ድለ

ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ወርሒ ነሓሰ ናይ ጸሎት ሓሳብ 'ንስብከት ወንጌል ኣብ ከተማ'ታት'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ወርሒ ነሓሰ ናይ ጸሎት ሓሳብ ከም ዘቕረቡን እዚ ድማ ካቶሊካውያን ‘ኣብታ ከተማ ስለ ዝካየድ ስብከተ ወንጌል’ ክጽልዩ ዝዕድም ኮይኑ፣ ጐይታ ነቶም ኣብ ሞንጎ ጫውጫውን ታህዋኽን ትርጉም ዝደልዩ ሚልዮናት ከሰንዮም ዝምሕጸን እዩ።

ዜና ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ካቶሊካውያን ኣብዚ ወርሒ ነሓሰ 2026 ኣብ ከተማታት ስለ ዝካየድ ስብከተ ወንጌል ክጽልዩን ኣብዚ ጸሎት እዚ ምስኦም ክጽንበሩ ኣብቲ ብናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዓለም ለኸ መርበብ ጸሎት ኣብ ዝተዳለወ “ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብሓባር ንጸልይ” ብዝብል ኣርእስቲ ዕለት 31 ሓምለ ኣብ ዝፈነዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእክቲ ይምሕጸኑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ጸሎቶም ነቲ “ብጎደናታትናን ቅርዓትን ከተማታት ዝሓልፍ” “ሕያዋይ ጓሳ” “ኣብ ነዋሕቲ ህንጻታትን ትሑታት ከባቢታትን ክኣቱ” ከምኡ’ውን ነቶም “ኣብ ሞንጎ ጫውጫውታን ህውከትን ትርጉም ዝደልዩ” ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት “ከሰንዮም” ይሓቱ።

እቶም ኣብ ቺካጎ እተወልዱ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከተማታት ናይ "ናጽነትን ኣጋጣሚታትን" ከም ዝኾና ኣፍልጦ ዘለዎም እውን እተኾነ "ስሞም ናይ ዘይፍለጥን ዝተገለሉን ቦታታት" ክዀና ከም ዝኽእላ ይግንዘቡ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኣብ ከተማታት ዘሎ ሃዋህው ብወንጌል ንምስባኽ "ፍርያም መሬት" ኪዀኖ ከም ዘኽእለን ዘለዎም ተስፋ ይገልጹ።

ስለዚ ቅዱስ ኣቦና ምእመናን "ተራን ፍቕራውን ምንቅስቓስ" ክገብሩ ከምኡውን ከም ማሕበረሰብ ብሓባር ነዚ ክትግብሩን ከምኡውን ምስ ዘይምግዳስን ምግልጋልን ብህላወን ሕውነትን ክቃለሱ ይጽልዩ።

ኣብዚ እዋን እዚ ዳርጋ 45 ሚእታዊት ህዝቢ ዓለም ኣብ ከተማታት እዩ ዚነብር። ጸብጻብ ስነ ህዝቢ ጽዑቕ ምትእኽኻብ ሰባት ይዓቢ ከም ዘሎ ዘነርጽ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ንጥዕና ኣእምሮ ብዙሓት ሰባት ብፍላይ ድማ መንእሰያት ዝጸሉ ጽምዋ ሓዊሱ ማሕበራውን ማሕበረሰባውን ብድሆታት ፈጢሩ ይርከብ።

ዓለማዊ መርበብ ንጸሎት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት

ዓለም ሓቆፍ መርበብ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት ኣብ 1844 ሓዋርያነት ጸሎት ብዝብል መጸውዕ እተመስተ ኮይኑ

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2020 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ነዚ ጳጳሳዊ ዕዮ ከም ጳጳሳዊ ማሕበር ኣፍልጦ ክወሃቦ ከም ዝገበሩን እዚ ጳጳሳዊ ማሕበር እዚ ድማ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2024 ዝመሓደረሉ ሕጊ ከም ዘጽደቐ ዜና ቫቲካን ኣዘካኺሩ፡ ኣብ ልዕሊ 92 ሃገራት ዝርከብን መዓልታዊ ተልእኾ ኣምላኽ ኪፍጽሙ ዚደልዩ መንፈሳዊ ማሕበረሰባት ልዕሊ 22 ሚልዮን ሰባት ዝሓቍፍ ኮይኑ፡ ኣብ ማእከል ተልእኾኡ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወርሓዊ ናይ ጸሎት ሓሳብ ምስፋሕን፣ ኣባላቱ ኣብቲ ንደቂ ሰባት ዘጋጥሞም ተኣፋፊ ብድሆታትን ተልእኾ ቤተ ክርስቲያንን ከተኩሩ ዝዕድም ምዃኑ የመላኽት።

01 Aug 2026, 17:15