ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ሪሚኒ፡ ከም ደቂ ኣምላኽ ዘሎና መንነት ይጥርነፈና
ዜና ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ በብዓመቱ “ብሓድነትን ሓርነትን” ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ኣብ ዝዳሎ ናይ ሓደ ሰሙን ዓውደ ጉባኤ ዕለት 22 ነሓሰ ተረኸቢም፡ ንተሳተፍቲ መበል 47 “ጉባኤ ምሕዝነት ኣህዛብ” ሪሚኒ 2026 ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደሮ፡ ነቶም ብእምነቶም ተደሪኾም ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ዝተረኽቡ፡ ካብቲ ኢየሱስ ኣብ ግዜ ግጭትን በደልን ሰላም ንምስፋን ካብ ዝሃቦ ኣብነት ክመሃሩ ኣተሓሳሲቦም። "ሎሚ እውን ሰላም ብሓድሕዳዊ ምርኻብ ዝፈትዉን ንሓድሕዳዊ ጽምዶ ዘይፈርሑን ሰባት እዩ ዝምዕብልን ዝዘፍሕን - ቢሎም - ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ‘Fratelli Tutti - ኣሃው ኵልነ’ ብዝብል ኣርእስቲ ዝለገስዎ ዓዋዲ መልኽቲ ኣቢሎም ማሕበራዊ ዕርክነት ከነማዕብል ምሂሮምና፣ እዚ ድማ ህዝባዊ፣ ቀላስን ጭቡጥን መግለጺ ሕውነት እዩ። ቅድሚ ዶባትን ኣገላልጻን ትካላትን ኩሉ ግዜ ሰባት ኣሎ” እንክብሉ ኣዘኻኺሮም፡ “ከም ውሉድ እግዚኣብሔር ዘሎና ናይ ሓድሕድና ክብሪ ምስ እንፈልጥ፡ ኪኖ ኩሉ ፍልልይ፡ ምፍልላይን ወይ ግርጭት፡ ምስቲ ብመሰረቱ ንደቂ ሰባት ዝጥርንፍ ንራኸብ” እንክብሉ የጉልሑ።
'ክፍኣት ብኽፋት ኣይትቃለሶን
ቅዱስነቶም ነቶም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ "ፍቕሪ ተንቀሳቓሲ እዩ" ብምባል ኣዘኻኺሮም፡ ኢየሱስ ንፍጽምና እግዚኣብሔር ብኸመይ ከም ዝገለጾ ኣስተንቲኖም፡ ኣብ መንጎ ልግሲ ተግባሩን ጸቢብነት ኣተሓሳስባ ደቂ ሰባትን ዘሎ ሃጓፍ ኣግሂዶም። ክውንነት ኣብ ውሽጢ ስሌታትና ከም ዝሕነቕን ብሓልዮት ኣምላኽ ከም ዘስተንፍስን ኣስተብሂሎም፡ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፡ በነዲክቶስ መበል 16ን ፍራንቸስኮን ኩሎም ኣብ መንጎ ወንጌልን “ሓድሽ ነገራትን” ናይዚ መዓታውን ድንቅን ዘመን ጽልዋ ዘለዎ ነጥቢ መለኮታዊ ምሕረት ከመልክቱ "ናይ ኣጋጣሚ ኣይኮነን - ቢሎም - "ድሕሪ መዓትን ሓድሽ ጅማሮታትን መበል ዕስራ ክፍለ ዘመን ንኢየሱስ ክርስቶስ ክትስዕብ፡ ክፍኣት ብኽፍኣት ከምዘይስዓር ንጹር ንቕሓት የድሊ፡ ከምቲ ኣብ ሰማይ ኣብ ምድሪ እውን ከምኡ፡ ፍቕሪ ሕጊ ህይወትን መንገዲ እቲ ዝተሰቕለ መሲሕ፡ መጋበርያ ድሕነት እያ” እንክብሉ ብኣጽንዖት የተሓሳስቡ።
