ድለ

2026.08.05 ናይ ር.ሊ.ጳ. ልዮን ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፡ ጸሎት ናይ ተስፋ ተግባር እዩ! 2026.08.05 ናይ ር.ሊ.ጳ. ልዮን ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፡ ጸሎት ናይ ተስፋ ተግባር እዩ!  (@Vatican Media)

ናይ ር.ሊ.ጳ. ልዮን ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፡ ጸሎት ናይ ተስፋ ተግባር እዩ!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዛዕባ እቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝኣወጆ ሃመናንዊ ቅዋም ብዛዕባ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝዛረብ ሰነድ “ቅዱስ ጉባኤ” (Sacrosanctum Concilium) ኣማእኪሎም ዘቕርብዎ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስትስ ብምቕጻል ዕለት 5 ነሓሰ፡ ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያናዊ ሸነኽ ሊጡርጊያዊ ጸሎት ኣስተንቲኖምን ንቅዳሴ "ናይ ምርኻብ ቦታ፡ ናይ እግዚኣብሄር ኣብ ወዱ ናብ ሰብኣውነት ኣብ ምቕራብ ዝወሰዶ ተበግሶ" እንክብሉ ይገልጽዎ።

ዜና ቫቲካን

ቅድስነቶም ረቡዕ ዕለት 5 ነሓሰ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተኣከቡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ምእመናን ኣብ ናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ሃምነና ኣዋጅ Sacrosanctum Concilium - ቅዱስ ጉባኤ ብዛዕባ ሊጡርጊያዊ ጸሎት ዘቕርቦ ትምህርቲ ኣማእኪሎም ኣብ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፡ “ከምቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ዝሕብሮ፡ ክንጽሊ ዝምህረና መንፈስ ቅዱስ እዩ። ካብ መዓልቲ ጴንጠቆስጠ ጀሚሩ መንፈስ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ይነብር፣ ንነፍሲ ወከፍ ንጥፈታታን ብፍላይ ድማ ንጸሎትን የነቓቕሕ።” ካብ ሽዑ ጀሚራ ቤተ ክርስቲያን “ምስጢር ፋሲካ ንምብዓል ካብ ምሕባር ኣይቦኸረትን” እንክብሉ የስተንትኑ።

ጸሎት ብሓቀይና መልክዑ ዳግማይ ምርካብ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም፡ “ኣብዚ ግዜና ብብቕዓት ዝድረኽን ሃልክን ኣተሓሳስባ ኣብ ዝዕብለል ኵነታት፡ ጸሎት ትርጉም ዘይብሉን ንእሽቶን ክመስል ይኽእል እዩ።” ኣብዛ “ስነ ምርምርን እደ ጥበብን ኩሉ መልሲ ይህብ እዩ ዝበሃለላ” ዓለም፡ ጸሎት ሓደ ዓይነት ምህዳም ወይ ካልእ ንውልቃዊ ጥዑም ሂወት ዝዓለመ ስነ - ኣእምሮኣዊ ሜላ ጥራይ ክመስል ይኽእል። ጸሎት ግና “ብሓቀይና መልክዑ ዳግማይ ምርካብ ይግባእ” እንክብሉ የተሓሳስቡ።

ምስ እግዚኣብሔር እትራኸበሉ ቦታ

ሃምነናዊ ኣዋጅ Sacrosanctum Concilium - ቅዱስ ጉባኤ ነዚ ድሌት እዚ ብዕቱብ ወሲዱ፡ እቲ ናይቲ ጉባኤ ሰነድ “ጸሎት” ዝብል ቃል ነቲ ሊጡራጊያ ብሓፈሻ ከም ዝገልጽ የረጋግጽ። እዚ ኣረኣእያ’ዚ ወሳኒ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና “ንጡፍ ተሳትፎ ምእመናን ማእከላይ ዓንዲ ገይርዎ፡ ንተሓድሶ ሊጢርጊያ መሪሑ” እንክብሉ ኣረዲኦም፡ ሊጡርጊያ ብቐዳምነትን ልዕሊ ኩሉን “ናይ ምርኻብ ቦታ፣ ናይ እግዚኣብሔር ተበግሶ ኣብ ወዱ ናብ ሰብኣውነት ምቕራብ” እንክብል ይገልጾን የቕርቦን፥ ኢሎም።

መዓልታዊ ህይወት ምቕዳስ

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙንን መዓልታውን ሊጡርጊያ መስዋዕተ ቅዳሴን ጸሎት ሰዓታትን "መንፈስ ቅዱስ ኣብ ኣካላታ ዘንቀሳቀስ ኣገዳሲ ትንፋስ ቤተ ክርስቲያን" ምዃኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣረጋጊጾም፡ ኣብዚ ጸሎት እዚ ክርስቶስ "ንብምሉኡ ማሕበረሰብ ደቂ ሰባት ምስ ናይ ገዛእ ርእሱ ማሃልየ ናይዚ መለኮታዊ ውዳሴ የተሓሕዞ። ንብርሃኑ ዘናውሕ ቅዱስ ቁርባን ተኣሳሱርይ፡ ናይ ሰዓታት ጸሎት ነቲ ናይ ዕለታዊ ሕይወትና ግዜ ይቕድስ - ቢሎም - ንዝተፈላለዩ ህሞታት ጸሎት "ንጉሆ፡ ነታ መዓልቲ ብእምነትን ምስጋናን ንጅምራ፤ ኣብ ፍርቂ መዓልቲ፡ ኣብ ማእከል ጻዕርና እሙናት ኮይንና ክንጸንሕ ሓይሊ ንሓትት፤ ምሸት ምሸት፡ ስራሕ ምስተወድአ፡ ጸሎተ ዘሰርክ - ይብሉ - ጸሓይ እትዓርበሉ ህሞት የሰንየና፣ ብለይቲ ንርእስና ንሰላም ኣምላኽ ኣሕሊፍና ንህብ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን “ነፍሲ ወከፍ ሰዓት ናይ ተስፋ ተግባር እዩ። ከምኡ’ውን ኣብ ምድራዊ ንግደትና፡ ምስ መላእ ቤተ ክርስቲያን ክቡር ዳግማይ ምጽኣት ጐይታ ንጽበ” እንክብሉ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዛዚሞም።

06 Aug 2026, 17:10