ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ፓቲ ስሚዝ ተራኺቦም
ዜና ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ኣመሪካዊት ደራፊትን ሙዚቀይናን ደራሲትን ሓዳሚትን ስነ ጥበባዊት ፓቲ ስሚዝ ዓርቢ ንግሆ ዕለት 31 ሓምለ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ስሚዝ ከም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መበቆላ ካብ ቺካጎ ኣሜሪካ እዩ።
ኣብ ምርኢት ቨነዚያ ናይ ቅድስቲ መንበር ተሳትፎ
ዕለት 8 ግንቦት 2025 ዓ.ም. ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ዝተሓረዩሉ ዝኽሪ ቀደማይ ዓመት ጽምብል ስሚዝ ኣብ መበል 61 ኣህጉራዊ ክልተ ዓመታዊ ምርኢት ስነ ጥበብ ቬኒስ ናይ ቅድስቲ መንበር ክፍሊ ምርኢት ከም ዝመረቐት ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የዘኻኽር።
ዝኽሪ ርክብ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ
ስሚዝ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ምስ ድሕሪ ካብዚ ዓለም ብሞት ምፍላይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሒደት መዓልታት ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት፡ ብዛዕባ እቲ ንመጀመርታ ግዜ ዕለት 10 ሚያዝያ 2013 ኣብ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዝተላለየቶም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ሓደ ዓመት ንፍራንቸስኮ ዝተወፈየ ምርኢት ዘቕረበት ኮይና፡ "ነተን እዚዮም ዘቕብርወን ዘፍቅርወን ቃላት - ፍቕሪ፡ ትሕትና፡ ርህራሄ - ኣብ ልብና ዓቂብና ክንዝርከንን ክንምስክረንን ይግባእ፡ ከምኡ'ውን ከምቲ ገለ ዓበይቲ መምህራንና ዝምህርዎ፡ ንክርስቶስ ክንመስሎ ክንጽዕር ኣሎና። ንፍራንቸስኮ ምምሳል ማለት ክሳብ ክንድኡ ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ምለት እዩ" ከም ዝበለት እውን ይዝከር።