ፍቕሪ ክርስቶስ ዉፉያት ክንከውን ይድርኸናን የንጽሓና
"ካቶሊካዊ ባህሊ ነቲ ንኣእምሮን ቃላትን ኣህዛብን ዳግማይ ዘዕጥቕ ናይ ሓሶት ክውንነት ክቃወሞ ኣለዎ፡ በቲ ጸላእቲ ክህልዉ ከምዘይክእሉ ዘስተውዕል ክውንነት ምሕረት፡ ከምኡ'ውን ኩሉ ሰብ፡ ዋላ እቶም ዝቃወሙና፡ ኣብ ገጾም ክንርእዮን/ክንርእያን ክንራኸቦን/ክንረኽባን ዘሎና ሓው ወይ ሓፍቲ ምዃኑ ብዘረጋግጽ ሓቂ ክቃወሞ ኣለዎ። ሓጢኣት ብርግጽ ከም ዘሎ ኣሚኖም፡ ናይ ክርስቶስ ተበጃዊ ፍቕሪ ግን ዝሓየለ እዩ።” ፍቕሪ ክርስቶስ "ንሓሳባትና፡ ረብሓታትና፡ ልምድታት፡ ማሕበራትና፡ መደባትናን ወፍርታትናን - ብሓቂ፡ ኩሉ መዳያት ህይወትና - ካብ ኩሉ በቲ ናይ ሓይሊ ባህሊ ዝተበላሸወ ንምንጻህ ቃል ይኣትወልና" እብክብሉ የጉልሑ።
ክብሪ እግዚኣብሔር ክደምቕ ኣለዎ፣ ዘይፍትሓዊ ናይ ሓይሊ ዝምድናታት ‘ክቃላዕ’ ኣለዎ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቶም ኣብቲ ኣኼባ ዝተኣከቡ ሰባት ኣብ ኣገልግሎት ሓቀይና ምልዋጥ ሓደ ህዝቢ ንምቕማጥ ክእለትን ሓላፍነትን ጸጋታትን ከምዘይሳኣን ኣስተብሂሎም፡ "እቲ ናይ ገዛእ ርእስኻ ሞግስን፡ ናይ ገዛእ ርእስኻ 'ክብርን'፡ ውሕጠት ምዕቃብ ዝብል ውጥረት ኣብ ስምዒትና ጽልዋ ክህልዎ የብሉን። ክብሪ ኣምላኽ ክንደሊ ኣሎና፡ እዚ ድማ ምስቲ ናይ ገዛእ ርእስና ዝጋጠም ኣይኮነን . . . ኣብ ትሕትና በዓቲ ቤተልሄም ወይ ኣብ ውርደት ብመስቀል ክርስቶስ ዝበርህ ክብሪ ኣምላኽ ኩሉ ግዜ ከም ዘገርመና ገሊጾም’
በዚ መሰረት ኩሎም ምእመናን "ህይወትና ካብ ጥርጣረ፡ ባህልና ካብ ትዕቢት፡ ትምህርቲ ካብ ርእየት - ዓለም፡ ስራሕ ካብ ኣምልኾ ጣኦት መኽሰብ፡ ከምኡ'ውን እደ ጥበብን ቍጠባን ካብ ንግዲ ሞት" ነጻ ንምግባር ክጽንበሩ ኣተሓሳሲቦም፡ "ካብቶም ዝፈጠርናዮምን እንሰርሓሎምን ውዳበታት ጀሚርና ኣብ ሱር ድኽነትን ዘይማዕርነትን ኲናትን ከባብያዊ ሓደጋታትን ዝኾኑ ዘይፍትሓዊ መሓውራት ስልጣን ነቃልዕ" እንክብሉ ይዕድሙ።
ተባዓት ፈለምቲ የድልዩ
ኣብዚ መንጽር’ዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን እደ ጥበባዊ ምዓብለ መጋበርያ ብልሽውናን ኣዕናውን ምስ ዝኸውን ዕጥቂ ክፈትሕ ኣለዎ - መጀመርታ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ህይወቶም መንገዲ ብምቕያር፡ ነቲ ካብ ኩሉ ሰብ ዝድለ ለውጢ ዘእምንን