ድለ

ር.ሊ.ጳ.፡ ኣብ ዘመነ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ.፡ ስድራ ቤት ቀዳመይቲ ቤት ትምህርቲ ሰብኣውነት እያ ር.ሊ.ጳ.፡ ኣብ ዘመነ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ.፡ ስድራ ቤት ቀዳመይቲ ቤት ትምህርቲ ሰብኣውነት እያ  (@Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ.፡ ኣብ ዘመነ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ.፡ ስድራ ቤት ቀዳመይቲ ቤት ትምህርቲ ሰብኣውነት እያ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 21 ነሓሰ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንኣህጉራዊ መርበብ ካቶሊካውያን ሓገግቲ ኣካላት ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ነታ ‘ቀዳመይቲ ቤት ትምህርቲ ሰብኣውነት’ ዝኾነት ስድራቤት ክብርስ ፈጺሙ ክፍቀደሉ ከምዘይብሉ ኣጠንቂቖም፡ ንሰብኣዊ መሰላትን ሰብኣዊ ክብርን ዝሕሉ ሕጊ ክቐርብ ድማ ይላበዉ።

ዜና ቫቲካን

"ጥዑይ ሕጊ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን ናጽነታትን እናሓለወ ስነ ፍልጠታውን እደ ጥበባውን ምህዞ ከተባብዕ ይግባእ። ተጠቀምቲ ካብ ምዝመዛ ክከላኸለሎም፣ ውልቃዊ ብሕትውና ክዕቅብ፣ ኣብ ኣጠቓቕማ ዝቕልቀሉ እደ ጥበባት ግሉጽነት ከረጋግጽን ዲሞክራስያዊ ትካላት ከምዝሕሉ ውሕስነት ክህብን ይግባእ፡"

እንክክብሉ ቅዱስነቶም ነዚ እምንቶ እዚ ዕለት 21 ነሓሰ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣህጉራዊ መርበብ ሓገግቲ ካቶሊካውያን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣጒሊሖም፡ ብዛዕባ ሕጊ ዘስተንትኑ “ጽኑዕ ሕጋዊ ቅርጻታት፡ ናጻ ክትትል፡ ሓበሬታ ዘለዎም ተጠቀምትን ሓላፍነቱ ዘይገድፍ ፖለቲካዊ ስርዓትን የድሊ” እንክብሉ ብምርግጋጽ፡ ከምዚ ዓይነት ክትትል ብብዙሕ ደረጃታት - ኣብ ውሽጣዊ፡ ሃገራውን ኣህጉራውን - መዳያት ክኸውን ከምዝኽእል ኣስተብሂሎም፡ "እቲ ማሕበር ካቶሊካውያን ሓገግቲ ኣካላት ስነ - ምግባራዊ ማዕቀፋት ክፉት ዘተ ዘመቻችእን ኣብ ትሕቲ ሓባራዊ ጽፍሕታት ማሕበራዊ ፍትሒ ዘእቱን፡ ዝኾነ ሓደ ክልሰ ሓሳብ ወይ ረብሓ ኣብ ስርዓታት ሰብ ስረሖ ኣስተውዕሎ ዝተሰረተ ክብርታት ከምዘይእዝዝ" ዘረጋግጽ ክኽውንን

ማዕረ ማዕሪኡ ድማ፡ ቅልጡፍ ምዕባለ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ሓድሽ መልክዕ ጽግዕተይናነት እደ ጥበብ ናይ ምትእታው ሓደጋ ከምዘለዎ ኣስሚሮም፡ ድኻታት ኣህዛብ ኣብ ዝሃብተሙ ኣህዛብ ዝያዳ ጽግዕተይና ዝገብር እዩ” ኢሎም።

