ናይ ር.ሊ.ጳ. ኣስተንትኖ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር፡ ክርስቶስ ብሓቂ ንጥሜት ደቂ ሰባት የዕግብ!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 2 ነሓሰ ፍርቂ መዓልቲ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ነጋድያን ኣብ ዝተረኽብሉ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም ብሓባር መሪሖም ጸሎት መልኣከ ገብርኤል ቅድሚ ምድጋሞም ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ ወንጌል ማተዎስ ምዕ. 14, 13 - 21 ዝተወስደ ምንባብ ኣማእኪሎም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፡ ምስ ክርስቶስ ምርኻብ መኣዛዊ ተመክሮ ምዃኑ ንምእመናን የዘኻኽሩ።

ዜና ቫቲካን

ክርስቶስ ብሓቂ ጥሜት ደቂ ሰባት የዕግብ እዩ እንክብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሰንበት ዕለት 2 ነሓሰ 2026 ዓ.ም.  ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ነጋድያን ኣብ ዝተረኽብሉ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም ብሓባር መሪሖም ጸሎት መልኣከ ገብርኤል ቅድሚ ምድጋሞምን ካብ ወንጌል ማቴዎስ እተወስደ ናይ ዕለቱ ብዛዕባ ተኣምራት እንጌራን ዓሳን ዝነግር ምንባብ ኣማእኪሎም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ኣስተብሂሎም፡ ኢየሱስ ህዋሳት ንዝጎደሎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንደቂ ሰባት ብብዙሕ ህያባቱ ከም ዘዕግብ ኣስተብሂሎም፡ ኣብ ክፍሊ ወንጌል ቅዱስ ማቴዎስ ኢየሱስ ነቲ ህዝቢ ካብ ዝነበሮ ድንጋጸ ተደሪኹ ብተኣምር ንልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ሰባት ብሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ከመይ ከም ዝምግቦም ይገልጽ - ቢሎም - ንዓና ዘለዎ ፍሉይ ፍቕርን ንዓለም ዘምጽኦ ድሕነትን ዝገልጽ ተግባራት ከም ዝፈጸመ ዘኪሮም፡ ንዓይነ ስዉራን ምርኣይን ንጸማማት ምስማዕን ሓዊሱ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ክርስቶስ ከምኡ ብምግባሩ፡ ተኣምራዊ ግብሪ ካብ ምፍጻም ንላዕሊ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ቀረባ ምዃና ንዅሉ የበስር ምህላዉ እዩ ዝነግር እንክብሉ ከም ዘጉልሑ ኣፍሊጡ።

ምስ ጎይታ ምርኻብ 'መግቢ' ተመክሮ እዩ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ነቶም ምእመናን እቲ ጸብጻብ ምብዛሕ እንጌራ፡ ኢየሱስ ነቶም ዝጠመዩ ክምግቦም ዘርኢ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ምስ ጎይታ ምርኻብ ንባዕሉ መኣዛዊ ተመክሮ ምዃኑ ዘቃልዕ እዩ። ኣብቲ ኩሎም ጸጊቦም ዝበልዑሉን ዓሰርተ ክልተ መሶብ ዝተረፈ ዝኣከቡሉን ክፋሊ ምስ ክርስቶስ ድሌታትና ብብዝሒ ከም ዘርዊ ዘረጋግጽ እውን ምዃኑ ኣስሚሮም፡ ጐይታ ንዓና ዝገብሮ ናይ ምድላዋት ሓልዮት ፈጺሙ ከምዘይፈሽል ብምርግጋጽ "ክርስቶስ ብሓቂ ንጥሜት ደቂ ሰባት፡ ንጥሜት ሓቅን ህይወትን የዕግቦ" እንክብሉ ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስሰዐ - 'መንፈሳዊ ሕማም'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን እውን ካብቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ምእካብን ብኽነትን ዝግለጽ ክፍኣት ስስዐ ኣጠንቂቖም፡ "እዚ መንፈሳዊ ሕማም እዚ፡ ነቶም ብሃብቲ ዝሰኸሩ ህዋሳት፡ ሰባት ነቶም ብጥሜት ዝበኽዩን ብጽምኢ ዝጭድሩን ክሳብ ዝርስዕዎም የዐውሮም" እንክብሉ ጓሂኦም ገሊጾም፡ "ምስ በረኻታት ውግእን ትዕቢትን እናኣጋጠመና ጐይታ ናብ ሰማይ ብዓብይ ለውሃት ከም ዝጠመተን ባሪኹ ነቲ እንጌራ ቘሪሱ ንደቂ መዛሙርቲ ነቲ ህዝቢ ምእንቲ ኺዕድልዎ ከም ዝሃቦም ንስተንትን" እክብሉ ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት፡

ብጸጋ ቅዱስ ቁርባን ኣብ ልግሲ ምዕባይ

ኣብዚ ናይ ፍቕሪ - ልግሲ ተኣምር፡ ጐይታ ከም ሓውና ሕይወቱ ኣብ ዝሃበና ናይ መወዳእታ ድራር ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ዝበጽሑ ባህርያዊ ተግባራት ኢየሱስ ነለልዮም፡ በዚ ድማ ምእመናን ጸጋ ቅዱስ ቁርባን ክስተማቕሩ እንከለዉ፡ ብመዓልታዊ ተግባራቶም ጽባቐኡ ምስ ስድራ ቤቶምን ፈተውቶምን ካብ ዝካፈልዎ ዝተባረኸ መግቢ ጀሚሮም፡ ክምስክሩ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ዓዲሞም፡ ምስ ኢየሱስ ሓቢርና ናብ ጐረባብትና እንተ ተበጊስና ናይ ግዜ ዕረፍቲ እውን ከይተረፈ ሕውነታዊ ህድኣት ኪህልወና ዘኽእል ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ ኣብ መወዳእታ ንድንግል ማርያም እታ ፈቃር ኣዴና ዋላ ሓደ ሰብ "ናይ ዕለት እንጌራኡ" ምእንቲ ኸይጐድሎ ኣብ ለጋስ ፍቕርን ክንዓቢ ክትሕግዘና ተማሕጺኖም ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

03 Aug 2026, 17:16