ድለ

2026.08.06 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣሲዚ፡ ናይ ፍቕሪ ስልጣነ እምበር ናይ ምፍልላይ ባህሊ ኣይትህነጹ 2026.08.06 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣሲዚ፡ ናይ ፍቕሪ ስልጣነ እምበር ናይ ምፍልላይ ባህሊ ኣይትህነጹ  (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣሲዚ፡ ናይ ፍቕሪ ስልጣነ እምበር ናይ ምፍልላይ ባህሊ ኣይትህነጹ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዕለት 6 ነሓሰ ኣብ ኣሲዚ ኣብ ዘካይድዎ ጉስነታዊ ዑደት ኣብ ቅርዓት ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዘመላእክት ምስ መንእሰያት ከም እተራኸቡን ቅዱሰንቶም ካብቶም መንእሰያት ዝቐረበሎም ሕቶ መሰረት ገይሮም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ ሱር በተኻዊ ወንጌላውነት “ኣንጻር ጸንፈይናነትን ዕዉራትን ዓመጸይናታትን ዘይኮነስ ተሃዋስያን ትኩራትን ተቐበልቲ ኩሉ ንኽንከውን የብቅዓና” እንክብሉ የጒልሑ።

ዜና ቫቲካን

መንፈሳዊ ሕድሪ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ሎሚ ብኸመይ ክነብር ይኽእል? ኣብዛ ብጭቆናን ሃልኪን እናተቐርጸት እትኸይድ ዘላ ዓለም ከመይ ጌርና ናይ ኣገልግሎት መንፈስ ክንሓቁፍን ክንቅበልን ንኽእል? ንባዕላ ብቅልውላዋትን ተጋራጫውነትን ዝተለለየት ቤተ ክርስቲያንከ ከመይ ጌርና ክንኣምን ንኽእል?

እዚኦም ገለ ካብቶም ዕለት 6 ነሓሰብ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኣሲዚ መንእሰያት ዝቕረቡሎም ሕቶታት ኮይኑ፡

ኣብ ቅርዓት ባሲሊካ ቅድስቲ ማርያም ዘመላእክቲ ባዚሊካ ምስ መንእሰያት ብምርኻብ ኣብ ኢጣሊያ ዞባ ኡምብሪያ ከተማ ኣሲዚ ዘካይድዎ ናይ ሓደ መዓልቲ ሓዋርያዊ ዑደት ከም ዝጀመሩን ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ኣንጻር ውሓዝነት ምኻድ፡ ዝኽርታት ምፍዋስን ዕርቂ ምዕባይን

ካሮሊና ዝተባህለት ካብ ዛግረብ ዝመጸት ሰባት ከመይ ጌሮም ሓቀይና ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ኮይኖም ክቕጽሉን ኣብ ውሽጢ መናድቕ ቤተ ክርስቲያን ተዓጽዩ ዘይጸንሕ ህያው እምነት ክካፈሉን ይኽእሉ ዝብል ዘቕረበቶ ቀዳማይ ሕቶ መሰረት ገይሮም ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ካብ “ቅድሚ ሰላሳ ዓመት ጥራይ ውግእ ዘጋጠማ ዞባ ኤውሮጳ፡ ከምኡ’ውን ካብቲ ሓደገይና ሃይማኖታውነትን ሃገራውነትን መሰረት ዝገበረ ውግእ ዘሕለፈት ሃገር ከም ዝመጸት ብምዝካር፡ ፍራንቸስካውያን ኣብቲ ዞባ ንዘተ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሑ ተወፋይነት ካቶሊካውያን፡ ኦርቶዶክሳውያን ክርስትያንን ኣስላምን ብሓባር ብሰላም ክነብሩ ከምዝሓገዙ ኣመልኪቶም። እዚ ክቕጽል ዘለዎ መንገዲ ምዃኑ ኣጒሊሖም፡"ሎሚ ነዚ ናይ ምቅርራብ ትውፊት እሙን ምዃን ማለት ኣንጻር ወሓዝነት ምኻድ፡ ዝኽሪ ንምፍዋስን ዕርቂ ምዕባይን ምስራሕ ማለት እዩ። ክርስትያም ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ መንነታት ኣብ ዝፍጠር ግጭት ሃይማኖት ንምምዝማዝ ኣብ ዝፍተን ሕብረተሰባት ገበርቲ ሰላም ክኾኑ ዝተጸውዑ እዮም" እንክብሉ ድማ የዘኻኽሩ።

