ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ  (Cremildo Alexandre, Rádio Encontro (Nampula, Moçambique))

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሞዛምቢክ ናይ ዛይ - ሻይ ሊቀ ጳጳሳትን ሃዋርያዊ መስተናብር ዛይ - ሻይ ዜና ዕረፍቲ ካርዲናል ላንጋ ምስ ተሓበሮም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልኽቲ ቴለግራም፡ “ካርዲናል ላንጋ ብጸገማት ተስፋ ክቖርጹ ብዘይምፍቃድ ብተራን ቕንኣትን ብጽንዓትን ነቶም ብሓላፍነት ዝተዋህቦም መጓሰ” ዝተወፈዩ እንክብሉ ይገልጽዎም።

ዜና ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንኣስታት 28 ዓመታት ሰበኻ ሞዛምቢክ ዛይ-ሻይ ዝመርሑ ዕለት 3 ነሓሰ ኣብ መበል 98 ዓመት ዕድመኦም ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩ ልሂቅ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ጁልዮ ዱዋርተ ላንጋ ብምዝካር፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ናይ ሞዛምቢክ ናይ ዛይ - ሻይ ሊቀው ጳጳሳትን ሃዋርያዊ መስተናብር ሓዋርያዊ ዛይ - ሻይ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም "ንጳጳሳት ሞዛምቢክ፡ ንቤተሰብ እዚ ፍቑር ሓው፡ ብተወፋይነት ንዘገልገለሉ ሃገረ ስብከት፡ ከምኡ’ውን ንመላእ ሃገር ከምዚ ዝኣመሰለ ተባዕ ጓሳ ብምስኣና ኣብ እትሓዝንሉ እዋን፡ መንፈሳዊ ቅርበቶምን ጽንዓት ካብ እግዚብሔር ጸንዓትን ምጽንናዕን ተማሕጺኖም።

ናብ መጻኢ ሕውነት ምስራሕ

ኣብዚ ናይ ሓዘን ህሞት፡ ግን ከኣ "ልዕሊ ኩሉ ተስፋ"፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንእግዚኣብሔር ስለ "ነዊሕ ዕድመ ዶም ጁልዮን ንጸጋ ክህነቱ ንሞዛምቢክን ንኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን" ኣመስጊኖም። ገለ ካብቲ ፍሉይ መዳያት ናይ ነፍስሄር ካርዲናል ኣብ ኣገልግሎት ጉስነት "ንኢየሱስ፡ መምህሩን ጎይታኡን እሙን" ኣንክብሉ ገሊጾም፡ ካርዲናል ላንጋ "ኣብ ጉስነት ነፍሳት ናይ ምቅርራብ ስነ - ጥበብ ተማሂሮም፡ ብገርሀይናነትን ብቕንኣትን ብጽንዓትን ነቶም ብሓላፍነት ዝተዋህቦም መጓሰ ዝተወፍዩ" ቢሎም፡ ብጸገማት ተስፋ ክቖርጽ ኣይፈቐደን፡ ኣብቶም ተመሳሳሊ ጸገማት ግን ቃል ብስራት ዝጸምኡ ቦታታት ዘለለዩ፡ ብፍላይ ኣብ መንጎ ኩሎም ሞዛምቢካውያን መጻኢ ሕውነት ወንጌላዊ ሰላምን ዕርቅን ምእዋጅ ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ እዋን” እንክብሉ ቅዱሰቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሃዘን መግለጺ ተለግራም የስተብህሉ።

06 Aug 2026, 17:13