ድለ

DRCONGO-HEALTH-EPIDEMIC-VIRUS-TRANSPORT DRCONGO-HEALTH-EPIDEMIC-VIRUS-TRANSPORT  (AFP or licensors)

ር. ሊ. ጳ. ኣብ ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ንዝርከቡ ግዳያት ኢቦላ ህጹጽ ረድኤት ክረኽቡ ተማሕጺኖም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቶም ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ብለበዳ ኢቦላ እተጠቕዑ ወገናትን ንግዳያት ምህማም ምድሪ ናይ ዕደና ከባቢታን ንዝኾ ሕዝቢ ማእከላይ ኣፍሪቃን ኣህጉራዊ ክንክን ክግበረሎም ተማሕጺኖም።

ዜና ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሰንበት ዕለት 23 ነሓሰ ድሕሪ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ዘካፈልዎ ቃል ሰምታን ምሕስንታን፣ ነቲ ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ተኸሲቱ ዘሎ ለበዳዊ ሕማም ኢቦላ ዘኪሮም።

"ኣብ ጸሎተይ ንደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ብፍላይ ብምኽንያት እቲ ዘሕዝን ንህይወት ብዙሓት ሰባት ዝቐዝፍ ዘሎ ለበዳዊ ሕማም ኢቦላ ብዙሕ ግዜ እየ ዝዝክሮ" በሉ።

ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ነቲ ለበዳዊ ሕማም ምላሽ ክህብ ድማ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም እተላበውዎ፣ "ህይወት ብዙሓት ሰባት ንምድሓን ኣብቲ ኸባቢ ንዝርከቡ ማሕበረሰባት ኣብ ምክልኻል ዝግበር ጻዕርታት ዘሳትፍ ካብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ምላሽ ክወሃቦም አተባብዕ ኣሎኹ" በሉ።

ካብቶም 5,300 በዚ ሕማም እዚ ከም እተጠቕዑ እተረጋገጸ መርመራት፣ ልዕሊ 2,500 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም ኣለው፣ እዚ ድማ ኣብዚ እዋን እዚ ተቐባልነት ዝረኸበ ሕክምናን ክታበትን ዘይብሉ ሕማም ኮይኑ ኢዩ ዝርከብ ዘሎ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ወርሒ ግንቦት 2026 ኣርሒዙ፣ ኣብ ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ኡጋንዳን መልከፍቲ ተኸሲቱ ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላጹ፣ እቲ ኩነታት ለበዳዊ ሕማም ምዃኑ ኣዊጁ ኣሎ።

ሚኒስተር ጥዕና ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፣ እታ ሃገር ልዕሊ 16,000 ዓቐን ክታበት ኤርቬቦ ከም ዝወሰደት ገሊጹ ይርከብ፣ እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዓሌታት ኢቦላ ውጽኢታዊ ኮይኑ ተረኺቡ ኣሎ።

ምስፍሕፋሕ እቲ ቫይረስ ደው ንምባል ዝግበር ጻዕርታት፣ ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ዕጡቓት ጕጅለታትን እተላዕለ ዕትቃዊ ግጭታት ተዓናቒፉ ይርከብ።

ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ምእንቲ ግዳያት ናይ ዕደና ከባቢት ዝረገ ጸሎት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዛዕባ እቶም ኣብ ሪፓብሊካዊት ሃገረ ማእከላይ ኣፍሪቃ ዘጋጠመ ሓደጋ ምህማም ምድሪ ናይ ዕደና ከባቢታ እውን ጸልዮም።

"ምእንቲ እቶም ግዳያት ናይቲ ኣብ ዛምቦየ ኣብ ዝርከብ መዐደኒ ዘጋጠመ ምህማም ምድሪ ዝሓዝኑ ዘለዉ ህዝቢ ሪፓብሊካዊት ሃገረ ማእከላይ ኣፍሪቃ እውን ጥቡቕ ቅርበት ኣሎኒ" በሉ። "ጐይታ ነቶም ህይወቶም ዝሰኣኑ ክቕበል፣ ኣብ መዐደኒ ቦታታት ድሕንነትን ሕጋውነትን ንምርግጋጽ ድማ ጻዕርታት ክቕጽል" እውን ክብሉ ተማሕጸኑ።

ብዕለት 18 ነሓሰ ኣብ ዛምቦየ ኣብ ዝርከብ መዐደኒ ወርቂ ብዘጋጠመ ምህማም ምድሪ፣ ልዕሊ 100 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም ይርከቡ ኣለዉ።

መንግስቲ እታ ሃገር ከም ዝገለጾ፣ እቲ ቦታ ቅድሚ እቲ ፍጻመ ድሮ ተዓጽዩ ከም ዝነበረ ኢዩ ዝፍለጥ።

24 Aug 2026, 13:08