ግጉይ ሓበሬታን ጽልእን ፍርሒ ይፈጥር፤ ክርስቶስ ልቢ ይኸፍት

ከም መንፈሳውያን ኣወዳትን ኣዋልድን ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ኮይኖም ምንባር ማለት ወንጌላውነት ሱር በታኽ ሓቀይና ትርጉም ምርዳእ ማለት ኢዩ። “ኣንጻር ጸንፈይናነት እዩ: ዕዉራትን ዓመጽትን ኣይገብረናን: እንታይ ደኣ ተሃዋስያን ትኩራትን: ወትሩ ንኢየሱስ ክንስዕቦን ስለዚ ድማ ንዅሉ ሰብ ትሑታትን ተቐባትን ይገብረና። ቀሊል ኣይኰነን: ይኹን እምበር ዓቢ ሓጐስ ዘምጽእ እዩ።”

ነዚ መንገዲ ምስዓብ ሓደ ሓደ ግዜ ንነፍሲ ወከፍ ፈተነ ኣታላሊ ፈተናታት እናተቓወምካ ዘይምቹእ ወይ ሓላፊ ኣገባባት ዘይስዕብ ምርጫታት ምግባር ማለት ምዃኑ ኣብሪሆም፡ “ስለዚ ብዛዕባ ክርስቶስ ምምስካር መሳጥን ጠለብን ኮይኑ ይቕጽል፣ ምኽንያቱ ንኣእምሮናን ልብናን ኪኖ ሰብ ሰርሖ ዶባት ማለት ኪኖ እቲ ብጌጋ ሓበሬታን መናድቕ ጽልእን ዝፍጠር ፍርሒ ይኸፍቶ።”

እደ ጥበብ ከመይ ጌርና ብሓባር ከም እንኸውን ከም እንርስዕ ይገብረና

ቀጺሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ድኽነት ንሰባት ዋላ እውን ኣብ ርሑቕ ዘለዉ እውን ከቀራርብ ከም ዝኽእል ቅዱስ ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ድኽነት ዝነበሮ ርድኢት ኣስተንቲኖም። ቤተ ክርስቲያን ምዃን እንታይ ማለት ምዃኑ ዘክሩ፡ ንኹሉ ክፉት ገዛ፡ ሕውነታዊ ሓጎስ ዝስምዖን ዘስተማቕርን ማሕበረሰብ። ሰባት ነቲ ስጋዊ ክውንነት ብሓባር ምህላው፡ ኪኖ’ቲ ምናባዊ ዓለም፡ ከምኡ’ውን “ኣንጻር ኲናት፡ ምስ ዓመጽ፡ ኣውያትን ጭካነን” ዝኾነ ዋጋ ስቕታን ዳግማይ ዝረኽብሉ ቦታ እዩ። “ክቡራት መንእሰያት ብሓባር ኮይንካ ‘ብዛዕባ ኣምላኽ ምዝራብ’፡ ብብርሃኑ ድማ ብዛዕባ ህይወት ባዕላ፡ ብኹሉ ጽባቐኣን ምስጢራታን ዕቱብነታን ክትዛረብ ክንደይ ጽብቕ እዩ! ኣብ ዝኸድካዮ ነዚ ኣገባብ መነባብሮ እዚ ብፍላይ ኣብዚ እደ ጥበብ ከም ሰብ ስጋን ደምን ከመይ ጌርና ብሓባር ከም እንኸውን ክንርስዕ ኣብ ዝገብረና ዘሎ እዋን መስክርዎ።”

