ድለ

ር. ሊ. ጳ. ኣብ ሪሚኒ፦ 'ኣብ ኵሉ ደረጃታት፣ ስልጣን ንኣገልግሎት እዩ'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 22 ነሓሰ ኣብ ሳን ማሪኖን ሪሚኒን ናይ ሓደ መዓልቲ ጕስነታዊ ምብጻሕ ድሕሪ ኣካይዶም ኣብ መደምደምታ ናይቲ መደብ፣ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ፣ እምነት ቅዱስ ጴጥሮስ መሰረት ናይቲ ንኣገልግሎት ተቐቢልናዮ ዘሎና ጸዋዕታ፣ መሰረት ምዃኑ ኣዘኻኺሮምዎም፣ ኣስኣሰር እቲ ንደቂ ሰብ ንምግልጋል ስጋ ዝለበሰ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ እቲ መሲሕ ብምስዓብ ንኣገልግሎት ተጸዊዕና ኣሎና በሉ።

ዜና ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝሓለፈ ቀዳም ምሸት ኣብ ወደባዊት ከተማ ሪሚኒ ኢጣልያ ናይ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም፣ ኣብ ሪፓብሊካዊት ሃገረ ሳን ማሪኖ ዝጀመረን ምስ ተሳተፍቲ "ኣኼባ ዕርክነት ህዝብታት" ሪሚኒ ዝተራኸቡሉን ኣጣሚታት ብምንባሩ ድማ፣ ናይ ሓደ መዓልቲ ፓስተራዊ ምብጻሕ ኣካይዶም።

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዘካፈልዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ፣ ነቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ንኢየሱስ ከም ክርስቶስ እቲ መሲሕ ገይሩ ብምቕባል ዝነበሮ እምነት ብምዝካር ስብከቶም ጀመሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ከም ዝገለጽዎ፣ "ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ መሲሕ ዘለኣለማዊ ውሉድ ኣቦ ምዃኑ ስለ እንኣምን፣ 'ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ገይሩ ኼገልግልን፣ ህይወቱ ኣሕሊፉ ክህብን፣ ናብ ዓለም እተላእከ ምዃኑ ስለ እንኣምን ድማ ኢና" በሉ።

ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ ቅዱስነቶም፣ ኣብ ቃላት ቅዱስ ጴጥሮስ ይብሉ፣ "ነታ ብሓጐስን ተስፋን እትመልኣና ሓቂ፣ ኣፍልጦ ንህበሉ ናብ ህይወት ዝመርሕ መገዲ ድማ ንረክብ ኢና፣ እዚ ኸኣ መገዲ ናይቲ ንገዛእ ርእሱ ንደቂ ሰብ ከገልግል ዝወፈየ ኣምላኽ እዩ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ቀጺሎም፣ ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መፋትሕ መንግስቲ ኣምላኽ ንጴጥሮስ ዘወፈየሉ መገዲ ኽንርድኦ ኸም ዘሎና ገለጹ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ስልጣን ኣገልግሎት ምዃኑ ዜርኢ ምልክት እዩ በሉ።

ጳጳሳትን ካህናትን ጥራይ ዘይኰኑስ፣ ነፍሲ ወከፍ እተጠምቀ ሰብ "ብሓጢኣትን ሳዕቤናቱን እተኣስረ ንዝዀነ ይኹን ሰብ ኪሓቝፍ ክቐርቦን ክቕበሎን ሓራ ኼውጽእን ይቕረ ኺብለሉን ተጸዊዑ እዩ በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም፣ ናብቲ እቲ ዓመጸኛ መጋቢ ነቲ ጻድቕ ኤልያቂም ካብ ስልጣኑ ኸም እተወገደ ዝዛረብ ክፍሊ ንባብ ብሉይ ኪዳን ምልስ ብምባል ድማ፣ "እዚ ድማ ንሓድሕድና ብፍትሒ መሳርሒ ምድሓን ምእንቲ ክንከውን ከም ዘሎናን፣ ኵሉ ውህበት ኣምላኽ ምዃኑን" ዝብል ትምህርቲ ምዃኑ እውን ኣስተንተኑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም፣ እቲ ብቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ካልኣይ ንባብ ዝተገልጸ መደብ ኣምላኽ ድማ ንዓና "ዘይርዳእ" ምዃኑ ኣመልኪቶም፣ እዚ መደባት እዚ እተሓላለኸ ከም ምዃኑ፣ ብምኽንያት እቲ ብድሕሬኡ ዘሎ እተፈላለየ ኩነታት ዘይኰነስ፣ "ካብ ኵሉ ዓቕምናን ትጽቢታትናን ዝበልጽ ኣጽዋር ዜጥፍእ ዓብዪ ፍቕሩ" ብምኹኑ ከም ዝኾነ ገለጹ።

እዚ ክንላበሶ እተጸዋዕና መለኮታዊ ፍቑር፣ ኣብቲ ቕንዕናን ልግስን ሕያውነትን ህዝቢ ዞባ ሮማኛ ተንጸባሪቑ ይርከብ፣ ቅዱስ ኣቦና ከም ዝገለጽዎ እቲ ኸባቢ "ንዕረፍትን መዘናግዕን ጥራይ ዘይኰነስ፣ ንመንፈሳውነት" እውን ተቐባልነት ኪህልዎ ኣተባብዑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ቀጺሎም፣ ኣብቲ ናብ መወዳእታ ዝቐረበ ናይ ክረምቲ ዕረፍቲ፣ ምእመናን ንናይ ዕረፍቲ ግዜ ናብ "ፋሕ ምባልን ጥፍኣትን" ክመርሕ ከይፈቕዱሉ፣ ኣብ ክንዳኡስ ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም ምስ ኣምላኽን ካልኦት ሰባትን ኣብ መዓሙቝ ነፍስና ሓቀይና ምርኻብን ዕረፍትን ክረኽቡ ተላበዉ።

ክርስትያናዊ ማሕበረሰብ ከም ውልቀ ሰባትን ተቕዋምማትን፣ ኣብ ምቕባል ኣጋይሽን ተዘክሮታትን ከምኡውን "ንረድኤትን ንግብረ ሰናይን ቅሩባት ብምዃን" ነዚ ተመክሮ እዚ ኼተባብዑ ከም እተጸውዑ ኣዘኻኸሩ። እዚ ኸኣ ምስቶም ዕረፍትን ናጻ ግዜን ዚደልዩም ዝመጹ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ምስቶም "ካብ ዓዶም ርሒቖም ዕቝባን ምግብን ረድኤትን ዝደልዩ፣ ብስጋን መንፈስን ዝቘሰሉ" እውን ዝምልከት እዩ ክብሉ ኣመልከቱ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቶም ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ እተሳተፉ ምእመናን ድማ፣ ስለቲ ዝገበርዎ ተቕባል ቅድሚ ምምስጋኖም፣ ንኣማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያምን ሓለውቲ ቅዱሳንን ቅድሚ ምምስጋኖም፣ ናይ ጸሎት ሓድነት ንምስማዕ ትብዓትን ሞሳን ክህልዎም ጻውዒት ኣቕሪቦም።

24 Aug 2026, 13:04