ተኣማንን ክገብርዎ ዝኽእሉ ተባዓት ፈለምቲ የድልዩና" እንክብሉ ብኣጽንዖት ኣተሓሳሲቦም፡ "ሃልሃልታ ፈንጨገርን ተስፋ ምቑራጽን ዝነፍሑ ጥራይ ኣይኹኑ፤ ሕልምን ራእይን ዳግማይ ዘጓሃህሩ ይሃልዉ!" እዞም ክልተ መገድታት ድማ ዘይቃደዉ ምዃኑ ብምግንዛብ፡ "እቲ ሓደ ምፍልላይን ምግላልን ተስፋ ምቑራጽን ዝምግብ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ንመንግስቲ ኣምላኽን ፍትሑን ዘገልግል እዩ” ኣንክብሉ ኣብሪሆም፡ ኣብቲ ቦታ ናይ ዝነበሩ ካብኣቶም ብዙሓት ወለንተይናታት ዝኾኑ መንእሰያት ዓቢ ተሳትፎ ኣፍልጦ ሂቦም፡ “መጻኢ ተስፋ ዘለዎ እምበር ስግኣት ከምዘይኮነ ምልክት ኢኹም!" እንክብሉ ኣጽኒዖም ክዛረቡ እንከለዉ፡ ድሕሪ ሕጂ ነዚ ዘይኣምኑ ብዙሓት፡ ኣብ መንጎ ዓበይቲ ይኹን ኣብ መንእሰያት እንተሃለዉ። "ብጽሞናን ብዘይ ዓውዓውታን "እቲ ንጸሓይን ንኻልኦት ከዋኽብትን ዘንቀሳቕስ ፍቕሪ" ክሳብ ሕጂ ተስፋ የለዓዕል፡ ነዚ ምስክርነት መንእሰያት ናብ ሊባኖስ፡ ኣፍሪቃን ስጳይናን ኣብ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ብቐረባ ዝረኣይዎ ምዃኑ እውን የዘኻኽሩ።
'መንእሰያት ንነብስኹም ኣብ መስመር ኣእትውዋ!'
"ፍቕሪ የንቀሳቐሰና፡ ንቕድሚት ይድርኸና፡ ካብ ድቃስና የበራብረና" ከምኡ'ውን "ሓድሽ ጸዋዕታ የነቓቕሕን ተባዓት ክንክውን ይጽውዓናን። በዚ ድማ "ንርእስኹም ምሉእ ብምሉእ ክትህቡ ኣይትፍርሑ! ካብ ነፍሲ ወከፍ ኣዝዩ ጸቢብ ናይ ዋንነት ስምዒት ንላዕሊ መርበባትኩም እናስፋሕኩም፡ ናይ ብሓቂ ካቶሊካዊ መንፈስ ክፈቱ። ምንቅስቃሳትኩም፡ ጉጅለታትኩምን ማሕበረሰባትኩምን ካብኡ ናብ ምሉእ ክውንነት ክትኣትዉ ዘኽእለኩም መበገሲ ይኹን" እንክብሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ በዚ ስምዒት እዚ "ካብ ዝተፈላለየ ባህልን ስምዒታትን ድሕረ ባይታ ዘለዎም ኣሕዋትን ኣሓትን ብፍላይ ካብኦም ዝደኸዩ ዝፈልየኩም ነገር ተቓወም። የግዳስ ምስ ኩሉ ሰብ ክትራኸቡ ካብ ገዛእ ርእስኹም ውጹ! ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ብፍላይ ኣብ ወሰናስን ኣብቶም ዝሳቐዩን ሰባት፡ ስልጣነ ፍቕሪ ንምህናጽ ክሕግዙ ድሉዋት ዝኾኑ ሰባት ክትረኽቡ ኢኹም” ኢሎም።
ዝኾነ ሰብ ኣምላኽ ፍቕሪ ምዃኑ ከጉድል ኣይትፍቀድሉ
እዚ ፍቕሪ እዚ ከይንኪ ኣጠንቂቖም፣ ኣብ ፍቕሪ ምግዳድ፣ ሰረተ ሓሳብ ምስራጽ ምስዳዕ ምትላልን ምዕሳብ ፈጺሙ ከምዘየለ ኣስሚሮም፤ "ፍቕሪ ኣብ ናጽነት፡ ኣብ ሓቀይና ርክብን ኣብቲ ለጋስን ተወፋይን ገዛእ ርእስኻ ኣብ ምሃብን ጥራይ እዩ ዝህሉ፥ “ፍቕሪ ኣብ ናጽነት፡ ኣብ ሓቀይና ርክብን ኣብቲ ለጋስ ህያብ ገዛእ ርእስን ጥራይ እያ እትህሉ!” እንክብሉ ብኣጽንዖት የተሓሳስቡ።
