ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፥ ጻውዒት እግዚኣብሔር ስምዑ፡ ብቆራጽነት ድማ ስዓብዎ
ዜና ቫቲካን
"ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ምርኻብ ንልቢ ብሓጎስ ይመልኦን ናይ ፍቕሩን ምሕረቱን መሰኻኽር ክንከውን ሓይሊ ይህበና" እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ነዚ ዘጸናንዕ መዘካኸሪ ኣብቲ ኣብዚ ሰሙን መወዳእታ ኣብ ኢባራ፡ “ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ (ዮሓ 16፡33)” ብዝብል ቃለ ወንጌል ተመሪሑ ናብ ዝካየድ 7ይ ሃገራዊ መዓልቲ መንእሰያት ኢኳዶር ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእክቲ ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ንጻውዒት ጎይታ መልሲ ምሃብ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም ክርስቶስ ንህይወቶም ትርጉም ከም ዝህብ ኣስሚሮም፡ “ንጻውዒት ጐይታ ክትሰምዑን ብቆራጽነት ክትስዕብዎን እላቦ - ቢሎም - ነቶም መንእሰያት ንቤተ ክርስቲያን ዘይእደን ጸጋ ምዃኖም እውን ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ንኻልኦት ብሓጐስካ ናብ ክርስቶስ ስሓቦም
“ብዙሓት ካልኦት ንኽርስቶስ ምእንቲ ክፈልጥዎ፡ ቤተ ክርስቲያን ሓጎስኩምን ትብዓትኩምን ምስክርነትኩምን የድልያ። ብፍቕሩ ክትልወጡ ፍቐዱ” እንክብሉ ተላብዮም፡ ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም መንእሰያት ይቕሬታን ዕርቅን ሰላምን ዘስፍሑ ክኾኑ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ንኹሎም መንእሰያት ኤኳዶር ንእኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣማዕቍይቦም፡ “ማርያም ንወንጌል ክትነብሩን ከምቲ ንሳ ዝገበረቶ ንርእስኹም ነቲ እግዚኣብሔር ንሕይወትኩም ዝሓንጸጾ መደብ ክትውፍዩ ዘነቓቕሓኩም ኣብነት ይኹንኩም” ዝብል ጸሎት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