ናይ ምሉእ ዕድመ ቃል ምእታው ሰውራዊ ተግባር እዩ

ካብ ቦሎይና ዝመጸ ጆቫኒ ኣብዛ መብዛሕትኡ ግዜ ኪኖ ቀረባ መጻኢ ወይ ናብ ዘለኣለም ክትጥምት እትቃለስ ዓለም ከመይ ጌርካ ብምሉእ ልቢ ንኣምላኽ “እወ” ክንብል ንኽእል? ንር.ሊ.ጳ. ንሮበርት ፕረቮስት ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ጸዋዕታዊ ጉዕዞ እንታይ ከም ዝሓገዞ እውን ይሓትት፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት “ውዱእ ምርጫ ምግባር ምናልባት እቲ ዝያዳ ሰውራዊ ተግባር ክኸውን ይኽእል እዩ። ሎሚ ዘሎ ጸገም፡ “ሓሓሊፉ ኣብ ናጽነት ዝደናገር ርድኢት” ከም ዘሎ፡ እዚ ድማ “ሽግራት ብምህዳም፡ ንኻልኦት ብምጥላም ፡ ወይ’ውን ኣብ ቀጻሊ ዝቕየር መገድታት ሒደት ስጉምትታት ጥራይ ብምውሳድ፡ ፈጺምካ ርሑቕ ከይተጓዓዝካ ክፍታሕ ከም ዝኽእል” ዝብል ምትላል ከዕቢ ከም ዝኽእል ኣብሪሆም፡ ብቐጻሊ ሓድሽ ተመክሮን ዝምድናን ንብረትን ምድላይ መብዛሕትኡ ግዜ ውሽጣዊ ባዶነት ከም ዘመልክት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣጠንቂቖም። ሰባት ንኻልኦት ከም ዝልወጥ ንብረት ገይሮም ንኽርእይዎም ክመርሖም ይኽእል እዩ። ሓቀይና ፍቕሪ ግን ፍጹም ዝተፈልየ ነገር እዩ። "ንዘልኣለም ምውሳን ማሕቡስ ኣይኮነን፡ እንታይ ደኣ ንዝዓበየ ቀላሲ ሓይሊ ይኸፍተና። ፍቕሪ ጸኣት እዩ፡ ክርከብ ዘለዎ መንገዲ፡ እግዚኣብሄር ምሳና ዝገብሮ ጉዕዞ እዩ። እዚ እዩ እቲ ሓቀይና ትርጉም ናይ ነፍሲ ወከፍ ጸዋዕታ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንምዃን 'እወ' ምባል

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብሕቶ ጆቫኒ ተደሪኾም ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእሶም ውልቃዊ ጉዕዞ ንእሽቶ ምልክት እንከቕርቡ፡ ውሳነታት በብመዓልቱ ክሕደስ ከም ዘለዎምን ጸዋዕታ ድማ “ጉዕዞ ምድሓንን ፈውስን” ምዃኑን ገሊጾም፡ ሓጢኣት ንፍርዲ ሓደ ሰብ ከደብኖ ዝኽእል መገዲ መዓልታዊ ተወፋይነትን ቀጻሊ ንቕሓትን ይሓትት። ብተመኩሮይ ጎይታ ንበይነይ ገዲፉኒ ኣይፈልጥን ክብል እኽእል እየ። ኩሉ ግዜ ኣሰንዩኒ እዩ፣ ምሳይ ዝኸዱን ዝጓዓዝን ሰባት እውን ይህበኒ። ኣብቲ ካህን፣ ኣባል ማሕበረሰብ ኣጎስጢኖሳውያን ልኡከ ውንጌልን ክኸውን ኣብ ዝገበርክዎ ጸዋዕታ፣ ክሳብ ሎሚ ዝመርሓኒ ብርሃን ረኺበ፣ ክሳብ ንኣዝዩ ፍሉይ ጻዋዕታ 'እወ' ክብል ዝድርኽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምዃን።"

