ር. ሊ. ጳ.፦ ቅዱስ ዜማ ንኣምላኽ ንምኽባርን ንምእመናን ንምቕዳስን እዩ
ዜና ቫቲካን
"እቲ ናይ መወዳእታ ዕላማ ቅዱስ ዜማ ብልክዕ እቲ ኣብ ሰነድ ቅዱስ ጉባኤ ተገሊጹ ዘሎ ኢዩ፣ ንሱ ድማ 'ክብሪ ኣምላኽን ምቕዳስ ምእመናን' እዩ።"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ፣ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘካፈልዎ ኣስተምህሮ፣ ብዛዕባ እቲ ካልኣይ ዋዕላ ቫቲካን፣ ብዛዕባ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣአመልኪቱ ዘውጽኦ ቅዱስ ጉባኤ ዘርእስቱ ሰነድ ኣስተንትኖኦም ብምቕጻል ኣስተምሂሮም። ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብቲ ንቅዱስ ሙዚቃ እተወፈየ ሻድሻይ ምዕራፍ ኣተኲሮም ድማ ኣስተምሃሩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ከም ዝገለጽዎ፣ እዚ ቅዱስ ጉባኤ እተሰምየ ጉባኤያዊ ቅዋም "ናይ ኣድማሳዊ ቤተ-ክርስትያን ትውፊታዊ ዜማ ካብ ዝዀነ ይኹን ስነ-ጥበብ ዚበልጽ ብዋጋ ዘይሽነን ክብሪ ዘለዎ መዝገብ እዩ" በሉ።
ክቡራትን ክቡራንን ሰማዕትና ካብዚ ብምቕጻል ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ቅዱስነቶም ዘካፈልዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ ነቕርበልኩም፣ ሰናይ ምክትታል!
ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን
ሻድሻይ ምዕራፍ ናይቲ ቅዱስ ጉባኤ (SC) እተሰምየ ጉባኤያዊ ቅዋም ናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ንቅዱስ ዜማ (ሙዚቃ) እተወፈየ እዩ። እዚ ሰነድ እዚ ከምዚ ይብል "ናይ ኣድማሳዊ ቤተ-ክርስትያን ናይ ዜማ ትውፊት ካብ ዝዀነ ይኹን ስነ-ጥበባዊ እውን ከይተፈልየ፣ ብዋጋ ዘይሽነን ክብሪ ዘለዎ ፍሉይ መዝገብ እዩ። እዚ ፍሉይ ዝዀነሉ ቐንዲ ምኽንያት፣ ቅዱስ ዜማ ምስ ቃላት እተተሓሓዘ ኣድላዪ ወይ ዘይንጸል ክፋል ናይቲ ሥርዓተ ኣምልኾ ስለ ዝዀነ ኢዩ።" (ቅዱስ ጉባኤ 112)። ወሲኹ ድማ ከምዚ ይብል፦ "ስለዚ ቅዱስ ዜማ ምስ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣጸቢቑ ስለ ዝተኣሳሰረ፣ ንጸሎት ባህ ዜብል ሓድነት ኣእምሮን ልብን ዜተባብዕ ወይ ከኣ ንቅዱስ ሥርዓተ ኣምልኾ ዝያዳ ኣኽብሮት ከም ዝህልዎ ስለ ዝገብር፣ ብመጠኑ ከም ቅዱስ ባእታ ጌርካ ክርአ ኣለዎ። ቤተ-ክርስትያን ግና ንዅሉ ዓይነት ሓቀይና ስነ-ጥበብ ኣድላዪ ባህርያት ከም ዘለዎ ትቕበሎ፣ ኣብ መለኮታዊ ኣምልኾ ድማ ተቕርቦ እያ።" (ቅዱስ ጉባኤ 112)
