ድለ

2026.08.06 ኣብ ኣሲዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንመንእሰያት 'ዝሳቐ ስጋ ካልኦት ክትንክፉ' የተባብዑ 2026.08.06 ኣብ ኣሲዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንመንእሰያት 'ዝሳቐ ስጋ ካልኦት ክትንክፉ' የተባብዑ  (@Vatican Media)

ኣብ ኣሲዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንመንእሰያት 'ዝሳቐ ስጋ ካልኦት ክትንክፉ' የተባብዑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ 2026 ኣብ ኣሲዚ ዝተኻየደ ናይ ፍራንቸስካውያን መንእሰያት ዓውደ ኣኼባ 2026 መዛዘሚ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፡ መንእሰያት “ንምሩኽነትን ፍርሕን ክሰግሩ” ከምኡ’ውን “ሓደስቲ ገጻት ታሪኽ ክጽሕፉ” የተባብዑ።

ዜና ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 6 ነሓሰ ነቶም ካብ መላእ ኤውሮጳ ዝመጹ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ መንእሰያት ኣብ ኣሲዚ ንብፍላይ Go! Franciscan Youth Meeting 2026 - ኩዱ! ዓውደ ዘተ 2026 ፍራንቸስካውያን መንእሰያት ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ባዚሊካ ቅድስት ማርያም ዘመላእኽቲ ኣዕሪጎም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ንመንእሰያት ““ናይ ውሑዳት ዘይፍትሓውነትን ትዕቢትን ንብዙሓት ክብርን ሕልምን ዝከሓደሉ ናብ ወሰናስን” ሕብረተሰብ ክኸዱ ኣተባቢዖም፡ “ምስ መምህር ቅዱሳት መጻሕፍቲ ከነንብብ ተጸዊዕና ኣለና፣ ኣሰሩ እናሰዓብና ድማ ውሳኔታት ክንወስድ ኢና ኣብዚ ዘሎና፣ ምሩኽነትን ፍርሕን ክንስዕር፣ ልክዕ ከምቲ ንሓዋርያት ዝዓግቶም ንድሕሪት ከነብል ዝድርኸና ጥርጣረታት ክንፈትሕ ኢና። ኢየሱስ ሓደስቲ ገጻት ታሪኽ ምእንቲ ክንጽሕፍ ምስ ታሪኹ ናብ ዘተ ይጽውዓና።”

ኣሲዚ “ህይወትና ክቕየርን ብርሃን ክድርጉሕን ንዓለም ክጽግናን ከም ዝኽእል ኩሉ ጽን ዝብለላ ቦታ እያ” ዝበሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ “ናይ ፍራንቸስኮ፡ ናይ ክላር፡ ድሕሪኡ ድማ ናይ ካልኦት ኣሽሓት መንእሰያት ምልዋጥ” መጀመርያ ኣብዚ ኣብ ኣሲዚ ከም ዝጀመረ የዘኻኽሩ።

ምስማዕን ውሳነ ምግባር

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነቲ ሎሚ ቤተ ክርስቲያን እተብዕሎ ዓመታዊ ክብረ በዓል ዘደብረ ታቦር እናሓሰቡ

ኢየሱስ፡ “ብትኽክል ምስ ኣቦ፡ ምስቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ - ሙሴን ኤልያስን - ከምኡ’ውን ምስቶም ብዘመኑ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ዝገበሮ ዘተ መልክዑ ከም ዝተቐየረ እቲ ናይ ሎሚ ክብረ በዓል የዘኻኽረና፡ ናብዚ ናይ ምስማዕን ምውሳንን ቀላሲ ሓይሊ ክስሕበና፣ ንመን ክንነብርን ብኸመይ ክንነብርን ከም ዘለና ንምርዳእ ዝሕግዘና እዩ፡ ቤተ ክርስቲያን ድምጺ እግዚኣብሔር ምልላይ እንመሃረላ ማሕበረሰብ እያ” እንክብሉ ኣጒሊሖም “ነቲ ኹሎም ንኢየሱስ ክስዕቡ ዝወሰኑ ደፋራትን መሃዝያውያንን ዝገበርዎ ንመንፈስ ቅዱስ ምእዙዛት ክንከውን ትብዓት ይሃልወና።”

