ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፦ ስነ ኣሃዛዊ ርክብ ንሓቅን ሰብኣዊ ክብርን ከገልግል ኣለዎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፦ ስነ ኣሃዛዊ ርክብ ንሓቅን ሰብኣዊ ክብርን ከገልግል ኣለዎ 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፦ ስነ ኣሃዛዊ ርክብ ንሓቅን ሰብኣዊ ክብርን ከገልግል ኣለዎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሩዋንዳ ርእሰ ከተማ ኪጋሊ ናብ ዝካየድ ዘሎ ዓለማዊ ዋዕላ SIGNIS - ዓለማዊ ካቶሊካዊ ማሕበር መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዘመሓለልፍዎ መልእኽቲ፡ ኣብ ሓቂ፣ ሰብኣዊ ክብሪ፣ ሰላምን ሓልዮት ፍጥረትን ሱር ዝሰደደ ስነ ኣሃዛዊ ርክብ ከስፍሑ ይላበዉ።

ዜና ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 13 ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን ብሓቅን ምኽባር ሰብኣዊ ክብሪን ዝተደረኸ ስነ ኣሃዛዊ መሳርሕታትን ስነ ስልትን ከስፋሕፍሑ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኪጋሊ ሩዋንዳ ናብ ዝካየድ ዘሎ ዓለማዊ ዋዕላ SIGNIS - ዓለማዊ ካቶሊካዊ ማሕበር መራኸቢ ብዙሓን ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ቅዱስነቶም ምዉቕ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ ነቶም ተጋባእያን መንፈሳዊ ቅርበቶም ኣረጋጊጾም፣ ዘካይዶዎ ዘተ ነቲ ናይ መራኸቢ መድረኻት ንሓባራዊ ረብሓ መላእ ሰብኣዊ ስድራቤት ንምስጓም ንዝግበር ጻዕርታት “ሓድሽ ድርኺት” ክህብ ተስፋ ከምዘለዎም ገሊጾም።

ባህልን ሕልናን ምቕራጽ

ተጋባእያን ክውንነት ስነ ኣሃዛዊ ዘመን መብዛሕትኡ እዋናዊ ህይወት ብስነ ኣሃዛዊ እደ ጥበብን መርበን ዝድረኽ ምዃኑ ቅዱስነቶም ኣስተብሂሎም፡ "Magnifica Humanitas - ግሩም ሰብኣውነት” ብዝብል ኣርእስቲ ዝለገስዎ ዓውዲ መልእኽቲ ተወኪሶም፡ ብመርበብ ዝግበር ርክብ ሓበሬታ ንምትሕልላፍ ጥራይ ከምዘይኮነ ኣዘኻኺሮም፡ ባህሊ እውን ይፈጥር፣ ሰባት ንዓለም ብኸመይ ከም ዝርድእዋ ይቐርጽን ማሓባራዊ ሕልና ብዕምቆት ይጸልውን - ቢሎም - በዚ ድሕረ ባይታ እዚ ቅዱስ ኣቦና ንተጋባእያን “ስነ ኣሃዛዊ ርክብ ንባህላዊ ስኒትን ከባብያዊ ሓልዮት” ዝብል ናይቲ ዓውደ ጉባኤ መርሕ ቃል ንምስጓም ዝሕግዝ ግብራዊ መገድታት ክድህስሱ ኣተባቢዖም። እቲ ዘካይድዎ ዓውደ ዘተ ብሓቂ ዝምራሕን ኣብ ምኽባር ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝተሰረተ ናይ ርክብ ስልትን መሳርሕታትን ክመርሕ ተስፋ ከምዘለዎ ገሊጾም።

ሓድነት፡ ሰላምን ሓልዮትን ንፍጥረት

ከምዚ ዝበለ ኣቀራርባ፡ ነቲ ወንጌላዊ ክብርታት ሕብረትን ሰላምን ዘንጸባርቕ ባህሊ ንምህናጽ ክሕግዝ ይኽእል እዩ፡ ኣብ ርእሲኡ ድማ ሓላፍነትዊ መጋቢነት ከባቢ ከተባብዕ ከም ዝኽእል ኣስተብሂሎም፡ ኹሎም ኣብቲ ጉባኤ ንዝተሳተፉ ዘለዉ ንኣማላድነት ማርያም ኣደ ቤተ ክርስቲያን ኣሕሊፎም ብምሃብ ስርሖም ነባሪ ፍረ ክህልዎ ጸሎቶም ኣረጋጊጾም፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ሓዋርያዊ በራኬኦም ከም መብጽዓ “ጥበብን ሓይልን ብጐይታ” ኣመሓላሊፎም።

05 Aug 2026, 17:19