980ታት ከም ወንጌላዊ ልኡኽ፡ ድሓር ኣብኡ ጳጳስ ኮይኖም ዘገልገሉላን ዜግነት ዝተወሃቡላን ሃገር እያ።

ኣብዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ሓደ መዓልታት ዓሰርተ ከተማታት ክበጽሑ ዝገብር ናብ ላቲን ኣመሪካ ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ጉዝዕ ሻድሻይ ኣህጉራዊ ጉዕዞኦም ክኸውን እዩ። እቲ ናይ ጉዕዞ መደብ ኣብ ግዚኡ ክዝርጋሕ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመላኽት።

06 Aug 2026, 17:15