ር. ሊ. ጳ.፦ ንክርስቶስ ክፉታት ንኹን ደአ እምበር ካብ እምነትና ንድሕሪት ኣይንመለስ
ዜና ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 23 ነሓሰ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘካፈልዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ፣ "ካብ ናይ ገዛእ ርእስና እምነትን ሃይማኖታዊ ርግጽነትን ንድሕሪት ክንምለስ ኣይንጽዕር፣ የግዳስ ምስ ክርስቶስ ሓቀይና ርክብ ንምምስራት ክፉት ክንከውን ንጽዓር" ክብሉ ነቶም ኣብ ጸሓይ ሃሩር ኣብሪቲ ኣደባባይ ንእረኽቡ ብዙሓት ምእመና ኣስተምሂሮም።
"ሓድሓደ ግዜ ብዛዕባ ክርስትያናዊ እምነት ብዝምልከት በቲ 'ዝሰማዕናዮ' ጥራይ፣ በቲ ሓባራዊ ግምታት ወይ በቲ እተዋህበና ነገራት ምናልባት እውን ብጽቡቕ ሓሳብ ዕጉባት ክንከውን ንኽእል ኢና" ክብሉ ኣጠንቀቑ።
"ይኹን እምበር ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብሕታዊ ምላሽ ክንህብን፣ ኣጸቢቕና ኽንፈልጦን ብሓድሽ ርክብ ኣቢልና ምስኡ ብዕርክነት ክንቅረጽን እዩ ዝጽውዓና" ክብሉ እውን ተላበዉ።
ኵሉ ነገር ከም እንፈልጥ ጌርና ንኽንሓስብ ዝቐርበልና ፈተና ኽንሰግሮ ኣሎና
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ "ንስኻትኩም ግና መን ኢኹም ትብሉኒ?" ክብል ከም ዝሓተቶም ብምጥቃስ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "እዚ ንኣብ ኵሉ ዘመናት ንዘለዉ ደቀ መዛሙርትን ንነፍሲ ወከፍናን ዝቐርበልና መሰረታዊ ሕቶ እዩ" ብምባል ኣጕሊሖም፣ ከመይሲ እምነት "ነቲ ኣብ ህይወትና እንገብሮ ምርጫታት፣ ምስቲ እንብሎ ምእንቲ ኽሰማማዕ ንምሕዳስ" ብቐጻሊ ንወንጌል ክርስቶስ እንደገና ክንረኽቦ ዘድልየና መስርሕ ኢዩ።
"በዚ መገዲ እዚ ንዅሉ ነገር ከም እንፈልጥ ጌርና ንምሕሳብን፣ ንእምነትን ናብ ልማዳዊ ተግባር ጥራይ ንምቕናስን ንፈተና ክንሰግሮ ንኽእል ኢና" ብምባል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣጕሊሖም።
ሓድሽን ዘይፈልጦን መገድታት ብውልቂ ዀነ ከም ቤተ-ክርስትያን ምስዓብ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በብመዓልቱ ምስ ክርስቶስ ዘሎና ዕርክነት ምሕዳስ "ንዘይንፈልጦ መገድታት ክንስዕብን፣ ካብቲ ዝሓሰብናዮ እተፈልየ ምርጫታት ክንገብርን እውን ክሓትተና ይኽእል እዩ" ብምባል ገለጹ።
"ከምቲ ዅሉ ግዜ እንገብሮ ዝነበርና ምግባር ጥራይ እኹል እዩ" ኢልና ንኽንሓስብ ካብ ዝቐርበልና ፈተና ክንጥንቀቕ ብምትሕስሳብ፣ ንገዛእ ርእስና ተኸታታሊ ሕቶታት ክንሓትት ኣተባብዑ፦
ጐይታ መን እዩ? ብሓቂ እፈልጦ ድየ? ሎሚኸ ወንጌሉ እንታይ ክገብር ኢዩ ዝደልየኒ? እንታይ ዝበሉ ስጕምትታትን፣ ከመይ ዝበሉ ምርጫታትን ክገብር ኢየ ተጸዊዐ ዘሎኹ?" ክንብል ከም ዝለና ተላበዉ።
ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ፍቕሪ ንዜምጽእ ክርስቶስ ምርካብ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ብዛዕባ እቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ንዓና መን ምዃኑን፣ ኣብ ህይወትና እንታይ ከም ዚውክልን ዝገልጽ ሕቶታት፣ "ብፍላይ ኣብ ጸሎትን ብዛዕባ ወንጌል ኣብ እነስተንትነሉን ግዜ ብኸመይ ከም ዝለዓል" ኣመልኪቶም።
ይኹን እምበር ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘመልከትዎ፣ "ንቍስሊ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘድልዮ ነገራትን ከማኡ ኬጋጥመና እንከሎን ከምኡውን ኣብቲ ንሕልናና ኣዝዩ ዝብድህ ርክባትን ኵነታትን" ከም ዝለዓል ገለጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም፣ "ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ብሓጺሩ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓና ኣገዳሲ ዝኾነ ነገራት እተዛረበን ዝገበረን ዓብዪ ናይ ታሪኽ ሰብ ጥራይ ድዩ? ወይስ እቲ ናብ ፍቕሪ ኣቦ ኼእትወናን ንህይወትናን ነታ እንነብረላ ዘሎና ዓለምን ክልውጥ እተላእከ ክርስቶስ ኣምላኽ ምኹኑን ክንፈልጥ ንኽእል ኢና" ክብሉ ኣስተንትኖኦም ደመደሙ።