በዚ ኸምዚ ድማ ነቲ ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝርከብ ናይ ዜማ ኣገልግሎት ዘረጋግጽን ዘዕምቖን መሰረታዊ ትምህርቲ ኣብዚ ጉባኤ እዚ ንረክብ፣ እዚ ድማ ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ ኣብታ ዝኣወጅዋ ኣዋጅ ሕጋዊ ሰነድ Motu Proprio Inter sollicitudines (22 ሕዳር 1903) ነዚ ከገልጹ ይርከቡ። ዜማ ብሓቂ ኽፍሊ ናይ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝኾነ ተግባር እዩ ደአ እምበር ስልማት ናይቲ ሥርዓተ ኣምልኾ ጥራይ ኣይኰነን። ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ምዝያምን ምዝማርን ክበሃል እንከሎ ኣብቲ ዝኸብር ዘሎ ምሥጢር ብንጥፈት ብምስታፍ፣ ንልብኻ ምስ ኣሓትናን ኣሕዋትናን ምስ ኣምላኽን ብምስምማዕ ምጽላይ ማለት እዩ። ብፍላይ ከአ ከምቲ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ዝበሎ ሙዚቃ ንስምዒታዊ ስፍሓት ጸሎት ዝገልጾ ኢዩ፣ "Cantare amantis est" ማለት "ናይቶም ኣፍቀርቲ ዝማሬ" (ስብከት 336፣ 1) ማለት ኢዩ ዘስምዕ። እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፣ ከመይሲ ልብና ንግብሪ ኣምላኽ ብጸጋ ንኽክፈትን ብእኡ ኽንቀርጽን ይሕግዘና ኢዩ።
ዜማ ብተወሳኺ ሕብረት ዘተባብዕ ውን እዩ ። ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ዘሎ ፍልልያት ንምስዓር፣ ከምኡውን ብስሙር ድምጺ ኣቢሉ ንዅላቶም ነቶም ንኣምላኽ ንምውዳስ ሓድነት ልቢ ንኽህልዎም ኣበርክቶ ይገብር እዩ። በዚ ኸምዚ ናይ ቤተ-ክርስትያን ግልጸት ይኸውን፣ ጭቡጥ መግለጺ ናይቲ ኣብ ተፈጥሮኣ ዘሎ ሕብረት እዩ።
ገለ ገለ ማዕቀናት ድማ ካብቲ ቅዱስ ዜማ ከም ዘይንጸል ክፍሊ ናይ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከም ምዃኑ መጠን ዘለዎ ዓሚቝ ስነ-መለኮታዊ ኣገዳስነት ኢዩ ዝምንጩ። እቲ ቐዳማይ ካብ ፋሽን ወይ ፍሉይ ስምዒታት ምቅንባር ሓሊፉ ኣብ ኵሉ ደረጃታት፣ ነቲ ንመሥዋዕተ ቅዳሴ ዝሰማማዕ ኩነት ምላሽ ክህብ ኣለዎ። ሥርዓቱ ብፍላይ ብሥርዓተ ኣዘያይማኡ ኣብ ሓደ እዋን ክቡርን ቀሊልን ልዑል ሥርዓተ ሙዚቃዊ ብቕዓትን ዘለዎን፣ ብቐሊሉ ኺፍጸም ዝከኣልን ክኸውን ኣለዎ፣ ብፍላይ ከኣ ብብምሉኡ እቲ ጉባኤ ከዚሞ ኣብ ዝድለየሉ እዋናት (ቅዱስ ጉባኤ 121 ርአ)።
ብተመሳሳሊ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ከም ዘመልክቶ፣ ጥቕስታት ማለት ብቐንዱ ብቕዱሳት መጻሕፈን ብናይ ሊጡርጊያ መጻሕፍትን ብመንፈሳዊ ትውፊት ቤተ-ክርስትያንን ተመሪሑ፣ ብቑዕን ዓሚቝን ብቐሊሉ ክትርድኦ ዚኽእልን ክኸውን ይመክር። እቲ ኣብ ጥንታዊ ሥርዓት lex orandi, lex credendi ማለት ሕጊ ጸሎት ሕጊ እምነት እውን እዩ ኣብ ዝብል ተገሊጹ ከም ዘሎ፣ ቀላስን ህያውን ምእንቲ ክኸውንን፡ ምእንቲ ክምዕብልን ነዚ ኣቓልቦ ኽንገብረሉ ኣሎና።
