ር. ሊ. ጳ. ልዮን መበል 14፦ 'መጕዳእቲ ኲናት ካብ ዓውዲ ዂናት ንላዕሊ እዩ ዝዝርጋሕ"
ዜና ቫቲካን
"ኣብ ክንዲ ኣጽዋር ኲናት፣ ጐይታ ሰላም ንኽንሓውን ንኽንዕረቕን፣ ናይ ፍቕሪ ስልጣነ ንክንሓንጽን ብርታዐ ይህበና እዩ" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብቲ ትማሊ ሓሙስ ዕለት 20 ነሓሰ ዘመሓላለፍዎ፣ ብቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር እተሓትመ መልእኽቲ ናብ መበል 11 ዓለምለኻዊ መዓልቲ ጸሎት ንክንክን ፍጥረት ኣብ ዝጸሕፍዎ ገሊጾም።
ምሉእ ትሕዝቶ መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንምንባብ ኣብዚ ጠውቕ
ቤተክርስትያን ብዕለት 1 መስከረም ዓለምለኻዊ መዓልቲ ጸሎት ንክንክን ፍጥረት ተብዕል ኣላ፣ እዚ ዓመት እዚ ድማ "ኣስያፎም ንማሕረሻታት ኲናውቶምውን ኣብ ዓንቃሪቦ ኪወቕዕዎ እዮም" (ኢሳይያስ 2፡4) ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ተኽቢሩ ክውዕል ኢዩ።
ኣብዚ መዳይ እዚ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ብሕድሪ እተዋህበና ብዙሕ "ሥነ ኣከባቢያዊ ትሕድርቲ" ክንሕሉ ተጸዊዕና ኢና፦ እዚ ድማ ንሥነ ኣከባቢያዊ ተፈጥሮን፣ ንሰብኣዊ ርክባትን ንልቢ ወድሰብን ዝመአእከለ ኢዩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ኣብ መልእኽቶም ከም ዝገለጽዎ፣ "ሰላም ንምህናጽ ዘኽእል ሓቀይና መሳርሒታት ናይ ጥፍኣት ኣጽዋር ኣይኰነን" ብምባል እውን ኣጕልሑ። ኣብ ክንዳኡስ ሓቀይና ዝርርብ ትዕግስቲ ሕያውነት ፍትሒ ምሕረት ምርዳእ ሓልዮትን ፍቕርን እዩ" በሉ፣ ብወንጌል ካብ እተቐርጸ ልቢ ብጸጋ ኣምላኽ እተደገፈ ዝርከብ ከም ምዃኑ ድማ ኣአመልከቱ።
ንቝስሊ ዓለምና ምሕዋይ
እዘን ባህርያት እዚኣተን ጥራይ እየን ንውልቀ-ሰባት ናይ ምቕያር ንማሕበረሰብ ናይ ምሕዳስ ከምኡውን ንቝስሊ ዓለምና ናይ ምሕዋይ ሓይሊ ዘለዎም ክብሉ እውን ኣፍልጦ ሃቡሉ።
እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ መገዲ ቀሊል እምበር፣ ንጹር ከም ዘይኰነ ቅዱስ ኣቦና ኣረጋጊጾም።
ንሱ ድማ "ሰላምን ሓልዮት ፍጥረታትን ምእንቲ ኽንደሊ ልብና ኺሕደስ ተጸዊዕና ኢና" ክብሉ ተላበዉ።
ንጸገማትን መከራን ንምቅላስ ምስ ኣምላኽ ንምትሕብባር ተጸውዕና ኢና
ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፣ ነዚ ዕዮ እዚ ብትሕትናን ብእምነትን እንተ ስዒብናዮ ኣብቲ ናይ ምሕዳስ ዕዮ ኣምላኽ ተሓባበርቲ ኸም እንኸውን ኣስተንቲኖም።
ሎሚ ብዙሕ ቅልውላውን ብዙሕ ሰብኣዊ ስቓይን ንርኢ ኸም ዘለና ብምግላጽ፣ እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ እቲ ኣብ ስኒት ዘሎ ሚዛን ፍጥረት ምብልሻዉ እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ እውን ኣተንቂቖም።
ወሲኾም ድማ "እዚ ተርእዮታት እዚ ዘይተሓሓዝ ኣይኰነን። ካብ ዝቘሰለት ዓለም ዝምንጩ ዘሎ ናይ ምሕዋይን ሰላምን ልመና ጥራይ ኢዩ" ክብሉ እውን ኣስመሩሉ።
