ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፡ ሳን ማሪኖ ንዓለም ኣብነት 'ሓልዮት ሰብኣውነት ሰብ' ተቕርብ!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብዚ ኣብ ሃገረ ሳን ማሪኖ ዕለት 22 ነሓሰ ኣብ ዘካየድዎ ዑደት ድሕሪ ዝተገበረሎም ወግዓዊ ኣቀባብላ ምስ ናይታ ሃገር መንግስቲ ተራኺቦም ምስ ኣብቅዑ ምስ በርገሳዊ ሰበስልጣን ከም እተራኸቡን፣ ድሕሪ ናይታ ሃገር ኣርእስተ ብሔር ዘስምዕዎ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መደረ፡ እታ ኣብ ዓለም ጥንታዊ ሪፓብሊካዊት ዝኾነት ሃገር ድማ ንሓልዮት ሰብኣውነት ሰብ ዝዓለመ ሰናይ ፖለቲካ ኣብነት እተቕርብ ምዃና ኣብ ዘስምዕዎ መደረ የጒልሑ።

ዜና ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 22 ነሓሰ ናብ ሪፓብሊክ ሳን ማሪኖ ከም ኣተጓዕዙን ድሕሪ እዚ ናይ ፍርቂ መዓልቲ ጒስነታዊ ዑደቶም ድሕሪ ቀትሪ ናብ ከተማ ሪሚኒ ኢጣልያ እውን ዑደት ከም ዘካየዱን ኣብዚ ኣብ ሃገረ ሳን ማሪኖ ኣብ ዘካየድዎ ዑደት፡ መጀመርታ ምስ በርገሳዊ ሰበስልጣን ሳን ማሪኖ ኣብ ህዝባዊ ቤተ መንግስቲ ከም እተራኸቡን፡ ነቶም ክልተ ሓባራዊ መራሕቲ ሃገር ሳን ማሪኖ ምስጋናኦም ኣቕሪቡን፡ ሃገረ ሳን ማሪኖም ካብ 1243 ጀሚራ ናይታ ሃገር ህዝባዊ ባይቶ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሽዱሽተ ዓመት ብምዝምረጹ ኽልተ መራሕቲ ሃገር ከም እትመራሕ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ኣሰር ናይቶም ኣብ 1982 ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ደሓር እውን በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ 2011 ኣብታ ሃገር ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ዝስዕብ ኮይኑ፡ “ኣዝያ ሰላማዊት ሪፓብሊክ” ተባሂላ እትፍለጥ ሃገረ ሳን ማሪኖ፡ “ሊበርታስ” (ሓርነት) ዝብል ሃገራዊ መርሕ ቃል እትነብር፡ እዚ ድማ ታሪኻን ንመጻኢ ዘለዎ ባህግን ዘጠቓልል ምዃኑ ቅዱሰንቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣጒሊሖም፡ “ቅድሚ ኩሉ ብዘይ ውልቃዊ ናጽነት ሓቀይና ህብዝባዊ ሓርነት ክህሉ ከምዘይክእል ከስምረሉ እፈቱ - ማለት ብዘይ እቲ ናይ ናጽነት ኣገዳሲ ባእታ ዝኾነ ምክብባርን ምድንፋዕን ክብረት ሰብኣዊ ክብሪ፡ ናጽነት ክህሉ ኣይክእል እዩ፡ እዚ ናጽነት እዚ “ብኣምላኽ ዝተዋህበን ዝተረጋገጸን” ምዃኑ ኣመልኪቶም፡ ሓርነት ምድንፋዕ ማለት ንዓውዲ ሕልና ምክልኻል ማለት እዩ እንክብሉ ነቶም ብሰማእትነት ህይወቶም ኣሕሊፎም ዝሃቡ ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዘኪሮም።