እዚ ቅዱስ ጉባኤ እተሰምየ ሰነድ፣ ብዛዕባ ፍረ ነገር ንጡፍ ተሳትፎ ምእመናን ብዙሕ ኣትኵሮ ይገብር (ቁ. 114)። ነዚ ድማ "ክንርድኦ ይግባእ [. . .] ብዛዕባ እቲ ዝኽበር ዘሎ ምሥጢርን ምስ መዓልታዊ ህይወት ዘለዎ ርክብን ብዝያዳ ኣብ ምርዳእ ዝተመርኮሰ ድማ ክኸውን ኣለዎ" (ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ XVI Apostolic Exmoration Sacramentum caritatis, 52) "ንህይወት ኵሎም ምእመናን ምልክት ኪገብር ዘለዎ ቀጻሊ ናይ ምቕያር መንፈስ" (ibid., 55) ድማ የድሊ። እዚ ኣብቲ ፍሉይ ግደ ናይ ቅዱስ ዜማ ክርከብ ዝከኣል ብጭቡጥ መገዲ ዝምልከት፣ እቲ ጉባኤያዊ ቅዋም ንጹር መልሲ ዝህበሉ ኢዩ፣ "ህዝቢ ብናእዳ ንተሰጥዎ ቅዳሴን ዝማሬታትን ዜማታትን ኣብ ምምላስ ክሳተፉ ምትብባዕ የድሊ" ከምኡ'ውን "ኣኽብሮታዊ ስቕታ" ክተባብዕ ኣለዎ (ቅዱስ ጉባኤ 30)። ንነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ ንኣገልገልቲ ወይ ኣባላት ምእመናን "ከም ሥርዓት ናይቲ ዝኻየድ ዘሎ ጸሎት፣ መሰረታዊ ስርዓታት ቅዳሴን ምስ ኣገልግሎቶም ዚተሓሓዝ ኵሉ ኽፋላት" (SC, 28) ኣብ መንጎ እተፈላለዩ ኣገልግሎታት ኣብ እተፈላለየ ተሰጥዎን ዝወሃበሉን እዋናት ስቕታን ኣብ ዘሎ ስኒት ሚዛኑ ክሕሎ ይምሕጸኑ።
ኣስዒቡ ድማ እቲ ጉባኤ፣ ነቲ ናይ ጎርጎሬዎሳውያን ዜማ ብዓብዪ ኣኽብሮት ይርእዮ፣ ካልእ ዓይነት ቅዱስ ዜማ ድማ ካብ ሥርዓተ ኣምልኾ ኣየወገደን። ንመሳርሒታት ሙዚካ ከም ኦርጋን ሻምብቆ እውን ፍሉይ ቈላሕታ ይወሃቦ (ቅዱስ ጉባኤ 120 ርአ) ካልእ መሳርሒታት ሙዚቃ ምጥቃም ግን "እቲ መሳርሒታት ንቕዱስ ሥርዓተ ኣምልኾ ብቑዕ ወይ ዘይብቑዕ ክኸውን ዝኽእል፣ ምስ ክብሪ ኣገልግሎት ቤተክርስቲያን ዝሰማማዕ ከምኡውን ንህንጸት ምእመናን ብሓቂ ኣበርክቶ ዝገብር እንተ ዀይኑ" (ቅዱስ ጉባኤ 120) ብዝብል ተፈቒዱሉ ኣሎ።
ሓደ ኻብቲ ኣብቲ ጉባኤ እተገብረ ተሓድሶ ዝቐረቦ ፍረ ነገር፣ ብዛዕባ ባህላዊ ምንቅስቓስ (ወይ ሳዕስዒት) እንተላይ ኣብ ዓውዲ ቅዱስ ዜማ ዝካተት ምዃኑ የመልክት። ብፍላይ ብዛዕባ ናይ እተፈላለየ ባህልታት ዜማ ብዝምልከት፣ እቲ ጉባኤ ክፍሊ ሃይማኖታውን ማሕበራውን ህይወት ደቂ ሰባት ስለ ዝዀነ፣ ኣርዚንካ ዝርአ ከም ምኹኑ ኣብ ግምት ምእታው፣ ኣድላዪ ምዃኑ የጕልሕ። ስለዚ በቲ ሓደ ሸነኽ "ብዛዕባ ሃይማኖት ዘለዎ ኣረኣእያ" ኣብ ኵሉ ሰብ ከስፋሕፍሕ ኣለዎ (ቅዱስ ጉባኤ 119) ኣለዎ ይብል። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ብእተኻእለ መጠን [...] ባህላዊ ሙዚቃ እዞም ህዝብታት እዚኣቶም ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ኣብ ቅዱስ ኣገልግሎታትን ምእንቲ ኺስፋሕፍሕ ኵሉ ጻዕሪ ክግበር ኣለዎ (ibid) ክብል ድማ የመላኽት።
