2026.08.22 Visita Pastorale a Rimini - Cattedrale di Rimini - Incontro con ammalati, disabili e poveri assistiti dalla Caritas 2026.08.22 Visita Pastorale a Rimini - Cattedrale di Rimini - Incontro con ammalati, disabili e poveri assistiti dalla Caritas  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ምስ ሕሙማትን ድኻታትን ኣብ ከታማ ሪሚኒ ተራኺቦም፣ 'ኣብ ገዛኹም ኢኹም ዘሎኹም'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ኣብ ካቴድራል ከተማ ሪሚኒ ምስ ሕሙማትን፡ ኣካለ ስንኩላንን፡ ኣብ ድኽነት ምስ ዝነብሩ ሰባትን ብሓገዝ ካሪታስ ተራኺቦም፣ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንዓታቶም ዘለዎ ፍቕሪ እውን ኣዘኻኸርዎም።

ዜና ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስቶም ኣብ መበል 47 ጉባኤ ዕርክነት ህዝብታት ዝተሳተፉ ድሕሪ ምርኻቦም፣ ምስ ሕሙማትን ኣካለ ስንኩላንን ከምኡውን ኣብ ድኽነት ምስ ዝነብሩ ሰባትን ብሓገዝ ማሕበር ካሪታስ ንምርኻብ ናብ ካቴድራል ሪሚኒ ተጓዕዙ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ርክብ ዘለዎም ምስጋና እንክገልጹ፣ እብዚ ካቴድራል እዚ "ኣብ ቤትኩም ኢኹም ዘሎኹም" ክብሉ ኣመልከቱሎም፣ ከመይሲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንሕሙማትን ድኻታትን ንስንኩላንን ኣብ ማእከል ብምምጻእ "ንምሕዋይን ንክብረቶም ዚበቅዕ ህይወት ንምምላስን" ኢሉ ሓንጐፋይ ኢሉ ተቐቢሉዎም እዩ ክብሉ ኣተባብዕዎም።

በዚ ኸምዚ ድማ ፍቕርን ማእለያ ዘይብሉ ምሕረት ኣምላኽን ኣርኣዮም። እዞም ሰባት እዚኣቶም ነዚ ትእምርትታት እዚ ምስ ረኣዩን ምስ ሓወዩን ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሰዓብዎ ምስ ማሕበረሰቡ ድማ ተጸምበሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም፣ ነዚ ኣብነት እዚ ክስዕቡ ተማሕጸንዎም። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ  ክርስቶስ ኬሕውየናን ይቕረ ኺብለልናን ክንፈቕደሉን እውም ተጸዊዕና ኢና። ብድሕሪኡ ኣብ ቤተ-ክርስትያኑ ብሓባር ክንመላለስ ተጸዊዕና ኢና፣ እዚ ኸኣ ወንጌል ናብ ኵሉ ሰብ ንምብጻሕ ዝተፈጥረ ማሕበር እዩ ክብሉ ተላበው።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ንዅላቶም "ኣብ ህይወት ቤተ-ክርስትያን ማለት ኣብ ሰበኻ ኣብ ማሕበራት ከምኡውን ኣብ ተቕባልን ኣገልግሎትን ብንጥፈት ብምስታፍ ንጐይታ ስዓቡ።" ኣብዚ ህሞት እዚ ኢና ነቲ ዓብዪ ፍቕሪ ኣምላኽ እንመሃርን እንርእዮን ኵላትና ደቁን ኣሕዋቱን ኣሓቱን ምዃንና ድማ ኣይንዘንግዕ።

ሰበኻዊ ማሕበር ካሪታስ ናይ ከተማ ሪሚኒ፣ ነቶም ኣብቲ ኸባቢ ዘለዉ ኣዝዮም ተነቀፍቲ ሰባት ንምሕጋዝን ንምክንኻንን እተፈላለየ ኣገልግሎታት ይህብ ዘሎ ማሕበር ኢዩ። ገለ ኻብቲ ተበግሶታት ድማ ናይ ምግባና ክሽነ፡ ኣገልግሎት እኖሓጎታትን እኖሓጎታትን፡ ኣገልግሎት ቤት ማእሰርቲ፡ ከምኡውን ኣብ ጐደናታት ንዝርከቡ ምድጋፍ የጠቓልል።

ንተልእኾ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምድጋፍ

ብፁዕ ኣቡነ ኒኮሎ ኣንሰልሚ ጳጳስ ሰበኻ ሪሚኒ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዘቕረብዎ ቃል፣ ነቲ ሰበኻኦም ብመንፈሳዊ መዳይ ዘነቓቕሑ ኣሃዛት ዘኪሮም፣ ካብ ክልተ መንእሰያት ሳንድራ ሳባቲኒን ኣልቤርቶ ማርቬሊን ክሳዕ ምስክርነት እቲ ካብ ሪሚኒ ዝመጸ ካህን መስራቲ ሰበኻዊ ማሕበር ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ዝነበረ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ኦሬስተ ቤንዚ እውን ገሊጾም። ነቶም "ኣብ ህይወቶም ኣጸጋሚ እዋን ዘሕልፉ" ካብ ሕማም ክሳዕ ወልፍን ማእሰርትን ዘጋጠመሞም ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን መተባብዒ ድማ ኢዩ ዝንበረ ክብሉ መስከሩ። ብፁዕነቶም ኣስዒቦም፣ "ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ክትከናኸንዎም ይደልየኩም ኣሎ" ክብሉ ድማ ተላበዉ።

ብፁዕ ኣቡነ ኣንሰልሚ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ከም ዘመልከቱሎም፣ እቲ ካቴድራል ክልተ ኣገደስቲ ቅርስታት ከም ዝሓዘ ገለጹ፣ ሓደ ናይ ቅዱስ ኒኮላስ ብዓል ባሪ "ኣብ ቀጻሊ ኢቁመናዊ ዝርርብ ንኽንሳተፍ ኣጋጣሚ ዝኸፍተልና" ከምኡውን ደም ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝሓዘ ዓለባ "ኣብ ምርኢት ስእሊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቮይቲዋ ምስ ሓደ መንእሰይ ሮበርት ፕረቮስት ዜጠቓልል ቅርስታት ይርአ ኣሎ" በሉ።

ኣብ መወዳእታ ብፁዕ ኣቡነ ኣንሰልሚ ንርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ብምትእምማንን ተጸምዶን፣ "ነዚ ዓብዪ ዕዮ እዚ ንኽትፍጽሙ ኽንሕግዘኩም ንደሊ ኢና። ንሕና እውን ምሳኻትኩምን ከም ጴጥሮስን ንኢየሱስ ንደሊ ኢና፣ ንሓድሕድና ድማ ክንፋቐር ንደሊ ኢና። ኣብ ስድራ ቤትናን ኣብ ሀገረ ስብከትናን ኣብ ዓለምን ክንነብር እንደሊ ኢና፣ እዚ ናይ ፍቕሪ ባህጊ ይባርኽና" ክብሉ ድማ መልእኽቶም ደምደሙ።

24 Aug 2026, 13:02