ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንፈረሰይናታት ኮሎምቦ፡ ኣብዚ ናይ ምፍልላይ ዘመን ነብያት ስኒት ኩኑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንፈረሰይናታት ኮሎምቦ ብዘተ ሓድነት ብምዕባይ፣ ብስራሓት ግብረ ሰናይ ድማ ነቶም ኣዝዮም ዝተጸገሙ ብምግልጋል “ነብያት ስኒት” ክኾኑ ይላበዉ።

ዜና ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብዛ እናተገማመዐት እትኸይድ ዘላ ዓለም ድልድላት ብምህናጽን ዕርቂ ብምስፋሕን “ነብያት ስኒት” ክኾኑ ዕለት 4 ነሓሰ ኣብ ደንቨር ኮሎራዶ ዝካየድ ናብ ዘሎ መበል 144 ላዕለዋይ ጉባኤ ስርዓት ፈረሰይናታት ኮሎምቦ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ኣተባቢዖም፡ ነቶም ተጋባኣያን ልባዊ ሰላምታ ኣቕሪቦም፡ ብዛዕባ እቲ “ኣብቲ ሓደ፡ ንሕና ሓደ ኢና” ዝብል መርሕ ቃል ናይቲ ኣኼባ፡ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ጽቡቕ ባህርያት ሓድነትን ግብረ ሰናይን፡ ክልተ መሰረታዊ መትከላት ፈረሰይናታት ኮሎምቦ የስተንትኑ።

ሓድነት ክለምዕ ኣለዎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ናይ መወዳእታ ድራር ደቀ መዛሙርቱ “ኩሎም ሓደ ክኾኑ” ዝብል ኢየሱስ ዘቕረቦ ጸሎት ሓድነት ንነፍሲ ወከፍ ወለዶ ኣመንቲ ብሓላፍነት ዝተዋህበ ህያብ ምዃኑ ኣስሚሮም፡ "ምዕቃብ ሓድነት መብዛሕትኡ ግዜ ቀሊል ኣይኮነን፡ ከም ንቡር'ውን ክውሰድ ኣይክእልን'ዩ። ብቕንዕናን ትሑትን ዘተ ብንጥፈት ክዂስኮስ ኣለዎ።”

ስለዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፈረሰይናታት ኮሎምቦ ካብ ስድራ ቤቶምን ማሕበረሰቦምን ጀሚሮም ናብቲ ዝነብሩሉን ዘገልግሉሉን ሰፊሕ ማሕበረሰባት ነቲ ክርስቶስ ዝደልዮ ስኒት ክምስክሩን ከስፍሑን ኣተባቢዖም። "ኣብዚ መብዛሕትኡ ግዜ ብምግምማዕን ስሑል ቃላትን ዝልለ ዘመን፡ ድልድላት ክሃንጹ ዝጽዕሩን ብዝተኻእለ መጠን ተጻረርቲ መርገጺታት ንምትዕራቕ ዝጽዕሩን ነብያት ስኒት ኣዝዮም የድልዩ እዮም" ኢሎም።

ግብረ ሰናይ ንሓድነት የሐይል

ቅዱስ ኣቦና ናብ ግብረ ሰናይ ክምለሱ እንከለዉ፡ ብስም ንዝተጸገሙ ዝፍጸሙ ስራሓት ንባዕሎም ናብ ሓድነት ዝወስድ መንገዲ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ኣስተብሂሎም። "ንዝተጸገሙ ንምሕጋዝ ኢድና ክንዝርግሕ እንከለና፡ ኣብ መንጎ እቶም ዝህቡን ዝቕበሉን፡ ከምኡ'ውን ኣብ መንጎ እቶም ብሓባር ኮይኖም ንኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ዝሕግዙ ውሱን ስምምዕ ይምዕብል። በዚ ኸምዚ ግብረ ሰናይ ንመከራ ደቂ ሰባት ምላሽ ጥራይ ዘይኰነስ ሕውነት ንምዕባይን ነቲ ኣብ ሕመረት ክርስትያናዊ ሕይወት ዘሎ ሕብረት ንምድልዳልን ሓያል መሳርሒ ይኸውን።”

ነቶም ኣብ ወሰን ዘለዉ ምግልጋል

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንፈረሰይናታት ኮሎምቦ ነቲ ብመስራቲኦም ብጹእ ሚካኤል ማክጊቭኒ ዝጀመሮ ተልእኾ ብምቕጻሎም ንኢዶም። ንልዕሊ ሓደ ዘመን ዝኣክል፡ እቲ ስርዓት “ነቶም ዘይተወልዱ፡ ነፍሰጾር ኣዴታት፡ ንዝስደዱ ክርስትያን፡ ግዳያት ውግእን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን፡ ድኻታትን ተቓላዕትን፡ ከምኡ’ውን ነቶም ኣብ ሕድጋት ሕብረተሰብ ዝነብሩ” ፍቕሪ ክርስቶስ ንምርኣይ ከም ዝሰርሐ ኣስተብሂሉ።

ብቤት ምኽሪ ከባቢታትን ብደረጃ ሃገራውን ኣህጉራውን ውዳበኦም ኣቢሎም ብዝወሰድዎ ተበግሶታት፡ ካብ ልግሲ እቲ ማሕበር "ማእለያ ዘይብሎም ሰባት ተጠቀምቲ ኮይኖም እዮም። ብወገነይ ንቐጻሊ ልግሲ ማሕበርኩም ነቶም ዕድለይናታት ዘይኮኑ ሰባት ዓሚቝ ምስጋናይ እገልጽ፣ ጻዕርታትኩም ንብዙሕ ዓመታት ፍረ ከም ዝህልዎ ድማ እምነት ኣሎኒ - ቢሎም - ንዅሎም ኣባላት ስርዓት ፈረሰይናታት ኮሎምቦስን ኣባይቲ ስድራኦምን ሓዋርያዊ በራኬኦም ቅድሚ ምቕራቦም፡ ዕዮ ላዕለዋይ ጉባኤ እቲ ስርዓት ንኣማላድነት ማርያም ኣደ ቤተ ክርስቲያንን ብጹዕ ሚካኤል ማክጊቭኒን ኣወኪፎም ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቶም ዛዚሞም።

05 Aug 2026, 17:22