ናይ ኢየሱስ ፍሉይ መስዋእቲ ሰላም
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መልእኽቶም ብምቕጻል፣ "እቲ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ እተገልጸ ጐይታ ህይወት፣ ዓለም ክትህቦ ዘይትኽእል ሰላም የቕርብ፦ 'ሰላምይ እገድፈኩም ኣሎኹ። ሰላመይ እህበኩም ኣለኹ" (ዮሓ 14፡27) ከም ዝበለ እውን ኣዘኻኸሩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ እዚ ሰላም እዚ "ላዕሊ ላዕሊ ወይ ሓላፊ ኣይኰነን" የግዳስ "ካብ ነባሪ ፍቕሪ ክርስቶስን፣ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘለዎ ሓልዮትን ዝምንጩ ኢዩ።"
ይኹን እምበር እዚ መብጽዓ ሰላም እዚ ምስቲ ኣብ ሓያሎ ኽፍልታት ዓለም እንርእዮ ዘለና ክውንነት ኣጸቢቑ ዝጋጮ ምዃኑ ዘለዎም ተዘክሮ ገለጹ።
ናብ ዓመጽን ውግእን ዘተኰረ ብዙሕ ጻዕርታት ከም ዝቐጸለ እውን ኣስተንተኑ።
ንወለዶታት ዚቕጽል ዘሎ ጥፍኣት
"ውግእ ካብ ዓውዲ ዂናት ርሒቑ ዝዝርጋሕ ቍስሊ ኢዩ ዝገድፍ፣ ህይወት የጥፍእ ስድራቤታት ይበታትን፣ ንብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ድማ ካብ ኣባይቶም ንኽሃድሙ ዘገድድ ኢዩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ፍርህን ምጕዳል ፍትሕን ምክፍፋልን የኸትል" ከምኡውን "ንወለዶታት ዝቕጽል ማሕበራውን ሥነ ኣከባቢያውን ዕንወት ዝገድፍ ኢዩ" ክብሉ ኣትሪሮም ገለጹ።
ኣብ ርእሲ እዚውን ኣብ መንጎ ዕጡቓት ግጭታትን ዕንወት ሥነ ኣከባብያዊ ቅልውላውን ዘሎ ምትሕንፋጽ መብዛሕትኡ ግዜ ንሥነ ኣከባቢያዊ ሥርዓት ዘጥፍእ፣ ከም ኣየርን ማይን ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ሃብታት ዝብክል ከምኡውን ውሕስነት ምግቢ ዜዳኽም እኩይ ዑደት ከም ዚፈጥር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ገሊጾም።
እዚ ክውንነት እዚ ድኽነትን ዘይማዕርነትን ተወሳኺ ግጭታት ንምፍጣር ኣበርክቶ ክገብር ዝኽእል ሓድሽ ማሕበራዊ ውጥረትን ብኸመይ ከም ዘጐሃሃሮን እውን ኣፍልጦ ሃቡሉ።
ውግእ ጐዳኢ ቝስሊ ይፈጥር
"ኣብ ርእሲ እዚውን ውግእ ንብምሉኡ ህይወት ደቂ ሰባት ዝጐድእ ቍስሊ ይፈጥር፣ ንውልቀ-ሰባትን ማሕበረሰብን ጥራይ ዘይኰነስ፣ ነቲ ምስ መላእ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ዘለዎም ዝሰፍሐ ርክብን ምስ ፍጥረት ዘለዎም ስኒትን እውን ዝጐድእ ኢዩ" ከምኡውን "ብመልክዕን ምስልን ኣምላኽ ንምንባር ንህይወት ንምኽባርን ነታ ብሕድሪ እተዋህበትና ምድሪ ንምክንኻንን ዓሚቝ ጕድለት ከም ዘሎና ዘርኢ እዩ።"
ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፣ እዚ ፖለቲካዊ ፍሽለት ጥራይ ዘይኰነስ ስነ ምግባራውን መንፈሳውን ፍሽለት እውን ክብሉ ኣስመሩሉ።