“ብተመኩሮይ ጎይታ ንበይነይ ገዲፉኒ ኣይፈልጥን ክብል እኽእል እየ።”

ንከተማታትና ዝኸፋፍል ዘይርአ መናድቕ

ሉዊጂ ዝተባህለ ወዲ 22 ዓመት ካብ ሲቺሊያ’ ብፍላይ ከቢድ ኮይኑ ኣብ ዝስምዓሉ እዋን ወይ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ዕንቅፋታት ኣብ ዝቕልቀሉሉ እዋን ብዛዕባ ንተካኢ ጴጥሮስ ምእዛዝ። ሰባት ኣብ ውሽጢ “እዛ ፈዋሲት ፍቕሪ” ብኸመይ ክጸንሑ ይኽእሉ?

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ መበል 14 ሓድነት ናብ ልቢ ኢየሱስ ቀረባ ምዃኑ ማለት ከምዝኾነ ኣጽኒዖም ብምሕባር፡ ሓድነት ናይ መንበረ ጵጵስኦም ጭርሖ ዝገበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሓድነት “ሰውራዊ” ነገር እዩ እንክብሉ ገሊጾሞ። ዋላ እኳ ቤተ ክርስቲያን ውድቀትን ቁስልን እንተሃለዋ ከምዚ ዓይነት ሓድነት ዝከኣልን ዝርአን ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ፡ "ኣብ ዙርያ ኢየሱስ፡ ብኻልእ መገዲ ፈጺሞም ዘይራኸቡ ወይ ብሓባር ግዜ ዘሕልፉ ዘይነበሩ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣሕዋትን ኣሓትን ይኾኑ። እዚ ተኣምር ቤተ ክርስቲያን ብቐጻሊ ክፍጸም እንከሎ፡ ምስጋና ንኣምላኽ ይኹኖ፡ ሎሚ'ውን ኣብተን ሰባት ካብ ነንሕድሕዶም ዝፈላልዩ ብዘይርአ መናድቕ ዝተመልኣ ከተማታትና ዘገርም ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። ክንደይ ዓይነት ኣድልዎን ዘይምዕሩይነትን ሓንሳብ ሓንሳብ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ንሓድሕድና ምስ ተላለና ብኡንብኡ ክውዳእ ይኽእል እዩ!”

ሓይሊ ኢየሱስ ዘዋርድ ዘይኮነስ ልዕል ዘብል እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝሃብዎ መልሲ ንቃላት ነብሰይ ንእግዚኣብሔር ተዕብዮ ጸሎት ናብ ዘቃልሖ ስነ - መጐት ዓለም ኣቕኒዖም፡ ሓቀይና ሓይሊ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ገዛእ ርእሱ ናይ ምትኳር ክእለት ዘይኮነስ፡ ብትሕትና ንኻልኦት ንምግልጋል ብዘለዎ ድልውነት ከም ዝዕቀን ገሊጾም። “ምግባት ዘይኮነስ ምቕባል፤ ምሓዝ ዘይኮነስ ምምላስ: እዚ ንቤተ ክርስቲያን ዝፍውስን ሓራ ህዝቢ ዝገብራን፣ ሰባት ዘስተንፍሱሉን ምድሓን ዝረኽብሉን ሕይወት እግዚኣብሔር እዩ።”

ኢየሱስ ንቤተ ክርስቲያን ዘለዎ ድሌት ንጹር እዩ፣ ኣካሉ ኮይና ሕይወቱ ክትገልጽ ኣለዋ። እዚ ማለት ኣብነቱ ብምስዓብ ዝተፈለየ ዓይነት ሓይሊ ምጥቃም - ዘየዋርድ፡ ንኻልኦት ዘልዕል” እንክብሉ ምስቶም መንእሰያት ዘካየድዎ ርክብ ይዛዝሙ።

06 Aug 2026, 17:20