ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሳን ማሪኖ፡ ወንጌል ብምስዓብ ንግርጭት ምላሽ ምሃብ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ሳን ማሪኖ ተራኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ ኩሉ ሰብ "ኣብ መንገዲ ወንጌል ዝያዳ እምነት ክህልዎ" ከምኡ'ውን ኣሰር ቅዱሳን ማሪኖስን ልዮን መስረትቲ እታ ሪፓብሊክ ክስዕብን ተማሕጺኖም።

ዜና ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 22 ነሓሰ ኣብ ሳን ማሪኖ ኣብ ዝገበርዎ ዑደት ምስ ማሕበረሰብ ካቶሊክ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ንሕድሪ ቅዱሳን ማሪኖስን ሊዮን መስረትቲ ሪፓብሊክ ኣጉሊሖም፡ ከም ዓለማውያንን ጸረብቲ እምኒን ዝነበሩ ድሒሮም ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉ - “ መልእኽቲ ወንጌል ከመይ ጌሮም ናብቲ ብክርስትያናዊ መትከላት ሓርነትን ሓድሕዳዊ ምክብባርን ሕብረትን ብትሪ ዝልለ ሓድሽ ሓባራውን ፖለቲካውን ቀጥዒ ከም ዝትርጎምዎን” ኣብ ዘስምዕዎ መደረ የጒልሑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንመንእሰያት፦ ልብኹም ንኢትኣላው ክፈቱ

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም መንእሰያት “ብኸፊል፡ ቅጽበታዊ መልሲ” ካብ ዝዓግቡ፡ ልቦም ነቲ ደረት ኣልቦ ክኸፍቱ ዓዲሞም፡ እዚ ድማ ምስቲ ኣብ ታሪኽ ኣሰር ክገድፉ ክሕግዞም ዝኽእል ኣምላኽ ናብ ርክብ ክመርሖም ከምዝኽእል ኣብሪሆም፡ ነቶም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ኩሎም ነቲ ብእግዚኣብሔር ዝተዋህቦም ተልእኾ ብውዕዉዕ ስምዒት ክቕበሉ፣ ከም ሓዳር፣ ውፉይ ሕይወት፣ ዝተቐበልዎ ኣገልግሎት፣ ሞያ፣ ወይ ፖለቲካውን ማሕበራውን ጽምዶ ዝኣመሰሉ ጠለብቲ ምርጫታት ክገብሩ ትብዓት ክህልዎም ዓዲሞም፡ “ንዓለም ዝዛረብ ሰላም” ክምስክሩ ምእንቲ ክኽእሉ ብዝከኣሎም ክዳለዉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ እዚ ድማ መርሕ ጉዕዞኡ እዩ” ኢሎም።

ንህጻናት ብክርስትያናዊ ክብርታት ምዂስኳስ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንካህናትን መምሃራትን ትምህርተ ክርስቶስን ካልኦት መምህራንን ንወለዲ ኣብ ምድጋፍ ንዘሳልጥዎ ዕዮ ድሕሪ ምምስጋን - ኣባይቲ ስድራ ቀዳሞት መምህራን ደቆም ምዃኖም ኣስተብሂሎም - ኣብ ትምህርቲ ወለዲ ዘሳትፍ “ጥበባዊ ጒስነት” ኣብ ትምህርቲ ክህሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ እዚ ድማ ናይ ገዛእ ርእሶም እምነቶም ከሐድሱን ክርስትያናዊ ክብርታቶም ናብ ደቆም ኣብ ምትሕልላፍ “ሓጐስ” ክረኽቡን ዘኽእሎም እዩ። ብፍላይ ድማ ናይ ጥምቀትን ቅዱስ ምስጢራዊ ሕይወትን ከዕብዩ፡ ሊጡርጊያ ከም ተመክሮ ሓድነት "ብጥንቃቐ ከማዕብሉ" ሓደራ ኢሎም።

ወንጌል ብዓብት እምነት ብምስዓብ ንግርጭት ምላሽ ምሃብ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፡ ኢየሱስ ናይ ትርጉም ሕይወት ሕቶታት ውዱእ መልሲ ምዃኑን፡ ወንጌል ድማ ንኹሎም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን “መንገዲ ሓርነት” ምዃኑ ኣጽኒዖም ብምግላጽ፡ ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ንኹሎም እንረኽቦም ከነካፍሎም እንኽእል ህያብ እዩ። ነዚ ድማ እዩ ክርስትያን ብኹሉ ዝተፈላለየ መልክዑ ግብረ ሰናይ ክገብሩን ግን ከኣ ኩሉ ግዜ "ናይ መወዳእታን ውሁድን ሰናይ ናይቲ ደገፍና እንህቦ ህዝቢ" ዝብል ዕላማ ሒዞም። ኣብዛ ብግርጭት ዝተለለየት ዓለም "መልስና ኣብ መንገዲ ወንጌል ዝያዳ እምነት ሒዝና ምጉዓዝ ጥራይ እዩ ክኸውን ዝኽእል" እንክብሉ ገሊጾም፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ መበል 14 ንውልቃውነትን “ዘይምትእምማንን ፈላላይን ቍምስናውነት” ንምስዓር፡ ከምኡ’ውን “ንሕውነትን ሰላምን ኣብ ዘሎና ተስፋ ሓድሽ ህይወት ንምስራጽ” ኣገዳስነት ሓድነት ዳግማይ ብምዝካር፡ እዚ ድማ ኣካል ሕድሪ ቅዱሳን ማሪኖስን ልዮን እዩ፡ ከምኡ’ውን “ኣብቲ ዝጀመርዎ ንምህናጽ ብጽንዓትን ተወፋይነትን ክንቅጽል ተልእኾና” ምዃኑ ገሊጾም ዝለገስዎ ቃለም ዕዳን ዛዚሞም።

22 Aug 2026, 16:51