ኣብቲ ዓውዲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ፍሉይ ግደ ናይ ዜማ ቤት ትምህርቲ (schola cantorum) ተዋሂቡዎ ኣሎ። እቲ ጉቤ ነዚ ናይ ጉስነት መሳርሒ እዚ ንምድንፋዕ፣ ነቲ ናቱ ዝዀነ ኽፋላት ብመሰረት እተፈላለየ ዓይነታት ሙዚቃ ብግቡእ ከም ዝፍጸም ንምርግጋጽን ምእመናን ኣብቲ ዝማሬ ብንጥፈት ንኺሳተፉ ንምትብባዕን ይመክር። (ቅዱስ ጉባኤ ጽምብላትን ትምህርትን Musicam sacram, 19)።
በዚ ምኽንያት እዚ፣ እቲ ኣቀናባሪ ቅዱስ ዝማሬታት ንውርሻ ዜማ ቤተ-ክርስትያን ክፈልጦን ክዕቅቦን ተጸዊዑ ኣሎ፣ እዚ ድማ ኣብ ኣገልግሎት መሥዋዕተ ቅዳሴ ሓደስቲ ድርሰታት ከነቓቕሕ የኽእሎ ኢዩ፣ ዘመናዊ ስምዒታትን እተፈላለየ ባህላዊ ልምድታትን ብምኽባር፣ "ኣምልኾ ካብ ጽዩፍ ኣጸሓሕፋ፣ ካብ ጽዩፍ ኣገላልጻ፣ ካብቲ ነቲ ዝኸብር ዘሎ ዓብዪ ምስጢር ድሕነት ዘይበቅዕ መንፈስ ሙዚቃዊ ጽሑፋት ንምቝጣብ።" ንመሥዋዕተ ቅዳሴ ዜማታት ክቡርን ብሉጽን ውሑስን ንምግባር" (ር.ል.ጳ. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ “ሙዚቃዊ ድርሰት ቅዱስ ዜማ” Chirograph on Sacred Music 22 ሕዳር 2003 3)።
በዚ ዅሉ ምኽንያታት እምበር፣ ኣበው ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ከም ዝገለጽዎ፣ ቅዱስ ዜማ ንምድራስ "ኣብ ሃይማኖታዊ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣብ ሓደስቲ ኣብያተ ትምህርቲ ናይ ክልቲኡ ጾታታት ኣባላት ሰብ ውፉይ ሕይወት ከምኡውን ኣብ ካልኦት ኣብያተ ትምህርትን ካቶሊካውያን ኣብያተ ትምህርትን" ሥነ መዕበያ ቅዱስ ዜማን ከምኡውን ኣብ ግብሪ ንምውዓሉን ሓሳብ ኣቕሪቦም ኣለዉ። (ቅዱስ ጉባኤ 115) ከምኡ ውን ሙዚቀኛታትን ዘሰልጥንን ጥዑይ ናይ ዜማታት መሥዋዕተ ቅዳሴ ስልጠና ከም ዝረኽቡ ምግባር የድሊ (ibid)።
ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን፣ ኣበው ቤተክርስትያን ንናይ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዜማታት ከም ምልክት ናይ ቤተ ክርስትያን ሕብረት ገይሮም ኣኽቢሮም ኢዮም ዝርእይዎ ዝነበሩ። ስለዚ በዘን ባህ ዘብላ ቃላት ቅዱስ ኢግናጥዮስ ብዓል ኣንጾክያ ኣስተንትኖና ክንድምድም፦ "ንሱ ምእንቲ ኺሰምዓኩምን፣ ካብቲ እትገብርዎ ሰናይ ግብርታትውን ምእንቲ ክቕበለኩምን፣ ብኢየሱስ ክርስቶስ ነቦ ብሓደ ድምጺ ምእንቲ ኽትዝምሩሲ፣ ነፍሲ ወከፍኩም መዘምራን ኩኑ። ኣካላት ወዱ ምዃንኩም ድማ ፍለጡ" (ናብ ሰብ ኤፌሶን 4፡2) ።