ቅዱስ ቶማስ ሞር ሓላዊ ቅዱስ መንግስትን ፖለቲከይናታትን ከምኡ’ውን ንብዙሓት ሰባት ኣብ ሕልናኦምን ደቂ እግዚኣብሔር ካብ ምዃን ዝመጽእ ናጽነትን ጸኒዖም ክነብሩ ዝመዓደ ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ናጽነት፡ “ርእስኻ ብምሃብ፡ ብሓድነትን፡ ብምርኻብን ብዘተን” ከም እትፍጸምን ካብ ስላሴ እግዚኣብሔር ከም እትውሕዝን ገሊጾም። “እዚ ቲዮሎጊያዊ መወከሲ እዚ ምናልባት ካብ መጠን ንላዕሊ ክመስል ይኽእል ይኸውን፣ ኣብ ቅድሚ እቲ ነቶም ብስም ናጽነት ዝቐርቡ ፖለቲካውን ቁጠባውን ውጥናት ብስም ሓርነት ዝቐርቡ ግን ከኣ ኣብ ክውንነት ጊልያዎት ጣኦታትን ስልጣንን ኮይኖም ዘበላሽዉ ኣምልኾ ጣኦት ሎሚ ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ እኣምን - ቢሎም - ነቲ “ብሓባር ደው ምባል ወይ ምውዳቕ” ዝበል ክርስትያናዊ ራእይ ሓርነትን ሕብረትን ኣጒሊሖም፡ ነቶም ጻዕሮምን ብልሓቶምን ኣብ ህዝቢ እታ ሪፓብሊክ ዘወፈዩ መስረቲ ሳን ማሪኖ ቅዱስ ማሪኖስን ቅዱስ ልዮንን ዘኪሮም፡ ሓርነት “ኣብ ምህናጽ ሰላም ንጡፍን ሃናጽን ተሳትፎ ዘይንቕነቕ ተወፋይነት” ዘጠቓልል ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ ሳን ማሪኖን ቅድስቲ መንበርን ኣብ መንጎ ኣህዛብ ምርድዳእ ንምድንፋዕ ኣብ ስነ ሜላዊ ክሌዊ ርክብን ብዝሓ ጎናውነትን ድሌት ከምዘለወን ሓቢሮም።

ካብ መትከላት ማሕበራዊ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፍላይ ድማ ካብ ምድላይ ሓባራዊ ረብሓን ኣድማሳዊ መዕለቢ ኣቑሑትን ኣብ መንጎ መደገፍታን ምትሕግጋዝን ዘሎ ስኒትን ማሕበራዊ ፍትሕን ብምውሳድ ንሪፓብሊካዊት ሳን ማሪኖ “ቤተ ምከራ ሰናይ ፖለቲካ” ኮይና ከተገልግል ኣተባቢዖም፡ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ሳን ማሪኖ ነቲ ካብ ጽንሲ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ኣብ ምክልኻል ነፍሲ ወከፍ ህይወት ወዲ ሰብ ዝግለጽ ማእከላይ ዕላማ “ሓልዮት ሰብኣዊ ሰብ” ክትስዕብ ተማሕጺኖም፡ "እዚ ‘ንኻልኦት ዝግበር ሓልዮት’ ካብ መጀመርታኡ ኣትሒዙ ፍሉይ መለለዪ ታሪኽ ሳን ማሪኖ እዩ ነይሩ - ቢሎም - ከምቲ ዝተገልጸ፡ ኣብ ምሉእ ዘመናት፡ ነቶም ዝሳቐዩ ወይ ጸገም ዘጋጥሞም ፈጺሙ ከም ዘይፈሸለ ኣብቲ ናይ ምቕባል ትውፊት ርኡይ እዩ። ብፍላይ ንህዝቢ ዩክሬን ዘቕረብዎ ደገፍን ኣቀባብላን ኣዘኻኺሮም፡ ኣብ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ስግኣት እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ንዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሕጊ ዘለዎም ተወፋይነት ኣዘኻኺሮም።

ኣብ መደምደምታ ቅዱስነቶም ንበርገሳዊ መራሕትን ዜጋታትን ሳን ማሪኖ ብስም ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንዝገብርዎ ተባዕን ኣርሒቑ ዝጥምት ጻዕሪ ኣመስጊኖም እዚ ድማ ፍረ ክርስትያናዊ ትውፊት እታ ሃገር እዩ” ኢሎም።

22 Aug 2026, 16:47