መንእሰያት ኣብ ክርስቶስ ጽኑዓት
ቅዱስ ኣቦና ንመንእሰያት ዓለም ሎሚ ብክርስቶስ ብምጽናዕ፡ ኣብ ልዕሊኡን ቃሉን ብዝስምዓካ ስሕበትን ምስ ቤተ ክርስቲያን ምዃንካን ዝግረም ከም ዝመስል ኣስተብሂሎም፡ "ንብዙሓት ሎሚ ክርስትያን ምዃንኩም ባዕሉ ዘገርም እዩ! ምስናይዚ ግን ብዘይ ረኣዩለይን ስምዑለይን 'ቃል እግዚኣብሄር ካባኻትኩም ተሰምዐ - ቢሎም - ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ማሕበረሰብ ተሰሎንቄ ዝጸሓፎ መልእኽቲ ብምጥቃስ እምነትኩም ብኣምላኽ ናብ ብዘሎ ስፍራ ወጺኣ ኣላ እምበር፡ እቲ ቓል ጐይታስ ካባኻትኩም ኣብ መቄዶንያን ኣካይያን ጥራይ ኣይኰነን እተሰምዔ እሞ፡ ክንዛረበሉ ኣየድልየናን እዩ” ምስ በሉ፡ "እዚ ናይ ቁጽሪ ጉዳይ ኣይኮነን፡ ዋላ'ኳ ኣሽሓት መዛኑኹም ኣብቶም ኣብ ዓለም ካብቶም ኣዝዮም ዓለማውያን ዝቑጸሩ ሕብረተሰባት ጥምቀት ክደልዩ ምርኣይ ዘሐጉስ እውን እንተኾነ" ግን፡ "ጉዳይ ናጽነት'ዩ፡ ምኽንያቱ ሓቂ ኣብ ናጽነት ጥራይ'ዩ እትርከብ” ኣንክብሉ የጒልሑ፡
ቤተ ክርስቲያን ኣብነታዊት ብምዃን እያ ትዓቢ
ቅዱስ ኣቦና ቕድሚኦም ዝነበሩ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት “ቤተክርስትያን ኣብ ኣብ ምስዳዕ ዘይኮነስ ብማራኽነት እያ እትዓቢ” ዝበልዎ ብምዝኽካር፡ ሰባት ኢና፣ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ብድሩትነትን ሓጢኣትን ንልለ። "እንተኾነ ግን ከም ውልቀ ሰባት ይኹን ከም ማሕበረሰብ ኩሉ ግዜ ዘዕብየና ጎይታ እዩ!"
በዚ መተባብዒ እዚ ቅዱስ ኣቦና ነቶም ዝተኣከቡ "ኩሉ ግዜ ንቤተክርስትያን ኣፍቅሩ" ከምኡ'ውን "ሓድነት ናይቲ ክርስቶስ ዝበጽሓኩምን ናብ ገዛእ ርእሱ ዝስሕበኩምን "ማሕበረሰብ" ኣፍቅሩን ሓልዉን ቢሎም፡“ደጋጊምካ ‘ንቤተ ክርስቲያን ወትሩ ኣፍቅራ!’ ምባል ግቡእ እዩ። ክቡራት ኣዕሩኽ ሓድነት ኣፍቅሩን ዓቀቡን - ቢሎም - ነቶም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ሰባት ጎይታ ዝመሃረና ጸሎት ብሓባር ክደግሙ ቅድሚ ምዕዳሞም፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ማሕበረሰብ ክርስቲያን መሰረታዊ ባእታ ጸሎት ምዃኑ ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
