ር. ሊ. ጳ. ልዮን መበል 14 ምስ ፕረዚደንት ሃገረ ሊባኖስ ተራኸቦም፣ ፍትሓውን ነባርን ሰላም ድለዪ
ዜና ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንርእሰ ብሔር ሪፓብሊካዊት ሃገረ ሊባኖስ ጆሴፍ ኣውን ትማሊ ሓሙስ ንግሆ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም።
ርእሰ ብሔር ኣውን ቀጺሉ ምስ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊንን ምስ ጸሓፊ ናይ ወጻኡ ርክባት ቅድስቲ መንበር ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ውድባትን ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ተራኺቡ።
ብመሰረት እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ደድሕቲ ርክብ ዝወጸ መግለጺ ከም ዘመልከቶ፣ እቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር እተገብረ ዘተ፣ "ምሕዝነታዊ ርክብ እዩ" ዝንበረ፣ ከምኡውን "ብመሰረቱ ኣብቲ ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን እስራኤልን ሊባኖስን እተፈረመ ከምኡውን ደቡባዊ ዶባት ሪፓብሊካዊት ሃገረ ሊባኖስ ንምርግጋእን ፍትሓውን ነባርን ሰላም ንምምጻእ ዝዓለመ ኣብ ሥሉሳዊ ስምምዕ ዘተኰረ ኢዩ" ዝንበረ።
"ቅድስቲ መንበር ነቲ ሰነድ ምኽታሞም ከም ዘሓጐሳ ክገልጽ እንከላ፣ ብዛዕባ ነቲ ሰነድ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዘጋጥም ዘሎ ጸገማት ግን ከቢድ ሻቕሎት ከም ዘለዋ ገሊጻ፣ ነቲ ኣብዚ መዳይ እዚ ንምትግባሩ ኣብ ዝግበር ጻዕርታት ከም እትድግፍ ድማ ኣረጋጊጻ።"
ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ስለቲ ዝገበርዎ ደገፍ ዝገለጾ ምስጋና
ርእሰ ብሔር ኣውን ኣብ መርበብ ሃበሬታ መንግስቲ ሊባኖስ ኣብ ዝውጽኦ መግለጺ፣ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14ን ቅድስቲ መንበርን ስለቲ ንሃገረ ሊባኖስ ንምድጋፍ ዝገበርዎ ዘለዉ ጻዕርታት ምስጋናኡ ደጊሙ ገሊጹ። ብፍላይ ንጠለባት በይሩት ዝካየደ ዘሎ ደገፍ ክቕጽሉ ምሕጽንታኡ ኣቕሪቡ፣ ብፍላይ ከኣ ሃገረ እስራኤል ነቲ ብዕለት 26 ሰነ ኣብ ትሕቲ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ እተኸተመ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎ ዝቐረበ ጻውዒት ደጊሙ ኣቕረበ።
ርእሰ ብሔር ኣውን ኣስዒቡ ሃገረ እስራኤል ብፍላይ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ፣ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባትን መስረታዊ ትሕተ ቅርጽን ኣቝሻትን ዝወርድ ዘሎ መዓልታዊ መጥቃዕትታት ከተቋርጽን፣ ካብቲ ኣብትሕቲ ቍጽጽር ዘሎ ዞባታት ክትወጽእን፣ ነቲ ዝዓነወ ዳግመ ህንጸትን እተመዛበሉ ሰባት ንምምላስን መገዲ ክትጸርግ ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ርእሰ ብሔር ኣውን ብተወሳኺ እዚ ስጕምትታት እዚ፣ መንግስቲ ሊባኖስ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እቲ ዞባታት ናይ ስልጣን ምስፋሕ መስርሓት ክተሓሓዝ ከም ዘለዎ ኣጕልሐ።
ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ዘሎ ውጥረት
እቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝተካየደ ርክብ ብፍላይ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ፣ ውላ እኳ ብዕለት 17 ሚያዝያ ምስ ሃገረ እስራኤል ግዝያዊ ተዅሲ ናይ ምቍራጽ ውዕል እተተገብረ፣ መጥቃዕትታት እናቐጸለ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ኢዩ እተኻየደ።
ሃገረ እስራኤል ግና ንትሕተቕርጽን ሰራሕተናይታን ጉጅለ ሂዝቦላህ ጥራይ ዒላማ ከም ዝገበረት ኽትገልጽ እንከላ፣ በይሩት ግን ነቲ ዝቕጽል ዘሎ ወተሃደራዊ ንጥፈታት እስራኤል ትዅንኖ ኢያ ዘላ።
ኣብ መጻኢ ደቡባዊ ሊባኖስ ፖለቲካዊ ቅልውላው እውን ይቕጽል ኢዩ ዘሎ። ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ስምምዕ ንምድንፋዕን፣ ናብ ሰላም ዝመርሕ ካርታ ንምውጻእን ዝዓለመ ሻምናይ ዙር ዝርርብ ብመንጐይናነት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝካየደሉ ዕለት ገና ኣይተመደበን ዘሎ።