'ሓብቲ ድኽነት' ምሕቋፍ

ቅዱስ ፍራንቸስኮ ካብ ዓለም ንኽምለስ ዝገበሮ ምርጫ ሰውራዊ ክኸውን እንከሎ፡ ቅድስቲ ክላር ዝወሰደቶ ውሳኔ “ዝያዳ ዘገርም” እዩ ኪያራ ከም ፍራንቸስኮ “ብሓቀይና ናጽነት . . . ክትነብር ትደልይ ነይራ”፣ እዚ ድማ፣ "ጸዓት" ክርስትና እዩ - “እቲ ናይ መጀመርታን ብዙሕ ሓድሽ ጅማሮን እዩ”።

“ክቡራት መንእሰያት፡ ሎሚ ኤውሮጳን ዓለም ብምልእታውን ሓደስቲ ቅዱሳን ንምርካብ ናባኻትኩም ይጥምቱ ኣለዉ: ብቓል ወንጌል ክትኣምኑ ደፊርኩም፡ ብናጽነት ኢየሱስ ክርስቶስ ምሉእ ሰብ ክትኮኑ፡ ንሓፍትና ድኽነት ድማ ሓቚይፍኩም! እቲ ናይ ምትእኽኻብኩም Go! Franciscan Youth Meeting 2026 - ኩዱ! ዓውደ ዘተ 2026 ፍራንቸስካውያን መንእሰያት! መርሕ ቃል ተልእኾ እዩ፡ ናብ መረሓ መገዲ ዘይሓዝናሉ ጎደናታት ምኻድ ዝብል እዩ፡ ምኽንያቱ ንልቢ ክንሰምዕ እንኮለና ዝኽፈቱ መገድታት፡ ንመንፈስ ክንእዘዝ፡ ከምኡ’ውን ነቲ ተንሲኡ ዘሎ ጎይታ ኣብ ቅድሜና ክኸይድ ዝመረጾ መገዲ ምስዓብ።”

እዚ ኩሉ ክግበር ኣለዎ ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዘጠንቀቕዎ “ካብ ቁስሊ ጎይታ” ርሕቐትና ከይሓዝና ዝፍጸም፣ ቢሎም እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝለገስዎ Evangelii Gaudium - ናይ ወንጌል ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ጠቒሶም፡ “የሱስ ንሕሰም ደቂ ሰባት ክንትንክፍ፣ ናይ ካልኦት መከራ ስጋ ክንትንክፍ ይደሊ። ነቶም ካብ ልቢ ስቓይ ደቂ ሰባት ርሕቐትና ክንሕሉ ዝድርኹና ውልቃዊ ወይ ሓባራዊ ምሾት ምድላይ ከነቋርጽ ይጽበ” ኢሎም።

ንስልጣነ ፍቕሪ ቃል ምእታው

ዋላ’ውን ሰማዕቱ "ብገዛእ ገዛኻ ዘለዉ'ውን ከይተረድኡዎ - ልክዕ ከምቲ ንቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘጋጠመ"፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት “ካብ ባህሊ ስልጣን ርሒቕካ ንደቂ ሰባት ዝፈላልይ መናድቕ ምፍራስ ፈጺሙ ንስድራቤት፡ ከተማ ወይ ትውፊት ክሕደት ከምዘይኮነ” ኣስሚሮም፡እንታይ ደኣ "ካብ መንፈሳቶም፡ ካብ ፍርሕን ድንቁርናን ዝተማህዙ ጸላእቲ፡ ከምኡ'ውን ካብቲ ብኹሉ ወገን ኣዝዩ ዝበልጸና ክውንነት ናይ ገዛእ ርእሱ ጽፉፍ ንእሽቶ ስርዓት ክጽዕን ዝደሊ ዓመጽ" ሓራ ንምውጻእ የገልግል እዩ ኢሎም።

“ኣብ እግዚኣብሔር ምውካል ማለት ከም ፍራንቸስኮን ክላርን ዝድነቕን ክግልገልን ዘለዎ ኣሕዋትን ኣሓትን ዘለዎ ዓለም ምርካብ እምበር ክምዝመዝን ክዕብለልን ኣይኮነን” ኢሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት። “ክትከላኸለላ እትኽእል ዓለም ዘይኮነትስ ክትሕቆፍ።”

06 Aug 2026, 17:24