"ኣብ እተዛብዐ ባህግታትን ሰብኣዊ ናጽነትን ንስልጣንን ብዘይኣግባቡ ምጥቃምን እተመስረተ ውግእ፣ ኣንጻር ወንጌል ሰላም ኰይኑ እዩ ዝርከብ" በሉ።
እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ቅልውላው ሓላፍነት ጥራይ ዘይኰነስ፣ ንኣምላኽ ዓሚቝ ተኣማንነትን ንሓድሕድና ብምፍቃርን ንውህበት ፍጥረት ብምኽባርን ናብ ፍረ ዜፍሪ ልቢ ምስ ምቕያርን እውን ዚሓትት ምዃኑ እውን ኣመልከቱ።
ናይ ልቢ ተሓድሶ የድሊ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን እምበኣር ቍስሊ ውግእን ዕንወት ምድርን ምስ ኵነታት ልቢ ወድ ሰብ ኣጸቢቑ እተተሓሓዘ ምዃኑ ሓሳባቶም ኣካፈሉ።
"ሰላማዊ ሕብረተሰብ ንምህናጽ መዋቕር ምሕዳስ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ልብና ምሕዳስ እውን የድሊ" ክብሉ እውን ተማሕጸኑ።
"እቲ ዓሚቝ ጠንቂ ግጭትን ምዝመዛ ተፈጥሮን ካብ ስነ-ምግባራውን ባህላውን ቅልውላው ዝምንጩ እዩ፣ ገለ ኻብዚ ኸኣ ደረት ምጥፋእ ናይ ምቍጽጻር ባህጊ ህጹጽ መኽሰብ ምድላይ ከምኡውን ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ኽብሪ ነፍሲ ወከፍ ወድሰብ ሰብ ኣፍልጦ ምሃብ ብዘይምኽኣልና" ምዃኑ እውን ነቒፎም።
በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ምስ ጸጋ ኣምላኽ ብምትሕብባር ዓሚቝ ብሕታውን ሓባራውን ለውጢ ከም ዘድሊ ገለጹ፣ እዚ ኸኣ ናብቲ ንባህግታትና እንደገና ዝሰርዕ ንቍስልና ዜሕዊ ከምኡውን ብውርዝና ንኽንዓቢ ዚሕግዘና ኣምላኽ መልሲ ምሃብ ኢዩ።
"ብዘይ እዚ ውሽጣዊ ለውጢ ሰላም ተነቃፊን ሓጺርን ኮይኑ ክቕጽል ኢዩ" ብምባል እውን ኣጕልሑ። ልቢ ኣብ ዝሕደሰሉ እዋን ግና ሓደስቲ ኣጋጣሚታት ክኽፈት ይጅምር" እውን በሉ።
ሓቀይና ናይ ሥነ ኣከባቢያዊ ሥርዓት ለውጢ
"እቲ ንጥፍኣት እንጥቀመሉ ነገራት ናብ ህይወትን ናብ ክንክን ድኻታትን ናብ ምጋቤ ዝጠመዪን ከምኡውን ናብ ምዕቃቤ ተፈጥሮን ክቕየር ይኽእል እዩ" በሉ።
እዚ ድማ "ምስ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎና ርክብ፣ ኣብቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ዓለም ዘሎና ርክብን ንጹርን ዝዀነሉ መገዲ ሓቀይና ሥነ ኣከባቢያዊ ለውጢ ብምዃኑ፣ ሰላም ካብ ልቢ ከም ዝጅምር ናብ ርክባትናን ማሕበረሰብናን ዝሰፍሐ ዓለምን ከም ዝውሕዝ እውን ኣመልከቱ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ወሲኾም፣ "ዓብዪ" ብድሆታት እኳ እንተ ኣጋጠመና ኣምላኽ ብዘይ ናይ ምሕዋይን ምልዋጥን መገድታት ከም ዘይሓድገና ኣረጋገጹ።
ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም፣ "ጐይታ በዛ መገዲ እዚኣ ክንመላለስ ትብዓት ይሃበና፣ በዚ ኸምዚ ኣብዚ ግዜና ኣስያፍ ብሓቂ ናብ ማሕረሻታት ምእንቲ ክልወጥ፣ ተስፋ ወንጌል ከኣ ኣብ ዓለምና ሱር ምእንቲ ኺሰድድ፣ ሰላም ክርስቶስ ከኣ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ፍጥረት ምእንቲ ኺነግስ" ጸልዮም።
