ር.ሊ.ጳ. ንካርዲናል ሲሞኒ፡ ዝኾነ ቤት ማሕቡስ ንሰብ ካብ ፍቕሪ ኣምላኽ ክፈልዮ ኣይክእልን እዩ!
ዜና ቫቲካን
“ብወንጌል ዝበርሀ ሕልና ክኣስር ዝኽእል ሰንሰለት የሎን፤ እግዚኣብሄር ንደቁ ዘዳልዎ ወጋሕታ ክኽልክል ዝኽእል ለይቲ ኣይክህሉን እዩ፤ ንሰብ ካብ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ዝፈልዮ ቤት ማሕቡስ ክህሉ ኣይክእልን እዩ” እንክብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሮማውያ ኣብ ዝጸሓፎ 8፡35 – 39 ዘሎ ኣማእኪሎም፡ ነቶም ኣብኡ ዝተሳቐዩ ወይ ዝሞቱ ንምዝካር ዕለት 31 ሓምለ ኣብቲ ናይ ቀደም ቤት ማሕቡስ ስፓች 18 ዓመት ጉዱድ ናይ ጉልበት ስራሕ ተፈሪድዎም ብርቱዕ ስቓይ ዘሕለፉ ኣልባንያዊ ካርዲናል ኤርነስት ሲሞኒ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘዕረጉሉ መዓልቲ ኣብ ዘመሓላለፉሎም ምለእኽቲ፡ ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ክፈልየና ዝኽእል ሰብ ኮነ ኩነት ክህሉ ከም ዘይክእል ኣጽንዖም የዘኻኽሩ።
ብዙሓት ናይ ዘይፍትሓዊ ተግባራት መስቀል ዚጾሩሉ ቦታ
"እቲ ኣብ ዝኽሪ ህዝቢ ኣልባንያ ብዕምቆት ዝተቐርጸ ቦታ፡ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ካብቶም ኣዝዮም መሪር ምዕራፋት ኮይኑ ዝቕጽል ዘሎ፡ ስፓች ብዙሓት ከቢድ መስቀል በደል ዝተሰከሙሉ ቦታ እዩ ነይሩ" እንክብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ካርዲናል ሲኖኒ ኣብ መዛዘሚ ንዝኽሪ እቶም ኣብቲ ቤት ማሕቡስ ዝተሳቐዩን ህይወቶም ዝሰኣኑን ሓሳብ ገይሮም ዘዕረግዎ መስዋእተ ቅዳሴ ኣብ ዝተነበ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣጒሊሖም፡ "ደም እቶም ኣብቲ ኣኽራን እተሳቐዩን ዝሞቱን ነታ ምድሪ መስኖ ተኣማንነትን ትብዓትን ተስፋን ምስክር ክትከውን ገበራ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ ትሕቲ ዴስነታዊ ስርዓት ንዝተፈጸመ ስደት ምስክር
ሕጂ ወዲ 97 ዓመት ዝዕድሚኦም ካርዲናል ሲሞኒ ናብቲ ዝበዝሕ ናይ 18 ዓመታት ንግዱድ ናይ ጉልበ ስራሕ ተፈሪድዎም ዘሕለፉሉ ቤት ማሕቡስ ዝምለሱ ዘለዉ፡ “ንመስቀል ካብ ምልክት ሞት ናብ መብጽዓ ሕይወት ዝቐየረ መስዋእቲ ክርስቶስ ንምጽንባል እዩ” እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣስተብሂሎም፡ ካርዲናል ኣብ ኣልባንያ፡ ስርዓት ዴስነት ዝፈጸሞ ኣሳዶ ብቐጥታ ዝተመከሩ ኣብ መጀመርታ ከም ጸላኢ ህዝቢ ንሞት ዝተፈርዱ፡ ድሒሩ እቲ ናይ ሞት ፍርዲ ናብ ማእሰርቲ ተቐይሩሎም ኣብኡ ድማ ኣብ ግዱድ ስርሕ ከሕልፍዎ ተወሲንዎም ነዚ ኹሉ ስቓይን መከራን ዝተጻወሩ እዮም።
ብሕቡ ቅዳሴ ኣብ ዝዕርገሉ እዋን ንህይወተይ እየ ኣብ ሓደጋ እየ ዘእትዋ ዝነበርኩ
ካርዲናል ሲሞኒ ኣብ ቤት ማሕቡስ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ብሕቡእ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘዕርጉሉ እዋን፡ ህይወተይ ኣብ ሓደጋ የእትዋ ነይረ" እንክብሉ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ኣስተብሂሎም፡ ብሕቡእ እውን ምስጢረ ንስሓ ይሰርዑ ከም ዝነበሩ ዘኪሮም፡ እዚ ክፍጽም “እንተዝረኽቡኒ ብኡንብኡ ምሰቐሉኒ ነይሮም” ቢሎም፡ ንሶምን ካልኦትን ዘሕለፍዎ ስቓይን ሞትን ከም ዝዘከሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ጸሎት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ምልክት ኣብ ዘይብሉ መቓብር ዝተቐብሩ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ብዛዕባ እቲ ዝሓለፈ ዓመታት መስጐጕቲ "ካብታ ቦታ እቲኣ ኽንደይ ጸሎት ናብ ሰማይ ክብ ከም ዝበለ መን ይፈልጥ? ክንደይ ናይ ጽሞና ጸሎት ተሰምዐ? ክንደይ ውጅህታት ብጸገምን ድኻምን ዝመልአ ናይ መወዳእታ ተስፋኦም ንጐይታ ሕድሪ ሂቦም?" እንክብሉ ብምስትንታን፡ ምእንቲ ነፍሲ ወከፎ እቶም ዝተሳቐዩን ህይወቶም ዝሰኣኑን ሰብኡትን ኣንስትን፡ ምልክት ኣብ ዘይብሉ መቓብር ዝተቐብሩ” እንክብሉ ብምዝካር፡ "ተዘክሮኦም ህያው ኪኸውንን ንሓደስቲ ወለዶታት ብዛዕባ ዘይግሃስ ክብረት ነፍሲ ወከፍ ሰብን ዋጋ ሓርነትን ንሰላም ዘለዎ ቘራጽነትን ወትሩ መዘኻኸሪ ኪኸውን እድልይ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
