ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፡ 'ኣብ ሴውታ ዘሎ ኩነታት ጸኣት ስደተይናታት ብስክፍታ ይከታተልዎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፡ 'ኣብ ሴውታ ዘሎ ኩነታት ጸኣት ስደተይናታት ብስክፍታ ይከታተልዎ  (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፡ 'ኣብ ሴውታ ዘሎ ኩነታት ጸኣት ስደተይናታት ብስክፍታ ይከታተልዎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 2 ነሓሰ ፍርቂ መዓልቲ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ነጋድያን ኣብ ዝተረኽብሉ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም ብሓባር መሪሖም ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ደጊሞም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ስጳይናይና ርእሰ ምምሕዳር ከተማ ሴውታ ዝረአ ዘሎ ከቢድ ቅልውላው ስደት ዘሕደረሎም ስክፍታኦም ገሊጾም፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝካየድ ውግኣት ደው ክብል ጸልዮም፡ ኣብዚ ሰሙን መወዳእታ ኣብ ኣሲዚ ከካይድዎ ዝኾነ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ድማ ከም ዝዘከሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዜና ቫቲካን

“ነቲ ኣብ ሴውታ ዘሎ ዘሰክፍ ኩነታት ብዓብይ ስኽፍታ ይከታተልዎ ከም ዘለዎ ሓቢሮም፡ ብኣማላድነት እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣፍሪቃ፣ ፍታሕ ሰላምን ምርግጋእን ፍትሕን ክረክብ እልምን” ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና፡ ኣብ ሰሜናዊ ገማግም ኣፍሪቃ እትርከብን ምስ ሞሮኮ እትዳወብን ስጳይናዊት ርእሰ - ምምሕዳር ከተማ ሴውታ፡ ዓቢ ህጹጽ ስደት ኣጋጢምዋ ምህላዉ ይዝክሩ።

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ካብ ሞሮኮ ናብቲ መሬት ክኣትዉ ከም ዝፈተኑን፡ እዚ ተራእዩ ዘይፈልጥ መእለዪ ስደተይናታት ብስደተይናታት ከዕለቕልቕ ዝገበረ ኩነታት፡ ስጳይና ተወሳኺ ሓይልታት ጸጥታ ከተዋፍር ከም ዘገደዳ ዘሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ኣብዚ ቅልውላውን ብባሕሪ ንምስጋር ኣብ ዝግበር ዘሎ ሓደገይና ፈተነታትን ብውሕዱ ህይወት 67 ሰባት ከም ዝጠፈአ ሮይተርስ ኣገልግሎት ዜና ዝሃቦ ሓበሬታ ተወኪሱ ብምምልካት፡ መብዛሕትኦም እቶም ግዳያት ኣብ ባሕሪ ከምዝጠሓሉ ወይ ድማ ኣብቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ህውከት ዝመልኦ መሳገሪታት ህይወቶም ዝሰኣኑ ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ይሕብር።

ውግኣት ደው ክብል ጸሎት ቅዱስነቶም

ብድሕሪ’ዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሓሳቦም ናብ ኩሎም እቶም ብሰንኪ ውግእ ዝሳቐዩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣቕኒዖም፡ “ኣብ መላእ ዓለም ውግኣት ደው ክብልን ንግርጭታት ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክባት መሰረት ፍታሕ ክረክብን ጸሎትና ቀጻሊ ይኹን - ቢሎም - ብፍሉይ መገዲ: ነቶም ግዳያት ተጻብኦታት: ብፍላይ ከኣ ነቶም “ዝደኸሙን መከላኸሊ ዘይብሎምን” ብምዝካር፡ ምእንቲ ቈልዑን ኣረጋውያንን ሕሙማትን ጸሎቶም ኣቕሪቦም፡ ጎይታ “ነቶም ዝሳቐዩ ከጸናንዕን ናይ ኩሎም ሓገዝን ምጽንናዕን ዘምጽኡ ስራሕ ክባርኽን” እውን ከም ዝጸለዩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምሕረት ኣሲዚ

ኣብ መወዳእታ እውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብዚ ሰሙን መወዳእታ ኣብ ኣሲዚ ዝጽምበል ምሕረት ዘኪሮም፣ ምእመናን ነዚ ዓቢ መንፈሳዊ ህያብ ከመስግኑን ከኽብርዎን ዓዲሞም። ምሕረት ኣሲዚ ብትውፊት ምስ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ዝተኣሳሰረ ናይ ንስሓን ቅዱስ ቁርባንን ምስጢራት ብምክፋልን ናብ ቁምስናታት ወይ ፍራንቸስካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ብምብጻሕን ጸሎተ ሃይማኖትን ኣቡነ ዘበ ሰማያትን ብምድጋምን ንናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት ሃሳብ ዘማእከለ ጸሎት ዝገበርሉ ምዃኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡

“ምሕረት ኣሲዚ” ካብ 1216፡ ኢየሱስ ክርስቶስን ድንግል ማርያምን መላእኽትን ኣብ ኣሲዚ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ፍራንቸስኮ፡ ኣብ ዝተገልጽሉ ስፍራ ዝተጀመረ ኮይኑ እቲ ስፍራ ሎሚ ኣብ ውሽጢ ባዚሊካ ቅድስተ መርያም ዘመላእክት ዝርከብ ኮይኑ፡ ኢየሱስ ንፍራንቸስኮ ንድሕነት ነፍሳት እንታይ ከም ዝምነ ምስ ሓተቶ ፍራንቸስኮ ድማ እግዚኣብሔር ንኹሎም ናብታ ቤተ ጸሎት ዝኣትዉ ምሉእ ስርየተ ሓጢኣት ክጽግዎም ከም ዝለመነን ድሒሩ እቲ ምሕረት ንዝኾነ ሰብ ዕለት 1 ወይ 2 ነሓሰ ናብ ሰበኻ ወይ ፍራንቸስካውያን ቤተክርስትያን ንዝነግዱ ከም እተዘርገሐ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

03 Aug 2026, 17:19