ረቂቕ መልክዕ ዕብለላ

"ኣብዚ መዳይ ንቑሓት ክንከውን ኣሎና፡ ምህዞ ካልእ መሳርሒ ክልሰ ሓሳባዊ ወይ ቁጠባዊ መግዛእቲ ከይከውን" መታን - ቢሎም - እቲ ዘሕዝን ግን "ስነ ቀመራዊ ምዕሪታት - algorithms” መን ከም ዝረአ፡ መን ከም ዘይርአ ክውስኑ እንከለዉ፡ ስነ ኣሃዛዊ መድርኻት ብዘይ ተሓታትነት ንህዝባዊ ክትዕ ክቐርጹ እንከለዉ፡ ከምኡ'ውን ክብሪ ሰራሕተይናታት ንስርዓታት ዘምችእ ግዙእ ክኸውን እንከሎ፡ ረቂቕ መልክዕ ዕብለላ የቐርበልና፡ ከምዚ ዓይነት ምዕባለታት "ብዘይ ኣገልግሎት ንሓድሽ ገጽ ናይቲ ጥንታዊ ፈተና ዕብለላን ምልከትን ዘቃልዕ እዩ" እንክብሉ የጠንቅቑ።

ስድራቤት ከም ቀዳማይቲ ቤት ትምህርቲ ሰብኣውነት

ኣንጻር እዚ ዓይነት ናይ ስልጣን ባህሊ፡ ቤተ ክርስቲያን “ስልጣነ ፍቕሪ” ከም እትሓስብ ቅዱስ ኣቦና ሓሳብ ኣቕሪቦም። "ኣብ ከምዚ ዝበለ ሕብረተሰብ ቀዳመይቲ ቤት ትምህርቲ ሰብኣውነት ስድራቤት እያ። ቅድሚ ስሌት ምትእምማን፡ ቅድሚ ውድድር ልግሲ፡ ቅድሚ ምፍልላይ ዘተ፡ ቅድሚ ስልጣን ድማ ፍቕሪ ንመሃር" እንክብሉ ብኣጽንዖት ኣተሓሳሲቦም፡ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ "ነዚ ቀንዲ ዋህዮ ሕብረተሰብ ክብሕጉጎ ፈጺሙ ክፍቀደሉ የብሉን - ሰባትን ዝምድናታትን ናብ ኣሃዛዊ ጸብጻባትን ተምስሎን ብምንካይ፡ መንእሰያት ኣእምሮታት ንረብሓታቶም ብዘዛብዕ ትሕዝቶ ብምዕልቕላቕ፡ ወይ ድማ ንህይወት ስድራቤት ብቑጠባ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ቁጠባዊ ቀጥዕታት" ኢሎም።

ሓዳርን ስድራ ቤትን ምድልዳል

"በዚ ምኽንያት እዚ" ቅዱስ ኣቦና "ሓዳርን ስድራ ቤትን ዘሐይል፡ ወለዲ ኣብ ትምህርታዊ ተልእኾኦም ዝድግፉን መንእሰያት ብተኣማንነት ንመጻኢ ክጥምቱ ዘኽእሉን ሕግታት ከተስፍሑ እላቦ።

ክቡራት ኣዕሩኽ ዓለም ንሰብኣውነት ዘጉድል ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣየድልያን እዩ፤ እንታይ ደኣ ብጥበብ ዝበርህ ሰብኣዊ ብልሒ፣ ብሕልና ዝምራሕ ፖለቲካዊ ስልጣንን ብሰናይ ተግባር ዝምራሕ እደ ጥበባዊ ምህዝቦን የድልያ” እብክብሉ ኣጽኒዖም ብምግላጽ፡ ሽዑ ጥራይ እዩ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ መወዳድርቲ ሰብኣውነት ዘይኮነስ ኣገልጋሊ ናይ ሓባር ረብሓ ክኸውን ዝኽእል” እንክብሉ በዚ ሓሳባት እዚ ማሕበርኩም ንሃገራትኩምን ንመላእ ሰብኣዊ ስድራቤትን ብዙሕ ፍረ ክፈሪ ጸሎትይ እዩ” እንክሉ መደረኦም ዛዚሞም።

22 Aug 2026, 16:45