ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሓድሽ መሰረታዊ ሕጊ ግዝኣት ቫቲካን ደንጊጎም
ዜና ቫቲካን
ዕለት 31 ሓምለ ኣብ ዓመታዊ ዝኽሪ ቅዱስ ኢግናጽዮስ ዘ ሎዮላ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ሓድሽ መሰረታዊ ሕጊ ሃገረ ቫቲካን ከም ዝኸተሙን፡ እዚ ሕጊ እዚ ከምቲ ኣብ መቕድም ተገሊጹ ዘሎ፡ “ሓድሽ ጠለባት ምሕደራን ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝተኣታተወ ሓያሎ ኣገደስቲ ለውጥታት ሕግን ነዚ ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ። እቲ ሕጊ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ካብ ዕለት 13 ግንቦት 2023 ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ዝጸንሐ መሰረታዊ ሕጊ ዝትክእን ብቐጥታ ድማ ኣብ ግብሪ ዝውዕል እዩ።
ንኣቦ መንበር ጳጳሳዊ ሽማግለ ዝምልከት ሓድሽ ድንጋገ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መጀመሪያ ርእሰ ሊቃነ ጵጵስናኦም ዝኣወጅዎ ሓድሽ መሰረታዊ ሕጊ ነዚ መአረምታታት እዚ የረጋግጽን የጠቓልልን እዚ ድማ ንሓጋጊ ፈጻሚ ከምኡውን ፍርዳዊ ተግባራት ሃገረ ቫቲካን ዚምልከት እዩ። ብፍላይ ብዛዕባ ሓጋጊ ተግባር ብዝምልከት ነቲ ዕለት 19 ሕዳር 2025 ብዘለዎም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ፍሉይ ስልጣን ዘተኣታተዉዎ መአረምታ ብዛዕባ ኣቦ መንበር ናይ ጳጳሳዊ ሽማግለ መንግስቲ ከተማ ቫቲካን ዝምልከት ኣብ ሓደ ሓጋጊ ጽሑፍ የጣምር።
ናይ 2025 ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ፍሉይ ስልጣንን ሓድሽ ሕግን
በቲ ኣጋጣሚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝነበረ መሰረታዊ ሕጊ፡ ካርዲናላት ጥራይ ኣቦ መንበር ጳጳሳዊ ሽማግለ ኮይኖም ከገልግሉ ዝእዝዝ ሕጊ ዓንቀጽ 8 ሕጡበ - ጽሑፍ 1 ሰሪዞሞ፡ እቲ ቤት ጽሕፈት እቲ ሕጂ ብእናቴ ራፋኤላ ፔትሪኒ ዝምራሕ ዘሎ ኣደ መንበር ቤት ምሕደራ ሃገረ ቫቲካን ኰይነን ዘገልግላ ዘለዋ ዝተውሃበን ስልጣን ሕጂ ኣብ ዓንቀጽ 8 ናይቲ ሓድሽ መሰረታዊ ሕጊ፡ “ጳጳሳዊ ሽማግለ ብካርዲናላትን ካልኦት ኣባላትን ዝቖመ ኮይኑ፡ ንኣቦ መንበር እቲ ሽማግለ ሓዊሱ፡ ብላዕለዋይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንሓሙሽተ ዓመት ዝሽየም እዩ” እንክብል ሕጋዊ ምኽንያት ይህብ።
ፈጻምን ፍርዳውን ስርሓት
ፈጻሚ ስራሕ ብዝምልከት፡ እቲ ሓድሽ ሕጊ፡ ተራ ናይቲ ውደባዊ ኣቃውማኡ ኣብ ግቡእ ተልእኾ ሃገረ ቫቲካን ኣበርክቶ ዝገብርን ነቲ ብቐጥታ ተሓታቲ ዝኾነሉ ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘገልግልን እዩ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ፡ በብወገኖም ዘለዎም ሓላፍነት ኣቦ መንበርን ዋና ጸሓፍን፡ ከምኡ’ውን ናይ ምትሕብባር ዝምድናኦም ዝያዳ የነጽር።
ንፍርዳዊ ስራሕ ብዝምልከት፡ ዓንቀጽ 22 ሕጡበ - ጽሑፍ 1፡ እቲ ሕጊ ኣካላት ስርዓት ፍርዲ ዝቈጻጸር ሕጋዊ መሰረት ከም ዘቕውም ብንጹር ይገልጽ። ሳላ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝተኣታተወ ርኡይ ምምሕያሻት፡ እቲ ሕጊ ንግቡእ ምምሕዳር ፍትሒ ምሉእ ብምሉእ ውሕስነት ይህብ።
ንመንግስቲ “ቅዋማዊ መንነቱ” ዘረጋግጽ ሕጊ
በዚ ብጥንቃቐ እተወደበ ኣቀራርባ እቲ ሓድሽ መሰረታዊ ሕጊ ልክዕ ከምቲ ቅድሚኦም ዝነበሩ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ከምቲ ኣብ መቕድም ተገሊጹ ዘሎ "ንመንግስቲ ከተማ ቫቲካን ሕገ መንግስታዊ መንነቱ ዘረጋግጽ”፡ ስልጣኑን ካብኡ ዝምንጭው ሓላፍነታትን ምፍጻም - ንፍሉይ ባህርይን ርእሰ - ምምሕዳርን ሕጋዊ ስርዓት ቫቲካን እንደገና ዘረጋግጽ ካልእ ሕግታት መንግስቲ መሰረትን መወከሲ ዀይኑ ይቕጽል ኣሎ።
ተልእኾ ምምሕዳር ዞባ
እቲ መቕድም “ንግቡእ ተልእኾ መንግስቲ ሃገረ ቫቲክን ኣበርክቶ ዝገብርን ኣብ ኣገልግሎት እቲ ብቐጥታ ተሓታቲ ንዝኾነሉ ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘሎን ተራ ኣመሓዳሪ” እውን ደጊሙ ይገልጽ።
ከምቲ ናይ ዝሓለፈ መቕድም መደምደምታ “ኣመሓደርቲ ኣካላትን ኩሎም እቶም ብሓላፍነታዊ ጽፍሕታትን ብሓቀይና ቤተ ክርስቲያናዊ መንፈስ ዝድረኹን ንመንግስቲ ርጉእ ኣገልግሎቶም ዘካይዱ፡ ንኹሉ እቲ ብውዕል ላተራነንሰ ዝተነጸረ ግዝኣት ትካላት መንግስቲ ሃገረ ቫቲክን ወይ ናይ ቅድስቲ መንበር ግዳማዊ ግዝኣት ሃገረ ቫቲካን ህንጻታትን ከባቢታትን ዝምልከት ስልጣን ብምሃብ ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ፡ ውልቃውን ተግባራውን ውሕስነትን ናጽነትን ኣብ ግብሪ ዝውዕለሉ ቦታ እዩ።”
